ናይ ጥንቲ ማሕተም እንታይ እዩ ነይሩ፧
ማሕተም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካይላ ወይ ስምዒ ንምሕታም ዜገልግል ውቑር ገጽ ዘለዎ ንእሽቶ ንዋት እዩ። ማሕተም እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣጕዶ መሰል፡ ትርብዒት፡ ሲልንደር፡ ወይ ርእሲ እንስሳ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ማሕተም ዚሓድጎ ሕታም ንዋንነት ወይ ንሓቅነት ሰነድ ዜረጋግጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከረጺት ወይ መእተዊታት ንምዕሻግ፡ ንኣብነት መዓጹ ወይ ኣፍ ደገታት መቓብር ንምዕሻግ እውን የገልግል እዩ።
ማሕተም ካብ እተፈላለየ ነገራት፡ ማለት ካብ ዓጽሚ፡ እምኒ ኖራ፡ ብረት፡ ሓውሲ ኽቡር እምኒ፡ ወይ ካብ ዕንጨይቲ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ስማት እቲ ዋናን ኣቦኡን ኣብቲ ማሕተም ይቕረጽ ነይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ ማሕተም ከኣ መዓርግ እቲ ዋና ይርከብ እዩ።
ዋና እቲ ማሕተም ንሓቅነት ሓደ ሰነድ ንምምስካር፡ ኣብ ካይላ፡ ስምዒ፡ ወይ ካልእ ልምሉም ነገር ቀሪጹ ምስቲ ሰነድ የጣብቖ ነይሩ። (እዮብ 38:14) ድሕሪኡ፡ እቲ ልምሉም ነገር ይነቅጽ እሞ ካልእ ሰብ ነቲ ሰነድ ንምትንካይ ቀንጠብጠብ ከይብል ይዓግቶ።
ማሕተም፡ ስልጣን ንምሃብ የገልግል ነይሩ
ማሕተም ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፍካ ኺውሃብ ይከኣል ነይሩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ዋናኡ ስልጣኑ ንኻልእ ይህብ ነይሩ። እቲ ፈርኦን ጥንታዊት ግብጺ ነቲ እብራዊ ዝዀነ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝገበረሉ ነገር ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ባርያ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። ጸኒሑ ግና፡ ፈርኦን ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሑ፡ ናብ ደረጃ ቐዳማይ ሚኒስተር ክብ ኣበሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ፡ “ሽዑ፡ ፈርኦን ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ” ይብል። (ዘፍጥረት 41:42) እታ ቐለቤት ማሕተም ወግዓዊ ማሕተም ስለ ዝነበራ፡ ዮሴፍ ካብኡ ንደሓር ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ እቲ ንምፍጻም ስልጣን ረኺቡ እዩ።
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ንግስቲ ኢዛቤል ከኣ፡ ብማሕተም ሰብኣያ ገይራ ንቕትለት ናቦት ዚብሃል ሰብኣይ ውዲት ኣለመት። ብስም ንጉስ ኣከኣብ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ዝነበረ ናቦት ንኣምላኽ ጸሪፉ ኢሎም ኪኸስስዎ ናብ ዓበይቲ ኸተማ ደብዳበታት ጸሓፈት። ነተን ደብዳበታት ከኣ ብማሕተም ንጉስ ሓተመተን፡ ኣብቲ እኩይ ውዲታ እውን ተዓወተት።—1 ነገስት 21:5-14።
ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ንወግዓዊ ትእዛዛቱ ኸም መረጋገጺ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ቀለቤት ማሕተም ይጥቀም ነበረ።—ኣስቴር 3:10, 12።
ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ነህምያ ድማ፡ መሳፍንትን ሌዋውያንን ካህናትን ብማሕተሞም ንሓደ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ኺዳን ኸም ዘረጋገጽዎ ገሊጹ ኣሎ።—ነህምያ 1:1፣ 9:38።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማሕተም ንመእተዊታት ንምዕሻግ ከም ዘገልገለ እተሓበረሉ ኽልተ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ነብዪ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ፡ “ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ኣብ ኣፍ እቲ ጕድጓድ ኣንበርዎ” ዚብል ነንብብ ኢና። ድሕሪኡ፡ እቲ ገዛኢ ሜዶንን ፋርስን ዝነበረ ንጉስ ዳርዮስ፡ “ብዛዕባ ዳንኤል ገለ እኳ ኸይልወጥሲ፡ ብቐለቤት ማሕተሙን ብቐለቤት ማሕተም ልዑላኑን ሓተሞ።”—ዳንኤል 6:17።
ሬሳ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ምስ ተነብረ ኸኣ፡ ጸላእቱ “ነቲ እምኒ ብምሕታም፡” ማለት ነቲ ተንከባሊሉ ንኣፍ እቲ መቓብር ዝዓጸዎ እምኒ ብምሕታም፡ “ነቲ መቓብር ብጽኑዕ ሓለውዎ።” (ማቴዎስ 27:66) ዴቪድ ሊንተን ተርነር ብዛዕባ ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ እቲ መቓብር ብስልጣን ሃጸይ ወግዓዊ ማሕተም ተገይሩሉ እንተ ዀይኑ፡ “እቲ ማሕተም፡ ኣብ መንጎ እቲ . . . እምንን ኣፍ እቲ መቓብርን ንዘሎ ነቓዕ ዚዓብስ ካይላ ወይ ስምዒ እዩ ነይሩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።
ናይ ጥንቲ ማሕተማት ብዛዕባ ሕሉፍ ስለ ዚነግረና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ብዙሕ ይግደሱሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ሲጂሎግራፊ ዚብሃል መጽናዕቲ ማሕተማት፡ ሰፊሕ ዓውዲ መጽናዕቲ ዀይኑ ኣሎ።