ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Marek M. Berezowski/Anadolu Agency via Getty Images

ንቕሑ!

ውግእ ዩክረይን ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተስፋ ይህብ፧

ውግእ ዩክረይን ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተስፋ ይህብ፧

 ዓርቢ 24 ለካቲት 2023፡ ውግእ ዩክረይን ካብ ዚጅመር ሓደ ዓመት መሊኡ። ብመሰረት ገሊኡ ጸብጻባት፡ ኣስታት 300,000 ወተሃደራት ዩክረይንን ሩስያን ተቐቲሎም ወይ ቈሲሎም እዮም፣ ኣስታት 30,000 ሲቪል ከኣ በቲ ውግእ ከም ዝሞቱ ይግመት። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዜብቅዕ ኣይመስልን እዩ።

  •   “ሓይልታት ሩስያ ናብ ዩክረይን ካብ ዚኣትዉ ዳርጋ ሓደ ዓመት እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግጭት እዚ ኸም ዜብቅዕ ዚሕብር ምልክት ግና የልቦን። ዋላ ሓዲኦም ንጹር ወተሃደራዊ ዓወት ዚረኽቡ ኣይመስሉን እዮም፣ ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ዘሎ ምዕባለ እውን ተስፋ የብሉን።”—NPR (ናሽናል ፓብሊክ ረድዮ)፡ 19 ለካቲት 2023።

 ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ እዚ ግጭት እዝን ካልእ ግጭታትን ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘለዉ ንጹሃት ሰባት ዜስዕቦ ስቓይን መከራን ይጭነቑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተስፋ ይህብ፧ ውግእ ዜብቅዓሉ እዋንሲ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ዚገብረሉ ውግእ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ንደቂ ሰብ ዜጥፍእ ዘይኰነስ፡ ንደቂ ሰብ ዜድሕን ውግእ ይዛረብ እዩ። እቲ ውግእ እቲ ኣርማጌዶን ይብሃል፡ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂሉ እውን ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 16:14, 16) ኣምላኽ በቲ ውግእ እቲ ኣቢሉ ነቲ ብዙሕ ኣዕናዊ ውግኣት ዘስዓበ ሰብኣዊ ግዝኣት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ኣርማጌዶን ብኸመይ ነባሪ ሰላም ከም ዜምጽእ ንምፍላጥ፡ ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ኣንብብ፦