ፈትዮም ይመጹ—ኣልባንያን ኮሶቮን
“ንየሆዋ ኸምዚ ገይረ ኸገልግሎ እየ ኢለ፡ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።” እዚ ቓላት እዚ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኣልባንያ a ኸይዳ፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ እተገልግል ግወን እተባህለት ሓብቲ እተዛረበቶ እዩ።
ግወን ሓንቲ ኻብቶም “ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት” ኬምጽኡ ናብ ኣልባንያ ዝገዓዙ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን እያ። (ሃጌ 2:7) ነዞም ወንጌላውያን እዚኦም ከምኡ ኺገብሩ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ቅድሚ ምግዓዞም እንታይ ምትዕርራያት እዮም ገይሮም፧ እንታይ ሓጐስ እዩ ንብድሆታቶም ኪጻወሩ ሓጊዝዎም፧
እተፈላለየ ዅነታት፡ ግናኸ ሕደ ዓይነት ባህጊ
ኵሎም እቶም ናብ ኣልባንያ ዝገዓዙ ኣስፋሕቲ፡ ብፍቕሪ የሆዋን ካልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ንምሕጋዝ ብዘለዎም ድልየትን እዮም ተደሪኾም።
ቅድሚ ምግዓዞም፡ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ስጕምታት ወሲዶም እዮም። እዚ ኸኣ ምስ ገዓዙ ንዘጋጠሞም ብድሆታት ኪሰግሩ ሓጊዝዎም እዩ። ግወን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “መጀመርታ ኣብ ዓድና ናብ ዘላ ጕጅለ ቛንቋ ኣልባንያ ግዒዘ። ደሓር፡ ኣኼባ ዞባ ኽካፈል ናብ ኣልባንያ ኸይደ። ጸኒሐ ኸኣ፡ ቋንቋይ ምእንቲ ኸመሓይሽ እተወሰነ እዋን ኣብኡ ተቐሚጠ።”
ማንዌላ ጓል 23 ዓመት ከላ፡ ምእንቲ ኽትሕግዝ፡ ኣብ ዓዳ ኢጣልያ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ገዓዘት። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ኣብኡ ንኣርባዕተ ዓመት ኣገልጊለ። ጸኒሐ ኣብ ኣልባንያ ዝያዳ ዕዮ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ፡ ናብኡ ኸይደ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ከገልግል ወሲነ።”
ፈደሪካ ጓላ ሸውዓተ ዓመት ከላ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ብዛዕባ ኣልባንያ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰምዐት። ከምዚ ኢላ ድማ ተዛረበት፦ “እቲ ጸብጻብ ዝሃበ ሓው፡ ኣብ ኣልባንያ ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የጀምሩ ኸም ዝነበሩን ተገደስቲ ድማ ናብ ኣኼባታት ኸም ዝመጹን ገሊጹ ነይሩ። ሽዑ፡ ንወለደይ ናብ ኣልባንያ ክኸይድ ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎም፡ ትምኒተይ ኣገሪምዎም እዩ። ኣቦይ ድማ፡ ‘ብዛዕባኡ ጸልዪ። የሆዋ ፍቓዱ እንተ ዀይኑ ኺሰምዓኪ እዩ’ ኢሉኒ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ስድራ ቤትና ኣብ ኣልባንያ ኸተገልግል ተዓደመት።” ሕጂ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ፈደሪካ ምስ ብዓል ቤታ ኦርገስ ኣብ ኣልባንያ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ይዓይዩ ኣለዉ።
ጅያንፔሮ ጥሮታ ምስ ወጸ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ግሎርያ ናብ ኣልባንያ ገዓዙ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ንደቅና ኣብ ኢጣልያ ኢና ኣዕቢናዮም። እቶም ሰለስተ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ሃገር ግዒዞም እዮም። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ንልብና ተንክያቶ እያ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣልባንያ መታን ከነገልግል፡ ነተን ናይ ጥሮታ ገንዘብ ብኸመይ ከም እንጥቀመለን ንምፍላጥ ኰፍ ኢልና ጸብጺብና።”
ተጠንቂቖም ወጢኖም
ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ቅድሚ ምግዓዞም ተጠንቂቖም ብምውጣን ምትዕርራያት ገይሮም እዮም። (ሉቃስ 14:28) ንኣብነት፡ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዜኽእሎም መገድታት የናድዩ እዮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ግወን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከላ፡ ገንዘብ ምእንቲ ኸተዋህልል ምስ ሓብታ ኽትቅመጥ ጀሚራ። ካልኦት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝዀኑ ሶፍያን ክሪስቶፈርን ድማ፡ “ማኪናናን እተወሰነ ኣቝሑን ሼጥና፡ ኣብ ኣልባንያ እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ክንጸንሕ ኢና ተስፋ ጌርና ኔርና።” እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ ካብ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ እዮም ኣብኡ ጸኒሖም።
ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኸኣ፡ ኣብ ኣልባንያ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓዶም ብምኻድ ስራሕ ሰሪሖም፡ ገንዘብ ኣዋህሊሎም እንደገና ናብ ኣልባንያ ይምለሱ እዮም። ኤሊስዮን ሚርያምን እውን ከምኡ እዮም ገይሮም። ኤሊስዮ ኸምዚ ይብል፦ “እታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ሚርያም እተወልደትላ ኸተማ፡ በጻሕቲ ዜዘውትርዋ ስለ ዝዀነት፡ ኣብኡ ግዝያዊ ስራሕ ብቐሊሉ ኢኻ እትረክብ። ስለዚ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ኣብታ ኸተማ ንሰለስተ ወርሒ ንሰርሕ እሞ፡ እቲ ዝተረፈ ትሽዓተ ወርሒ ድማ ነቲ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ኣካዊንና፡ ኣብ ኣልባንያ ንቕመጥ። በዚ ኸምዚ ንሓሙሽተ ዓመት ኣገልጊልና።”
ብድሆታት ሰጊሮም
ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ ሓድሽ ኵነታት ኪለምዱ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ኣብኡ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣብነቶምን ብምኽሮምን ነቲ ብድሆታት ኪሰግሩ ይሕግዝዎም እዮም። ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሶፍያ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ኣልባንያ ዘሎ ኣባይቲ፡ ካብቲ ኣብ ዓደይ ዘሎ ዝያዳ ቘራሪ እዩ። ነተን ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀና ኣሓት እናረኣኹ እንታይ ዓይነት ክዳን ክኽደን ከም ዘለኒ ተማሂረ እየ።” ግዠጎሽን ሰበይቱ ሶናን ኪሕግዙ ኢሎም ካብ ፖላንድ ኣብ ኮሶቮ b ናብ እትርከብ ውቅብቲ ኸተማ ፕሪዝረን ግዒዞም እዮም። ግዠጎሽ ከምዚ በለ፦ “እቶም ኣስፋሕቲ ኣዝዮም ትሑታትን ለዋሃትን ዕጉሳትን እዮም። ቋንቋ ኽንፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብብዙሕ ነገራት ሓጊዞምና እዮም። ንኣብነት፡ ብሕሱር ዋጋ ዝሽየጠሉ ድኳናት ሓቢሮምና፡ ብኸመይ ዋጋ ዕዳጋ ኸም እንገብር እውን ምሂሮምና እዮም።”
ሓጐስ ዘምጽኣሎም ሓያሎ ረቛሒታት
እቶም ዝገዓዙ ምስቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱን ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም ኪፈልጡን ክኢሎም እዮም። ሶና ኸምዚ ዚስዕብ ትብል፦ “ፍቕሪ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃና ርእየ እየ። ከመይሲ፡ እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ የሆዋ ድሕሪ ምፍላጦም፡ እምነቶምን ኣነባብራኦምን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቐየሩ ምርኣየይ ንእምነተይ ኣደልዲልዋ እዩ። ኣብታ ጉባኤ ተደለይቲ ኸም ዝዀንና ተሰሚዑና፡ ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ከኣ ርኢና ኢና። እቶም መገላግልትና ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣዕሩኽትና እዮም ዀይኖም።” (ማርቆስ 10:29, 30) ግሎርያ ኸኣ፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚጻረሩ ኣባላት ማሕበረ ሰብ ንዚወርደን ከቢድ መስጐጕቲ እተጻወራ ኣሓት እፈልጥ እየ። እቲ ንየሆዋ ዘለወን ፍቕሪ ብሓቂ ኣተባቢዑኒ እዩ” ትብል።
ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ቅድሚኡ ኣብ ዓዶም ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ነገራት ስለ ዚርእዩ፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ምእንቲ የሆዋ ኢሎም ምሹእ ናብራ ምግዳፍ ሓጐስ ከም ዜምጽእ፡ ተመኲሮምዎ እዮም። ስቲፋኖ ነዚ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ፦ “ኣብ ዓደይ ሓጺር መእተዊ ተጠቒመ ብኢንተርኮም እየ ዜገልግል ነይረ። ኣልባናውያን ግና፡ ቡን እናሰተዩ ነዊሕ ሰዓት ምዕላል እዮም ዚፈትዉ። ሓፋር ስለ ዝዀንኩ ኣብ ፈለማ ዝብሎም ይጠፍኣኒ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ብኸመይ ኣብ ሰባት ከተኵር ከም ዘሎኒ ስለ እተምሃርኩ፡ ምስኦም ምዕላል ባህ እናበለኒ ኸይዱ። ሕጂ ኣብ ኣገልግሎተይ ዝያዳ ሕጉስ እየ።”
ሊያ ምስ ብዓል ቤታ ዊልያም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ኣልባንያ ግዒዛ እያ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ኣብዚ ምግልጋልና ንኣእምሮና ኸፊትዎ፡ ንኣተሓሳስባና ኸኣ ኣስፊሕዎ እዩ። ከመይሲ፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብዛዕባ ምዃን፡ ንሰባት ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ፡ ዕርክነት ብዛዕባ ምምስራት ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ብዘይካዚ፡ ሓድሽ ሜላ ስብከትን ኣጠቓቕማ ጥቕስን ንርእስና ብግቡእ ምግላጽን ተማሂርና ኢና።” ዊልያም ድማ ከምዚ ይብል፦ “ናብ ኣልባንያ ዚበጽሑ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ውቁብ ገማግም ባሕሪ ይፈትውዎ እዮም። ኣነ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ኣልባንያ ዚርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ኣኽራን ኣልፕስ ምሕዃር ባህ ይብለኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሰባት እዮም ነዛ ሃገር ከም ዝፈትዋ ዝገበሩኒ። ኣብ ክልና ዘለዋ ሓያሎ ዓድታት፡ ኣብ እዋን ፍሉይ ወፈራ ጥራይ እዩ ተመስኪሩለን። ናብተን ዓድታት ክንከይድ ከለና፡ ምሉእ መዓልቲ ምስ ሒደት ስድራ ቤታት ጥራይ ተዘራሪብና እንምለሰሉ እዋናት ነይሩ እዩ።”
እዞም ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዚድለዩሉ ቦታታት ዝገዓዙ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ምርኣይ ኣመና እዩ ዜሐጕሶም። (1 ተሰሎንቄ 2:19, 20) መንእሰይ ከላ ናብ ኣልባንያ ዝገዓዘት ሎራ እተባህለት ዘይተመርዓወት ሓብቲ፡ ከምዚ ብምባል ሓደ ኣብነት ትህብ፦ “ንእተወሰነ እዋን ኣብ ፊር ኣገልጊለ ነይረ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን 120 ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ተረኺቦም። እቶም 16 ምሳይ እዮም መጽናዕቲ ገይሮም።” ሳንድራ እተባህለት ካልእ ሓብቲ ድማ፡ “ንሓንቲ ኣብ ዕዳጋ እትሰርሕ ዝነበረት ሰበይቲ መስኪረላ። ተጠሚቓ ሓብቲ ምስ ኰነት ከኣ ናብ ዓዳ ተመሊሳ። ኣብ ዝሓለፈ እተራኸብናሉ እዋን፡ 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዋ ነጊራትኒ ነይራ” ትብል።
የሆዋ ንጻዕርታቶም ባሪኽዎ
ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኣልባንያ ዝገዓዙ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሕጂ እውን ተሓጒሶም ኣብኡ የገልግሎ ኣለዉ። ሓድሓደ እዋን፡ ዝዘርእዎ ዘርኢ ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ ፍረ ኺፈሪ ምርኣዮም የገርሞም እዩ። (መክብብ 11:6) ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ክሪስቶፈር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ፈለማ ናብ ኣልባንያ ምስ ገዓዝኩ፡ ምስ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሉ ዝነበርኩ ሰብኣይ ተራኺበ። ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ ዝነበርና ምይይጥ ብዝርዝር ምስ ዘከሮ፡ ኣመና ተገሪመ። ሕጂ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን እተጠምቁ ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም።” ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፈደሪካ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ሓደ ጉባኤ ሓንቲ ሓብቲ መጺኣ፡ እዝክራ እንተ ዀይነ ሓቲታትኒ። ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ሰቢኸላ ኸም ዝነበርኩ ድማ ነጊራትኒ። ድሕሪ ገለ ግዜ ናብ ካልእ ከተማ ምስ ገዓዝኩ፡ ንሳ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ፡ ተጠምቀት። እተን ኣብ ኣልባንያ ዝጸናሕናለን ናይ መጀመርታ ዓመታት ውጽኢት ዘይብለን ገይረ እሓስብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና ከም እተጋገኹ ፈሊጠ።”
ናብ ኣልባንያ ወይ ኮሶቮ ዝገዓዙ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ የሆዋ ዜዕግብ ህይወት ብምሃብ ንጻዕርታቶም ከም ዝባረኸሎም ብምርኣዮም ሕጉሳት እዮም። ኣብ ኣልባንያ ንነዊሕ ዓመታት እተቐመጠ ኤሊስዮ፡ ተመኵሮኡ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ከም ሰባት መጠን ኣብቲ ዓለም እትህቦ ነገራት ብምትእምማን፡ እተረጋግአ ህይወት ክንመርሕ እንኽእል ይመስለና እኳ እንተዀነ፡ እዚ ሓቂ ኣይኰነን።። ስርዓታት የሆዋ ግና ንህይወትና ዕላማን ርግኣትን ከም ዚህልዋ ይገብር እዩ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋለይ፡ ነዚ ኽዝክር ይሕግዘኒ እዩ። ኣበርክቶይ ዋጋ ኸም ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ምሳይ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኣለዉኒ።” ሳንድራ እውን ምስዚ ብምስምማዕ ከምዚ ትብል፦ “ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋለይ፡ የሆዋ ነቲ ንነዊሕ እዋን ሚስዮናዊት ንምዃን ዝነበረኒ ድሌት ከማልእ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፈተለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ናብ ኣልባንያ ምግዓዘይ ኣየጣዕሰንን እዩ። ከም ሎሚ ሕጕስቲ ዀይነ ኣይፈልጥን እየ።”
a ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ኣብ ኣልባንያ እተገብረ ዕዮ ስብከትና ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2010 (እንግሊዝኛ) ኣንብብ።
b ኮሶቮ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣልባንያ እያ እትርከብ። ኣብቲ ኸባቢ ብዙሓት ላህጃ ኣልባንያ ይዛረቡ እዮም። ካብ ኣልባንያን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝገዓዙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቶም ኣብ ኮሶቮ ዚነብሩ ላህጃ ኣልባንያ ዚዛረቡ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾምሎም እዮም። ብ2020፡ ኣብ ሸሞንተ ጉባኤን ሰለስተ ጕጅለን ክልተ ቕድመ ጕጅለን ዜገልግሉ 256 ኣስፋሕቲ ነይሮም እዮም።