ብኣምላኹ ተጸናንዐ
ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ብኣምላኹ ተጸናንዐ
ኤልያስ፡ ሰማይ ብደበና ጸልሚቱ፡ ዝናም እውን እናሃረመ ይጐዪ ነበረ። ኣብ ይዝርኤል ንምብጻሕ፡ ገና ነዊሕ መገዲ ተሪፍዎ ነበረ። መንእሰይ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ “ኢድ እግዚኣብሄር” ኣብ ልዕሊኡ ብምንባራ፡ ደኺመ ኸይበለ ይጐዪ ነበረ። ቅድሚኡ ዘይነበሮ ሓይሊ ስለ ዝረኸበ ኸኣ፡ ነታ ንጉስ ኣከኣብ ዚጐዓዘላ ዝነበረ ሰረገላ ቐዲምዋ ሓለፈ።—1 ነገስት 18:46።
ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ ቀዲሙ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መገዲ ተተሓሓዞ። በቲ ብርቱዕ ዝናም እናጐየየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠሞ ፍጻመታት ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣምላኽ ኤልያስ ዝዀነ የሆዋን ናይ ሓቂ ኣምልኾን፡ ዜደንቕ ዓወት ዝረኸቡላ እያ ነይራ። ኤልያስ ነቲ ብምኽንያት ሓያል ዝናም ብንጹር ኪርአ ዘይከኣል ዝነበረ ኸረን ቀርሜሎስ ዝባኑ ሂቡ እዩ ዚጐዪ ነይሩ፣ እቲ ቦታ እቲ፡ የሆዋ ብኤልያስ ኣቢሉ ንኣምልኾ በዓል ብሓያልን ብተኣምራውን መገዲ ዘዋረደሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ነብያት በዓል፡ መታለልቲ ምዃኖም ተቓልዑ፣ ኣብኡ ኸኣ ተቐትሉ። ድሕሪኡ፡ ኤልያስ፡ እቲ ነታ ዓዲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘጥቀዓ ድርቂ ምእንቲ ኺዛዘም፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። ዝናም ከኣ ኰነ። *—1 ነገስት 18:18-45።
ኤልያስ በቲ ናብ ይዝርኤል ዚወስድ መገዲ ን30 ኪሎ ሜተር ኪጐዪ ኸሎ፡ ኵነታት ዚቕየር መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣከኣብ ነቲ ዅሉ ዘጋጠመ ነገራት ብዓይኑ ኻብ መስከረ፡ ንኣምልኾ በዓል ኪጥንጥኖ፡ ንኢዛቤል ሰበይቱ ኻብቲ እትገብሮ ዝነበረት ኪኽልክላ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ኸኣ ኬቋርጾ ነበሮ።
ከምቲ ዝሓሰብናዮ ዚዀነልና ዘሎ እንተ መሲሉና፡ ተስፋና ይልምልም እዩ። ብዘይካዚ፡ ህይወትና እናተመሓየሸ ዚኸይድ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ ምናልባት እውን ሽግራትና ምሉእ ብምሉእ ከም እተፈትሐ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ኤልያስ ከምኡ እንተ ተሰምዖ እውን ዜገርም ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ “ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ።” (ያእቆብ 5:17) ኰይኑ ግና፡ ጸገማት ኤልያስ በዚ ኣየብቅዐን። አረ ድሕሪ እተወሰነ ሰዓታትሲ ኣዝዩ ኻብ ምፍራሁ እተላዕለ፡ ሞት እውን ተመንዩ እዩ። እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ የሆዋኸ ንነብዪኡ እምነቱ ኼደልድልን ኪተብዕን ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።
ዘይተሓስበ ዅነታት ኣጋጠመ
ኣከኣብ ኣብቲ ኣብ ይዝርኤል ዚርከብ ቤተ-መንግስቱ ምስ በጽሐ፡ ከም እተለወጠን ብዝያዳ መንፈሳዊ ሰብ ከም ዝዀነን ኣርእዩዶ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ኣከኣብ ከኣ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዅሉን ንዅሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ” ዚብል ነንብብ። (1 ነገስት 19:1) ኣከኣብ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኪዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ኤልያስ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘይጠቐሶ ኣስተብህል። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ተኣምራዊ ፍጻመ ኸኣ ብሰብኣዊ ዓይኒ ስለ ዝረኣዮ፡ “ኤልያስ ዝገበሮ” ኢሉ ተዛረበ። ብንጹር እምበኣር፡ ገና ንየሆዋ ኣምላኽ ኣየኽብሮን እዩ ነይሩ። እታ ቒመኛ ኢዛቤልከ እንታይ ምላሽ ሃበት፧
ኣዝያ ተቘጥዐት። ብሓርቖት ሓሪራ ኸኣ ንኤልያስ፡ “ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ” ዚብል መልእኽቲ ለኣኸትሉ። (1 ነገስት 19:2) እዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ናይ ሞት መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኢዛቤል ነቲ ንነብያት በዓል ዝቐተለ ኤልያስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብምቕታል ሕነ እንተ ዘይፈድያ፡ ሞት ከም ዚሕሻ እያ እትዛረብ ነይራ። ኤልያስ ኣብታ ሓያል ዝናም እናዘነመ ኽነሱ ደቂሱላ ዝነበረ ኣብ ይዝርኤል እትርከብ ቦታ ኸሎ፡ ነቲ ኢዛቤል ብልኡኽ ገይራ ዝሰደደቶ ዜፍርህ መልእኽቲ ንምስማዕ ካብ ድቃሱ ኺበራበር እሞ ሕስብ ኣብሎ! እሞኸ እዚ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሉ፧
ብተስፋ ምቝራጽን ፍርህን ተዋሕጠ
ኤልያስ፡ ኣምልኾ በዓል ዚጠፍእ መሲልዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ተስፋኡ ቕሂሙ ተረፈ። ከመይሲ፡ ኢዛቤል ካብ ሓሳባ ንቕንቕ ኣይበለትን። ሓያሎ እሙናት ብጾት ኤልያስ፡ ንሳ ብዝሃበቶ ትእዛዝ ተቐቲሎም እዮም፣ ቀጺሉ ኸኣ ተራ ኤልያስ ዝበጽሐ እዩ ዚመስል ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ ምስ ረአየ” ይብል። ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ኣመና ፈርሀ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኤልያስ፡ ኢዛቤል ከመይ ገይራ ኸም እትቐትሎ ኣብ ኣእምሮኡ ተራእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጥራይ እንተ ሓሲቡ፡ ድፍረት ከም ዚስእን ዚከሓድ ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ፡ “ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደ።” እወ፡ ህይወቱ ምእንቲ ኼድሕን፡ ሃደመ።—1 ነገስት 18:4፣ 19:3።
ይኹን እምበር፡ ኤልያስ ጥራይ ኣይኰነን ብፍርሂ ተሰኒፉ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እውን ንሃዋርያ ጴጥሮስ ከምኡ ኣጋጢምዎ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ማይ ኪኸይድ እኳ እንተ ኣኽኣሎ፡ ጴጥሮስ “ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ፡” ፈርሀ። ኪጥሕል ከኣ ጀመረ። (ማቴዎስ 14:30) ጴጥሮስን ኤልያስን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ጽቡቕ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና። ተባዓት ክንከውን እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ ዜፍርሃና ሓደጋታት ጥራይ ኣብ ክንዲ እንሓስብ፡ ኣብቲ ምንጪ ተስፋናን ብርታዐናን ከነተኵር ኣሎና።
“ይአኽለኒ”
ኤልያስ ብሰንኪ ፍርሂ፡ ናብታ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 150 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ዶብ ይሁዳ እትርከብ ከተማ ብኤር-ሸባዕ ሃደመ። ንጊልያኡ ኣብኡ ሓዲግዎ ኸኣ፡ ናብ በረኻ ኸደ። እቲ ጸብጻብ፡ “መገዲ መዓልቲ” ኸም ዝኸደ ስለ ዚሕብረና፡ ነቲ ጕዕዞ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ስንቂ ብጊሓት ጀሚርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ በታ መራር ጸሓይ እናተሃርመ ኣብቲ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ መሬት ብሃውሪ ይጐዓዝ ነበረ። ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ጀመረት ግና፡ ሓይሉ 1 ነገስት 19:4።
ጠለሞ። ኣመና ስለ ዝደኸመ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኣብቲ ዝባደመ መሬት ዝረኸባ ኦም ኪለዓው ኮፍ በለ።—ኤልያስ ብዓቕሊ ጽበት ናብ የሆዋ ጸለየ። ሞት ከኣ ተመነየ። “ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ” በለ። ኣቦታቱ ድሮ በስቢሶም ናብ ሓመድ ከም እተቐየሩን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪሕግዙ ኸም ዘይክእሉን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መክብብ 9:10) ንሱ እውን ከምኦም ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰምዖ። “ይአኽለኒ” ብምባል ንነፍሱ ሞት እንተ ለመነላ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ክንድዚ ተስፋ ምቝራጹ ዜሰንብድ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከም ርብቃን ያእቆብን ሙሴን እዮብን ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓያሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣዝዮም ካብ ምጕሃዮም እተላዕለ፡ ሞት ተመንዮም ነይሮም እዮም።—ዘፍጥረት 25:22፣ 37:35፣ ዘሁልቍ 11:13-15፣ እዮብ 14:13።
ሎሚ፡ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ስለ ዘለና፡ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣመና እንተ ተደቝሱ ኺገርመና የብሉን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ንዓኻ እውን ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነቲ ኤልያስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልብኻ ኣፍስስ። ከመይሲ፡ የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) እሞኸ ንኤልያስ ኣጸናኒዕዎዶ፧
የሆዋ ንነብዪኡ ተኸናኸኖ
የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ እቲ ዜፍቅሮ ነብዪኡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ኢሉ ሞት ኪምነ ኺርእዮ ኸሎ፡ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ኤልያስ ምስ ደቀሰ፡ የሆዋ መልኣኹ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ከኣ ንኤልያስ ነቕኒቑ፡ “ተንስእ እሞ ብላዕ” በሎ። ኤልያስ ድማ፡ ነቲ እቲ መልኣኽ ዘዳለዎ ኣብ ርሱን እምኒ እተሰንከተ ቕጫ በልዖ፡ ነቲ ዘምጸኣሉ ማይ ከኣ ሰተዮ። ንምዃኑኸ ነቲ መልኣኽ ኣመስጊንዎዶ፧ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ በሊዑን ሰትዩን መሊሱ በጥ በለ። ብጭንቀት ስለ እተዋሕጠ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ መልኣኽ ንኤልያስ፡ እንደገና ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኣተንስኦ። “ነዊሕ መገዲ አሎካ እሞ፡ ተንሲእካ ብላዕ” ድማ በሎ።—1 ነገስት 19:5-7።
እቲ መልኣኽ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምስትውዓል፡ ኤልያስ ናበይ ከም ዚኸይድን ብሓይሉ ጥራይ ነቲ ጕዕዞ ኺፍጽሞ ኸም ዘይክእልን ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ሓሳብናን ድኽመትናን ካባና ብዝሓሸ መገዲ ዚርድኣልና ኣምላኽ ከነገልግልሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (መዝሙር 103:13, 14) እሞኸ እቲ ምግቢ ንኤልያስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧
ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ” ዚብል ነንብብ። (1 ነገስት 19:8) ኤልያስ፡ ከምቲ ኻብኡ ሽዱሽተ ዘመን ኣቐዲሙ ዝነበረ ሙሴን ከምቲ ድሕሪኡ ኣስታት ዓሰርተ ዘመን ጸኒሑ ዝመጸ የሱስን፡ ን40 መዓልትን ለይትን ጾመ። (ዘጸኣት 34:28፣ ሉቃስ 4:1, 2) እቲ ዝበልዖ ምግቢ፡ ንዅሉ ጸገማቱ እኳ እንተ ዘየወገዶ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ግና ኣጻኒሕዎ እዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኤልያስ፡ መዓልትታት ኰነ ሰሙናት እናሓለፈ፡ ንኣስታት ወርሕን መንፈቕን በቲ መገዲ ኣጋር ዘይብሉ በረኻ ኺጐዓዝ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!
የሆዋ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንዘለዉ ኣገልገልቱ እውን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ስጋዊ ምግቢ ብምሃብ ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ኣገዳሲ መገዲ ይከናኸኖም እዩ። እወ፡ ንኣገልገልቱ መንፈሳዊ ምግቢ ይህቦም እዩ። (ማቴዎስ 4:4) ካብ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋትን ብዛዕባ ኣምላኽ እንተ ተማሂርና፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንዕንገል ንኽእል ኢና። ነዚ መንፈሳዊ ምግቢ እዚ ስለ እተመገብና፡ ኵሉ ጸገማትና ኣይውገድን ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዘይ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪጽወር ዘይከኣል ጸገማት ንኽንጾሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እዩ ዚመርሓና።—ዮሃንስ 17:3።
ኤልያስ ንኣስታት 320 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ኣብ ከረን ሆሬብ በጽሐ፣ ነዊሕ ይገብር፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ ቦታ እዚ ንሙሴ፡ ብመልኣኹ ኣቢሉ ኻብ ማእከል እትነድድ ዝነበረት ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእይዎን ጸኒሑ ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ገይሩን እዩ። ኤልያስ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሐ፡ ናብ በዓቲ ኣተወ።
የሆዋ ንነብዪኡ ዘጸናንዖን ዘበራትዖን ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ሆሬብ፡ “ቃል” የሆዋ፡ ማለት ሓደ መልኣኽ ንኤልያስ፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እዛ ሕቶ እዚኣ ብለውሃት ቀሪባ ኽትከውን ስለ ዘለዋ፡ ኤልያስ ስምዒቱ ኣውጺኡ ኺዛረብ ተደረኸ። “ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ” በለ። (1 ነገስት 19:9, 10) እዘን እተዛረበን ቃላት፡ ስለምንታይ ከም እተጨነቐ ዚሕብር ሰለስተ ምኽንያት ዝሓዛ እየን።
ቀዳማይ፡ ኤልያስ ንኸንቱ ዚዓዪ ዝነበረ ዀይኑ ተሰምዖ። ነቲ ቕዱስ ስምን ኣምልኾን የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ብምስራዕ፡ ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ‘ብቕንኣት’ እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ እቲ ዅነታት ግና እናኸፍአ ዚኸይድ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቶም ህዝቢ ዘይእሙናትን ዓለወኛታትን እዮም ነይሮም፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸኣ የስፋሕፍሕ ነበረ። ካልኣይ፡ ኤልያስ ጽምዋ ተሰምዖ። “ኣነ . . . በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ” ብምባል ከኣ፡ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሱ በይኑ ጥራይ ከም ዝተረፈ ገይሩ ተዛረበ። ሳልሳይ፡ ኣመና ፈርሀ። መብዛሕትኦም ብጾቱ ዝዀኑ ነብያት ስለ እተቐትሉ፡ ንሱ እውን ቀጺሉ ኸም ዚቕተል ገይሩ ንርእሱ ኣእመና። ከምዚ ገይሩ ስምዒቱ ኣውጺኡ ኺዛረብ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኵርዓት ወይ ሕፍረት ኪዓግቶ ግና ኣይፈቐደን። ብጸሎት ኣቢሉ ንልቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብምፍሳስ፡ ንዅሎም እሙናት ሰባት ሰናይ ኣብነት ሓዲጉሎም ኣሎ።—መዝሙር 62:8።
የሆዋ ንፍርህን ንሻቕሎትን ኤልያስ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ እቲ መልኣኽ ንኤልያስ፡ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው ኪብል ነገሮ። ኤልያስ፡ ስዒቡ እንታይ ከም ዚኸውን ከይፈለጠ፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። ብርቱዕ ንፋስ ከኣ ነፈሰ። እቲ ንፋስ ካብ ሓይሉ እተላዕለ ንኣኽራን ዚስንጥቕን ንኣኻውሕ ዚሰባብርን ስለ ዝነበረ፡ እዝኒ ዚቐድድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኤልያስ ንዓይኑ ኺሽፍንን ነቲ ረጕድን ሓርፋፍን ክዳኑ ኣጥቢቑ ኺሕዝን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ 1 ነገስት 19:11, 12።
ስኣሎ! ድሕሪኡ ድማ፡ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዘጋጠመ፡ ብእተኻእሎ ዓቕሚ፡ ሚዛኑ ኺሕሉ ነበሮ። ብዘይካዚ፡ እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓዊ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ፡ ንርእሱ ኻብቲ ሃፈጽታ ንኼዕቍባ፡ ናብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ኺኣቱ ተገደደ።—እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ዜደንቕ ናይ ተፈጥሮ ሓይሊ ኸም ዘይነበረ ይሕብር እዩ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ በቶም እተታለሉ ኣምለኽቱ ኸም “ተወጣሒ ደበናታት” ወይ ከም መምጽኢ ዝናም ዚርአ ዝነበረ በዓል ከም ዘይኰነ፡ ንተፈጥሮ ዚቘጻጸር ጽውጽዋያዊ ኣምላኽ እውን ዘይምዃኑ፡ ኤልያስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ናይ ሓቂ ምንጪ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜደንቕ ሓይሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሱ ግና ኻብቲ ዝገበሮ ነገራት ንላዕሊ ዝዓበየ እዩ። ግኡዝ ሰማያት እውን ከይተረፈ፡ ንዕኡ ኺሕዞ ኣይክእልን እዩ። (1 ነገስት 8:27) ኰይኑ ግና፡ እዚ ዅሉ ንኤልያስ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ ኣመና ፈሪሁ ምንባሩ ንዘክር። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ ኤልያስ ካብ ኰነ፡ ኤልያስ ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ዚፈርሃሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።—መዝሙር 118:6።
ኤልያስ ደድሕሪ እቲ ሓዊ፡ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ሰምዐ። ብዛዕባ ስምዒቱ ኺገልጽ ዚዕድም ድምጺ ኸኣ እንደገና መጾ፣ ንሱ እውን ንኻልኣይ ሳዕ ብዛዕባ ሻቕሎቱ ተዛረበ። * ምናልባት ከምኡ ብምግባሩ፡ ዕረፍቲ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ቀጺሉ ዝነገሮ ምስ ሰምዐ፡ ብዝያዳ ተጸናንዐ። የሆዋ ንኤልያስ፡ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ንኣምልኾ በዓል ካብ እስራኤል ንምጥፋእ ዘውጸኦ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ ንኤልያስ ነገሮ። ብንጹር እምበኣር፡ ዕላማ ኣምላኽ ንቕድሚት ይግስግስ ስለ ዝነበረ፡ ዕዮ ኤልያስ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ ዝርዝር መምርሒታት ሂቡ እንደገና ስለ ዝለኣኾ፡ ኤልያስ ገና ኣብቲ ዕላማ ግደ ነበሮ።—1 ነገስት 19:12-17።
ብዛዕባ እቲ ኤልያስ እተሰምዖ ጽምዋኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ነዚ ብዚምልከት፡ የሆዋ ኽልተ ነገራት ገበረ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ነቲ ጸኒሑ ዚትክኦ ነብዪ ኤልሳእ ኪቐብኦ ነገሮ። ኤልሳእ ንኤልያስ፡ ብጻዩን ሓጋዚኡን ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ምስኡ ኣገልጊሉ እዩ። ከመይ ዝበለ ጠቓሚ መጸናንዒ ዀን እዩ! ካልኣይ፡ የሆዋ፡ “ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዅለን ኣብራኽን፡ ዘይሰዐሞ ዅሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ” በለ። (1 ነገስት 19:18) እምበኣር፡ ኤልያስ ንበይኑ ኣይኰነን ተሪፉ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ንበዓል ዘየምለኹ እሙናት ሰባት ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኤልያስ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ካብ የሆዋ ዚዓልዉሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ንኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ኪቕጽሎ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኤልያስ ብልኡኽ የሆዋ ኣቢሉ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ኣምላኹ ምስማዑ፡ ንልቡ ተንኪፍዎ ኪኸውን ኣለዎ።
ከም ኤልያስ፡ በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ንድነቕ ንኸውን፣ እዚ ኸኣ ግቡእ እዩ። ከመይሲ፡ ሓይሊ ፈጣሪ ኣብ ተፈጥሮ ብንጹር ይርአ እዩ። (ሮሜ 1:20) የሆዋ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ንምሕጋዝ፡ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ኺጥቀመሉ ይደሊ እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ይኹን እምበር፡ ብቐንዱ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚዛረበና። (ኢሳይያስ 30:21) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ብእኡ ኣቢሉ ይመርሓናን ይእርመናን የተባብዓናን ፍቕሩ ይገልጸልናን እዩ።
ኤልያስ ነቲ የሆዋ ኣብ ከረን ሆሬብ ዝሃቦ መጸናንዒ ተቐቢልዎዶ፧ እሂናይ ደኣ! ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ንእከይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተቓወመ ተባዕን እሙንን ነብዪ፡ ናብ ዕዮኡ ተመልሰ። ንሕና እውን ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል፡ ማለት ነቲ ‘ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምጽንናዕ’ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ፡ ኣስኣሰር እምነት ኤልያስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4።
[እግረ-ጽሑፋት]
^ ሕ.ጽ. 4 ነተን ኣብ ናይ 1 ጥርን ኣብ ናይ 1 ሚያዝያን 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓምዲ ዝወጻ፡ “ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ” ኸምኡውን “ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን” ዚብላ ዓንቀጻት ርአ።
^ ሕ.ጽ. 29 ምንጪ እቲ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ምስቲ ኣብ 1 ነገስት 19:9 ተጠቒሱ ዘሎ “ቓል እግዚኣብሄር” ዘመሓላለፈ መንፈስ ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቍጽሪ 15፡ “እግዚኣብሄር” በቲ መንፈስ ተወኪሉ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብበረኻ ንምምራሕ እተጠቕመሉ መልኣኽ ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ፣ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስመይ ኣብኡ እዩ” በለ። (ዘጸኣት 23:21) ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ የሱስ፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ “ቃል፡” ማለት ናብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚለኣኽ ፍሉይ ኣፈኛ ዀይኑ የገልግል ምንባሩ ኸነቕልበሉ ይግባእ።—ዮሃንስ 1:1።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንኤልያስ ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ ግዜ ኣብዚሑ ባረኾ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኤልያስ ኣመና ምስ ተጨነቐ፡ ልቡ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ በቲ ዜደንቕ ሓይሉ ገይሩ ንኤልያስ ኣጸናንዖን ኣተባብዖን