መዝሙር 106
ፍቕሪ ነማዕብል
-
1. ንዅሉ ባህርያት ኣምላኽና፡
ከነንጸባርቕ’ዩ ድሌትና፣
ምናዳ ግን ነማዕብል ፍቕሪ፡
’ታ ብመንፈሱ እትፈሪ፣
ክእለት እኳ እንተ ኣሎና፡
ብዘይ ፍቕሪ ኸንቱ ምዀንና፣
ንለምን ከነማዕብል ፍቕሪ፡
እትርአ ብቓል፡ ብግብሪ።
-
2. ፍቕሪ ወትሩ ኽትህብ ትደሊ፣
ብዛዕባ ኻልኦት ትሓሊ።
ፍቕሪ ኸቶ ኣይትቕየምን፣
በደል’ውን ጥራስ ኣይትሕዝን።
ፍቕሪ ለዋህ ኵሉ ትጻወር፣
ኵሉ ኽኢላ’ውን ትነብር፣
ከቢድ ፈተና’ኳ ኣይስዕራን፣
ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን።
(ዮሃ. 21:17፣ 1 ቈረ. 13:13፣ ገላ. 6:2 እውን ርአ።)