ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ
ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን
ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽትምስርት ኪሕግዘካ ዚኽእል እተወሰነ ነጥብታት ርኢና ኢና፣ እቲ ነጥብታት፡ እዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፦
ነቲ “የሆዋ” ዚብል ስም ኣምላኽ ፍለጦን ተጠቐመሉን።
ብጸሎትን ብመጽናዕቲ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቢልካ ምስኡ ኣዘውቲርካ ተዘራረብ።
ወትሩ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ዘበለ ግበር።
ኣብዚ እተጠቕሰ መምዘኒ ብምምርኳስ፡ ነቲ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዜድሊ ነገራት እተማልእ ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከተመሓይሾ ዘሎካ መዳያት ኣሎዶ፧ ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዚርከብ ውጽኢት እውን ሕሰበሉ።
ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ጀኒፈር፡ “ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ጻማ ኣለዎ። ብዙሕ በረኸት ኢኻ እትረክብ፣ ብዝያዳ ብኣምላኽ ከም እትእመን፡ ንባህርያቱ ብዝያዳ ኸም እትርድኦ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም እትዓቢ እዩ ዚገብር። ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን” በለት።
ንስኻ እውን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካ እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺመርሑልካ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣኼባታቶም እውን ክትእከብ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ፡ ምስቶም ምስ ኣምላኽ ንዘለዎም ርክብ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ሰባት ብምቅርራብ ክትሕጐስ ኢኻ። * ከምኡ ምስ እትገብር፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ኺስምዓካ እዩ፣ ንሱ፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” በለ።—መዝሙር 73:28።
^ ሕ.ጽ. 9 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓልካ ኽትሓትት ወይ ከኣ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዘምጸኣልካ ሰብ ሕተቶ፣ ወይ ድማ ኣብቲ www.isa4310.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ኣብቲ “ምሳና ተራኸብ” ዚብል ርአ።