ጽማቝ መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ እዩ፣ ብዙሓት ሰባት እውን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ኰይኑ ግና፡ ‘ትሕዝቶ እዚ ፍሉጥ መጽሓፍ እዚ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ነቲ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትርድኦ እትሕግዝ ሓጻር ጽማቝ መጽሓፍ ቅዱስ እያ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ፍጥረት ኣትሒዛ ኽሳብ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ናይ መጻኢ ዜሐጕስ ተስፋ ብሓፈሻ ትገልጽ። ኣገዳሲ ፍጻመታት መዓስ ከም እተፈጸመ ዚሕብር ሰሌዳ ግዜ እውን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ዜደንቕ ስእልታትን ንምይይጥ ዚኸውን ዜመራምር ሕቶታትን ኣለዋ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ።