እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧
ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ኣለዉ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኣቶም የስተብህለሎምን ይሓልየሎምን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ሰባት ብሃይማኖት ኣማኻንዮም እኩይ ነገራት ይገብሩ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንተጻረርቶም ኣሳቕዮምዎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4፣ 11:13-15) ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ጸብጻባት ዜና እንሰምዖ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ግብረ ሽበራ የተባብዑ፡ ውግእ ይድግፉ፡ ወይ ከኣ ኣብ ህስያ ህጻናት ይካፈሉ እዮም።—ማቴዎስ 24:3-5, 11, 12 ኣንብብ።
መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ዓይነት ሃይማኖት ከም ዘለዋ እዩ ዚምህር፣ ንሳተን ከኣ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ሃይማኖት እየን። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኣይትምህርን እያ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ እዩ ዚደሊ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3-5 ኣንብብ።
2. እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
ኣምላኽ፡ ሰባት በተን ንዕኡ ኸም ዜፍቅራኦ ዚዛረባ ግናኸ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ዘይምህራ ሃይማኖታት ኪታለሉ ኣይደልን እዩ። ሰዓብቲ እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን፡ ፈተውቲ እታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ድያብሎስ ዘላ ዓለም እዮም። (ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ቃል ኣምላኽ ነተን ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ዚድግፋ ሃይማኖታት፡ ከም ኣመንዝራ ገይሩ እዩ ዚገልጸን። ነዛ ኣመንዝራ እዚኣ ኸኣ፡ “ዓባይ ባቢሎን” ኢሉ ይጽውዓ፣ እዚ ስም እዚ፡ ካብታ ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝጀመረላ ጥንታዊት ከተማ እተወስደ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነተን ንደቂ ሰብ ዜታልላን ዚጭቍናን ሃይማኖታት ብሃንደበት ኬጥፍአን እዩ።—ራእይ 17:1, 2, 5, 17፣ 18:8, 23, 24 ኣንብብ።
3. ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ሓጐስ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧
እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ብሓቂ ብስራት እዩ። እቲ ፍርዲ እቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ራህዋ ኸም ዚሰፍን ኪገብር እዩ። ሽዑ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚታለሉን ዚጐጃጀሉን ሰባት ኣይኪህልዉን እዮም። ኵሎም ሰባት ድማ ኣብ ኣምልኾ እቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 11:9፣ ራእይ 18:20, 21፣ 21:3, 4 ኣንብብ።
4. ቅኑዓት ሰባት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
የሆዋ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚርከቡ ቕኑዓት ሰባት ኣይርስዖምን እዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዛዕባ ሓቂ ብምምሃር ብሓደ የሕብሮም ኣሎ።—ሚክያስ 4:2, 5 ኣንብብ።
የሆዋ ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ናብ ስድራ ቤቱ ይቕበሎም እዩ። ፈተውትናን ኣዝማድናን ንየሆዋ ኸነገልግሎ ምስ ጀመርና ኪቝጥዑ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኢና እንረክብ። ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንኸውን፡ ኣባላት ሓድሽን ፈቃርን “ስድራ ቤት” ንኸውን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ንረክብ።—ማርቆስ 10:29, 30፣ 2 ቈረንቶስ 6:17, 18 ኣንብብ።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 15ን 16ን እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck