መዝሙር 97
ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር
(ማቴዎስ 4:4)
-
1. ቃል የሆዋ ኣድላዪ’ዩ፡
ብህይወት ክንነብር፣
ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይንንበር፡
ብቓል ኣምላኽ እምበር።
ሕጂ ይህብ ሰላም፡ ሓጐስ፡
በረኸት’ውን ደሓር፣
(ኣዝማች)
ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡
ብህይወት ዚነብር፣
ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡
ብቓል ኣምላኽ እምበር።
-
2. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዛንታ፡
ዚእመን’ዩ ሓቂ።
ሒዙ’ሎ ታሪኽ እሙናት፡
ታሪኽ ’ቶም ሰብ ጽድቂ።
መዓልትን ለይትን ነንብቦ፣
ንቓሉ ንመርምር፣
(ኣዝማች)
ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡
ብህይወት ዚነብር፣
ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡
ብቓል ኣምላኽ እምበር።
-
3. ቃል ኣምላኽ ምስ እነንብብ፡
ትድልድል ተስፋና፣
ፈተና ምስ ኣጋጠመ፡
ጥበብ ይህበና።
ነቲ ዘንበብናዮ ዅሉ፡
ኣብ ልብና ነሕድር፣
(ኣዝማች)
ሰብ ብቓል የሆዋ እዩ፡
ብህይወት ዚነብር፣
ብ’ንጌራ ጥራይ ኣይኰነን፡
ብቓል ኣምላኽ እምበር።