ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ኣንበብትና

ልምድታት በዓል ልደት እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

ልምድታት በዓል ልደት እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

በዓል ልደት፡ የሱስ እተወልደሉ ዕለት ዚብዓለሉ ክርስትያናዊ በዓል ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚግለጽ። ኣብቲ በዓል እቲ ዘሎ ሓያሎ ልምድታት ግና፡ ከመይ ኢሉ ምስ ልደት የሱስ ከም እተኣሳሰረ ሕቶ ይፈጥር እዩ።

ሓደ ኻብኡ፡ ጽውጽዋይ እቲ ኣቦ በዓል ልደት ዚብሃል ሳንታ ክላውስ ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ኣብዚ ግዜና ኣዘውቲርካ ዚርአ ሸያብ ዝጭሕሙ፡ ቀይሕ ዝምዕጕርቱ፡ ቀይሕ ዝኽዳኑ ሳንታ ዚብሃል ሕጉስ ሰብኣይ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚርከብ ኩባንያ መስተ ብ1931 ንወቕቲ በዓል ልደት ኪዀኖ ዝመሃዞ ዕዉት መወዓውዒ እዩ። ኣብ 1950ታት፡ ገሊኦም ብራዚላውያን ንሳንታ ክላውስ፡ ኣባሓጎና ህንዳዊ ብዚብልዎ ውሩይ ወደባት ኪትክእዎ ፈቲኖም ነይሮም። ግናኸ፡ ሳንታ ክላውስ ነቲ ኣቦሓጎና ህንዳዊ ዚብልዎ ጥራይ ኣይኰነን ስዒርዎ፣ መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ፕሮፌሰር ካርሎስ ፋንቲናቲ ዝበሎ፡ “ነቲ ሕጻን የሱስ ስዒሩ፡ ወግዓዊ ወኪል እቲ ብ25 ታሕሳስ ዚብሃል በዓል ኰይኑ እዩ።” ይኹን እምበር፡ ኣብ በዓል ልደት ጸገም ኰይኑ ዘሎ፡ ከም ናይ ሳንታ ክላውስ ዝኣመሰለ ጽውጽዋያት ጥራይ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ናብ ናይ ቀደም ክርስትና ንመለስ።

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ኣብ ናይ መጀመርታ ኽልተ ዘመን ክርስትና፡ ልደት ሰማእታት ኰነ ልደት የሱስ ቅቡል ከይከውን ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥሞ ነይሩ” ትብል። ስለምንታይ፧ ክርስትያናት ዕለተ ልደት ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ ብምንባሮም፡ ኬርሕቕዎ እዮም ዚጽዕሩ ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ ዕለተ ልደት የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ።

ቀዳሞት ክርስትያናት ኣንጻር ምብዓል ዕለተ ልደት ንጹር መትከል እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ግና፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ በዓል ልደት ኣተኣታተወት። እታ ቤተ ክርስትያን ንሓደ ኻብቲ ቐንዲ ዕንቅፋታት ብምእላይ፡ ማለት ነቲ ህቡብ ኣረማዊ በዓላት ሮማውያን ብምቕባል፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዋ ተቐባልነት ከተስፍሕ ደለየት። ብፐኒ ረስታርድ እተዳለወት ክሪስትማስ ኢን ኣመሪካ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸም እትገልጾ፡ ካብ 17 ታሕሳስ ክሳዕ 1 ጥሪ፡ “መብዛሕትኦም ሮማውያን የብዕሉን ይጻወቱን ይፍንጥዙን ምርኢት ሰልፊ ይገብሩን ምእንቲ ኣማልኽቶም ኢሎም ኣብ ዚገብርዎ ኻልእ በዓላት ይጽምበሩን ነይሮም እዮም።” ኣብ 25 ታሕሳስ ከኣ፡ ሮማውያን ንልደት እታ ዘይትሰዓር ጸሓይ የብዕሉ ነይሮም እዮም። እታ ቤተ ክርስትያን በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ልደት ከም ዚኸውን ብምግባር፡ ኣብ ክንዲ ልደት ጸሓይ፡ ልደት የሱስ ከም ዚብዓል ገይራ ኣታሊላ እያ። ብጌሪ ቦውለር እተዳለወት ሳንታ ክላውስ፡ ኤ ባዮግራፊ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ድማ፡ በዚ ኸምዚ ሮማውያን “ንስልማታት እቲ ኣብ መፋርቕ ቈራሪ ወቕቲ ዚብዓል በዓላት ካብ ምጥቃም ኣይቋረጹን” ትብል። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሓድሽ በዓል ብናይ ቀደም ልምድታት ገይሮም እዮም ኣብዒሎምዎ።

እምበኣር፡ በዓል ልደት ሕማቕ መበቈል ከም ዝነበሮ ንጹር እዩ። ስቲቨን ኒሰንቦም ኣብታ ዘ ባትል ፎር ክሪስትማስ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ንበዓል ልደት “ብሽፋን ክርስትና ዚብዓል ኣረማዊ በዓል” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ፡ በዓል ልደት ንኣምላኽን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ዜኽብሮም ኣይኰነን። እዚ ግና ዘይረብሕ ጕዳይ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ርክብ ኣለዎ፧ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧” ይብል እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14) ከምቲ ቔናን ኰይኑ ዝዓበየ ኦም ኪቐንዕ ዘይከኣል፡ በዓል ልደት እውን ኣመና ቔናን ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ “ኪቐንዕ ኣይከአልን” እዩ።—መክብብ 1:15