ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ብኸመይ ክለዓዓል እኽእል፧

ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ብኸመይ ክለዓዓል እኽእል፧

 ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

 ኣብ ገሊአን ሃገራት ዚርከቡ መንእሰያት ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ስለ ዘይገብሩ፡ ጥዕናኦም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣካላዊ ስልጠና ኸም ዚጠቅም’ ኪነግረና እምበኣር ሓቁ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦

  •   ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ከለና ኣካላትና ኢንዶርፊን ዚብሃል ፍዅስ ከም ዚብለናን ከም እንሕጐስን ዚገብረና ከሚካል ኣብ ሓንጐልና ይፍኑ እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጭንቀትካ ኸም ዜፍኵሰልካ ይገልጹ እዮም።

     “ኣንጊሀ ተንሲአ ምስ ዝጐዪ፡ ምሉእ መዓልቲ ብዝያዳ ኣስላጥን ሕጉስን ኰይነ እየ ዝውዕል። ጕያ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ እዩ ዚገብር።”—ረጂና።

  •   ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንቝመናኻ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ሚዛናዊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ድልዱልን ርእሰ ምትእምማን ዘለዎን ክትከውን ይሕግዘካ እዩ።

     “ዓሰርተ ቺን ኣፕ ክሰርሕ ምኽኣለይ ኣሐጒሱኒ እዩ። ቅድሚ ዓመት ፈጺመ ኸምኡ ኽገብር ኣይክእልን እየ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንሰብነተይ እከናኸኖ ኸም ዘለኹ እፈልጥ እየ።”—ኦሊቭያ።

  •   ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንዕድመኻ ኼንውሖ ይኽእል እዩ። ብኣካላዊ መዳይ ንጡፍ ምዃንካ፡ ንልብኻን ንሳምቡእካን ይጠቕሞ እዩ። ኤሮቢካዊ ምንቅስቓስ ካብ ሕማም ሰራውር ደም ኪሰትረና ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ካብቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ሰብኡትን ኣንስትን ዝዀነ ሕማም ልቢ ኼድሕነና ይኽእል እዩ።።

     “ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ እንገብር፡ ንፈጣሪና ነቲ ንሱ ዝሃበና ሰብነት ከም እንፈትዎ ኢና እነርእዮ።”—ጀሲካ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ መጻኢ ንጥዕና ብዙሕ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኼሐጕሰካ እዩ። ቶንያ ዝስማ ጐርዞ ኸምዚ ትብል፦ “‘ጕዕዞ እግሪ እንተ ዘይገብር ወይ እንተ ዘይጐዪ ምሓሸኒ ነይሩ’ ፈጺምካ ኣይትብልን ኢኻ። ምምኽናይ ገዲፈ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ዝገብር፡ ፈጺመ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን እየ።”

ግቡእ ክንክን ዘይግበረላ ማኪና ውዒሉ ሓዲሩ ትበላሾ እያ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይትገብር እንተ ዄንካ እውን፡ ሰብነትካ ይበላሾ እዩ

 ዕንቅፋት ዝዀነኒ እንታይ እዩ፧

 ዕንቅፋት ኪዀነካ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ፦

  •   ስእነት መተባብዒ። “ሰባት መንእሰይ ከለዉ ዋላ ሓንቲ ዘይሓምሙ ዀይኑ ዚስምዖም ይመስለኒ። ጥዕና እትስእነሉ እዋን ከም ዚመጽእ ምግማት የጸግም እዩ። ናይ ኣረጋውያን ጸገም ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ።”—ሶፊያ።

  •   ስእነት ግዜ። “ብዙሕ ዕዮ ስለ ዘሎኒ፡ ጽቡቕ ምግብን ድቃስን ክረክብ ግዜ እምድብ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብረሉ ግዜ ምርካብ ግና ወትሩ ይኸብደኒ እዩ።”—ክላሪሳ።

  •   ስእነት እቲ ንጂም ዚኸውን ገንዘብ። “ኣካላዊ ቕርጽኻ ምሕላው ክቡር እዩ። ከመይሲ፡ ናብ ጂም ክትከይድ እንተ ደሊኻ፡ ገንዘብ የድልየካ እዩ።”—ጂና።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

 ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከይትገብር ዓብዪ ዕንቅፋት ዚዀነካ እንታይ እዩ፧ ነዚ ዕንቅፋት እዚ ምውጋድ ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዚኽሕስ እዩ።

 ዜድልየኒ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

 ገለ ርእይቶታት እንሀ፦

  •   ጥዕናኻ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣሎካ።—ገላትያ 6:5

  •   ኣይተመኻኒ። (መክብብ 11:4) ንኣብነት፡ ንጂም ዚኸውን ገንዘብ ምስኣንካ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንዘይምጅማር መመኽነይታ ኣይትግበሮ። ባህ ዜብለካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓሪኻ፡ ክፋል ህይወትካ ግበሮ።

  •   ኣፍልጦ ንምርካብ፡ ካልኦት እንታይ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዚገብሩ ሕተት።—ምሳሌ 20:18

  •   ንጹር መደብ ይሃሉኻ። ሸቶ ግበር፡ ድሌትካ ምእንቲ ኸይጠፍእ ከኣ ነቲ ዝገበርካዮ ዕቤት መዝግቦ።—ምሳሌ 21:5

  •   ምሳኻ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኪገብር ዚኽእል ሰብ ድለ። ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ኬተባብዓካን ኣብ መደብካ ኽትጸንዕ ኪሕግዘካን እዩ።—መክብብ 4:9, 10

  •   ዕንቅፋት ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ፣ በዚ ግና ኣይትተሓለል።—ምሳሌ 24:10

 ሚዛናዊ ኹን

 መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ኰነ ንኣንስቲ፡ ‘ሚዛናዊ ዝልማዶም’ ኪዀኑ የተባብዖም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 11፡ እግረ ጽሑፍ) ስለዚ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ከለኻ፡ ሚዛናዊ ኹን። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዚገብሩ ሰባት፡ ከም ዕቡያት ጌርካ ኺርኣዩ ይኽእሉ እዮም። ጁልያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ካብ ኣእምሮኣዊ ኽእለቱ ብዝያዳ ብዛዕባ ትርኢት ጭዋዳታቱ ዚግደስ ወዲ ኣይማርኸንን እዩ” ትብል።

 ዝያዳ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ምእንቲ ኼተባብዓካ ተባሂሉ ንዚውሃብ ምኽርታት ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽርታት፡ ንኣካላትካ ኺሃስዮን ኣብ ህይወትካ ኣብቲ “ዚሓይሽ” ነገራት ከም ዘይተተኵር ኪገብረካን ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 1:10

 ብዘይካዚ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ምእንቲ ኼተባብዓካ ተባሂሉ ንዚውሃብ ምኽርታት ተስፋ ኬቝርጸካ ይኽእል እዩ። ቪራ ዝስማ ጐርዞ ኸምዚ ትብል፦ “ሓያሎ ኣዋልድ ኪመስላአን ናይ ዚደልያ ኣዋልድ ስእልታት ይእክባ እየን። መተባብዒ ንምርካብ ከኣ ነቲ ስእልታት ይርእያኦ እየን። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ንርእሰን ምስተን ካልኦት ኣዋልድ ስለ ዜወዳድራ ተስፋ ይቘርጻ እየን። ስለዚ፡ ትርኢትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዕናኻ ኸተመሓይሽ ሸቶ ምውጻእ ይሓይሽ።”