ከዋኽብቲ ንህይወትካ ይጸልውዎ ድዮም፧
ከዋኽብቲ ንህይወትካ ይጸልውዎ ድዮም፧
ደበና ኣብ ዘይብሉ ምሸት ናብ ሰማይ እንተ ጠሚትካ፡ ኣብ ጸሊም ሃሪ ፋሕ ኢሉ ዚርከብ ኣሽሓት ኣልማዛት ምሊሕ ምሊሕ ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል። ወዲ ሰብ ንዕቤትን ርሕቀትን ከዋኽብቲ ኺርድኦ ዝጀመረ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ኣትሒዙ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩኒቨርስና ዚርከብ ዓበይቲ ሓይልታት ገና ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገራት ኣሎ።
ደቂ ሰብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም፡ ነቲ ሰማያዊ ኣካላት ኣብ ለይቲ ብልክዕ ዚገብርዎ ምንቅስቓሳትን ነቲ ምስ ወቕትታት ዚገብርዎ ለውጥታትን ኪዕዘቡ ጸኒሖም እዮም። (ዘፍጥረት 1:14) ብዙሓት ሰባት ከምቲ ቕድሚ 3,000 ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝነበሮ ስምዒት ኣለዎም፣ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧”—መዝሙር 8:3, 4።
እንተዀነ ግን፡ ነስተውዕሎ ኣይነስተውዕሎ ብዘየገድስ፡ ሰማያዊ ኣካላትን ምንቅስቓሳቱን ንህይወትና ብቐጥታ ይጸሉ እዩ። እታ ምድርና እትዞራ ጸሓይ፡ ነቲ ሰባት ግዜ ዚቘጽሩሉ መሰረታዊ መዓልትን ዓመትን ተቕውም እያ። ወርሒ ድማ “ንመመደብ ግዝያት” ትኸውን እያ። (መዝሙር 104:19) ከዋኽብቲ እውን ኣንፈት ጕዕዞ ንምፍላጥ ይሕግዙ እዮም፣ ጠፈርተኛታት እኳ ኸይተረፉ፡ ንመንኰርኰሮም ብኸዋኽብቲ እናተሓገዙ እዮም ዚመርሕዋ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከዋኽብቲ ግዜን ወቕትን ካብ ምሕባርን ንዕዮ ፍጥረት ኣምላኽ ንኸነድንቕ ካብ ምሕጋዝን ሓሊፎም፡ ካልእ ዚገብሩልና ነገር እንተ ኣልዩ ዚሓስቡ ሰባት ኣለዉ። እሞኸ ብዛዕባ መጻኢና ኺነግሩና ወይ ካብ መዓት ኬጠንቅቑና ይኽእሉ ድዮም፧
መበቈልን ዕላማን ቈጸራ ኸዋኽብቲ
ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት መምርሒ ዚኸውን ፋል ንምርካብ ተባሂሉ ናብ ሰማያት ናይ ምጥማት ልምዲ፡ መበቈሉ ኣብ ጥንታዊት መሶጶታምያ ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ መዋእል ቅ.ክ. ከም ዝጀመረ እዩ ዚእመነሉ። እቶም ቀዳሞት ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንሰማያት ተጠንቂቖም ይዕዘቡ ነበሩ። ምንቅስቓሳት ሰማያዊ ኣካላት ንምስኣል፡ ቦታታት ኰዀብ ንምስናድ፡ ዓውደ-ኣዋርሕ ንምድላው፡ ከምኡውን ግርደታት ንምንባይ ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ስነ-ፍልጠት ቈጸራ ኸዋኽብቲ ተወልደ። ቈጸራ ኸዋኽብቲ ግን ነቲ ጸሓይን ወርሕን ኣብ ከባቢና ዘለወን ባህርያዊ ጽልዋ ኻብ ምዕዛብ ሓሊፉ ይኸይድ እዩ። ጸሓይን ወርሕን ፕላነታትን ከዋኽብትን ዚርከበሉ ቦታ ዀነ ኣሰላልፋኡ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዜጋጥም ዓበይቲ ፍጻመታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወት
ውልቀ-ሰባት እውን ዚቈጻጸር ከም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። ብኸመይ፧ገሊኦም ክኢላታት ንቘጸራ ኸዋኽብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዜመልክት ወይ ዜጠንቅቕ ነገር ንምርካብ እዮም ዚጥቀሙሉ፣ ነዚ ድማ እቶም ፈላጣት ብእተፈላለየ መገዲ ይጥቀሙሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ብዛዕባ ዕድሎትና ዚገልጽ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ንጥፈት ንኽንጽመድ ወይ ሓደ ዕማም ንኽንፍጽም ጽቡቕ ግዜ መዓስ ምዃኑ ዚሕብር ይመስሎም እዩ። ኣሰላልፋ ኣገዳሲ ሰማያዊ ኣካላት ብምዕዛብን ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ምድርን ዘለዎም ዝምድና “ብምቕማርን፡” እዚ ሓበሬታ እዚ ኸም ዚርከብ ይዝረብ እዩ። ሰማያዊ ኣካላት ኣብ ውልቀ-ሰባት ዘለዎም ጽልዋ ኸኣ፡ ኣብቲ እቲ ሰብ ኪውለድ ከሎ ዝነበሮም ኣሰላልፋ ኸም ዚምርኰስ እዩ ዚንገር።
ቀዳሞት ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ምድሪ ማእከል ዩኒቨርስ ከም ዝዀነት፡ ፕላነታትን ከዋኽብትን ከኣ ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣብ ዚዘውር ተኸታታሊ ኽቢ ኸም ዚርከባ ይመስሎም ነበረ። ጸሓይ ብመንጎ ኸዋኽብቲ ዓመታዊ ዑደት ከም እትገብር እውን ይመስሎም ነበረ። ነቲ ጸሓይ እትዞረሉ ዝመሰሎም መገዲ ኢክሊፕታዊ ኢሎም ኪጽውዕዎ ኸለዉ፡ ኣብ 12 ዞባታት ወይ ክፋላት ከፈልዎ። ነፍሲ ወከፍ ክፋል በቲ ጸሓይ ብመንጎኡ እትሓልፈሉ ኣብኡ ዚርከብ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ይጽዋዕ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ 12 ምልክታት መናዝል ወይ ዞድያክ ተማህዘ። እዚ ዞባታት ወይ “ኣባይቲ ሰማይ፡” መንበሪ ኣማልኽቲ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ጸሓይ ኣብ ዙርያ ምድሪ ኸም ዘይትዘውር፡ የግዳስ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ፈሊጦም እዮም። ድሕሪ እዚ ርኽበት እዚ ኸኣ፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ስነ-ፍልጠት ምዃኑ ኣብቅዐ።
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኻብቲ መበቈሉ ዝዀነ መሶጶታምያ ተበጊሱ፡ ዳርጋ ናብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ተዘርግሐ፡ ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ስልጣነታት ከኣ ብእተፈላለየ መልክዕ ተኣታተወ። ፋርሳውያን ንባቢሎን ምስ ወረርዋ፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ናብ ግብጽን ግሪኽን ህንድን ተዘርግሐ። ካብ ህንዲ ኸኣ፡ ሚስዮናውያን ቡድህና ናብ ማእከላይ እስያን ቻይናን ቲበትን ጃፓንን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ኣብጽሕዎ። ናብ ህዝቢ ማያ ዝሰገረሉ መገዲ ብልክዕ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ስልጣነ ማያ ግን ንቘጸራ ኸዋኽብቲ ምስ ናይ ባቢሎናውያን ብዚመሳሰል መገዲ ኣጸቢቑ ይጥቀመሉ ነበረ። “ዘመናዊ” ዓይነት ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ኣብታ ብባህሊ ግሪኽ ተዓብሊላ ዝነበረት ግብጺ ዝማዕበለ እዩ ዚመስል፣ ኣብ ኣተሓሳስባ ኣይሁድነትን እስላምን ህዝበ-ክርስትያንን ከኣ ዓብዪ ጽልዋ ገይሩ እዩ።
ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ቅድሚ ምኻዶም እውን ከይተረፈ፡ 2 ነገስት 23:5።
ብቘጸራ ኸዋኽብቲ ፈጺሞም ኪጽለዉ ዘይክእሉ ኣይነበሩን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ ነቶም “ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን” መስዋእቲ ዜቕርቡ ዝነበሩ ህዝቢ ንምውጋድ ዝገበሮ ጻዕርታት ይነግረና።—ምንጪ ቘጸራ ኸዋኽብቲ
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኣብቲ ብዛዕባ መዋቕርን ስርዓትን ዩኒቨርስ ዝነበረ ዓብዪ ጌጋታት ተመርኲሱ እዩ ቘይሙ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። መበገሲ ሓሳባቱ ሓቅነት ኣብ ዘይብሉ ነገራት ስለ ዝሰረተ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቕኑዕ ምንጪ ሓበሬታ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ኸኣ፡ ኣብ ክልተ መሳጢ ታሪኻዊ ፍጻመታት ተራእዩ እዩ።
ብዘመን ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ጠቢባንን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ነቲ ንጉስ ሓደ ሕልሚ ኺፈትሑሉ ኣይከኣሉን። ዳንኤል ዚበሃል ነቲ የሆዋ ዝስሙ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነብዪኡ ዀይኑ ዜገልግል ሰብኣይ ግን፡ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ኪሕብር ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ነዛ ንጉስ ዚሐተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን [‘ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡’ ትርጕም 1990] ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽእሉን እዮም፡ . . . ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፡ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ።” (ዳንኤል 2:27, 28) እወ፡ ዳንኤል ካብ ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ወይ ከዋኽብቲ ዘይኰነስ፡ ካብቲ “ምስጢራት ዚገልጽ” የሆዋ ኣምላኽ እዩ ሓገዝ ደልዩ፣ ነቲ ንጉስ እውን ቅኑዕ ትርጓመ ነገሮ።—ዳንኤል 2:36-45።
ህዝቢ ማያ ዝነበሮም ልክዕነቱ ዝሓለወ ቐመራት ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ንስልጣነኦም ኣብ ታሽዓይ ዘመን ድ.ክ. ካብ ምውዳቕ ኣየድሓኖን። እዚ ኸኣ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ብልክዕ ኪንበ ዘይክእል ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ዕላማኡ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ቕኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ከም ዘይጽግዑ ንምግባር ምዃኑ እዩ ዜቃልዕ።
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ሓቅነት ኣብ ዘይብሉ ነገራት እተመስረተ ምዃኑ፡ ምንጩ መን ምዃኑ ንኸነለሊ እውን ይሕግዘና እዩ። የሱስ ብዛዕባ ድያብሎስ፡ “ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) ሰይጣን ንርእሱ፡ “ንመልኣኽ ብርሃን” የምስል እዩ፣ ኣጋንንቱ እውን ንርእሶም፡ “ነገልገልቲ ጽድቂ” የምስሉ እዮም። ከም ሓቂ፡ ንሰባት ብመታለሊ ነገራት ኪጠልፉ ዚሕልኑ መታለልቲ እዮም። (2 ቈረንቶስ 11:14, 15) ቃል ኣምላኽ፡ “ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን” ከም ዚኸውን የቃልዕ እዩ።—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10።
ስለምንታይ ካብኡ ኽትርሕቕ ከም ዘሎካ
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኣብ ሓሶት እተመስረተ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ይፍንፍኖ እዩ። (መዝሙር 31:5) ስለዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይዅንኖ እዩ፣ ንሰባት ከኣ ካብኡ ኺርሕቁ ይምሕጸኖም እዩ። ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 18:10-12 ብንጹር ከምዚ በለ፦ “ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ . . . መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምውታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ።”
ምንጪ ቘጸራ ኸዋኽብቲ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ ዝዀኑ፡ ሓደ ሰብ ኣብኡ ኢዱ እንተ ኣእትዩ፡ ንጽልዋኦም ይቃላዕ እዩ። ከምቲ ሓሽሽ ዚፈታትን ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ነጋዶ ሓሽሽ ኪወድቕ ዚኽእል፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ዚፈታትን ሰብ እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ቐንዲ መታለሊ ዝዀነ ሰይጣን ኪወድቕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ሓቂ ዚፈትዉን ሰባት፡ ካብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቁ ኣለዎም፣ ነቲ፡ “እከይ ጽልኡ፡ ሰናይ ከኣ አፍቅሩ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ድማ ኪስዕቡ ኣለዎም።—ኣሞጽ 5:15።
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ነቲ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ዘለዎም ድሌት እዩ ዚምዝምዝ። እሞኸ ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ ንኽእል እንተ ዄንና፡ ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጽባሕ፡ ኣብ እትቕጽል ወርሒ፡ ወይ ንዓመታ ብውልቂ እንታይ ከም ዜጋጥመና ኽንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ይገልጸልና እዩ። (ያእቆብ 4:14) ይኹን እምበር፡ ንደቂ ሰብ ኣብ ቀረባ መጻኢ እንታይ ከም ዜጋጥሞም ሓፈሻዊ መግለጺ ይህበና እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እታ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት እንጠቕሳ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ምዃና ይሕብረና እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ብዘይካዚ፡ መከራ ደቂ ሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ንሓዋሩ ኸም ዜብቅዕ እውን ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4) ኣምላኽ ንህይወት ሰብ ኣቐዲሙ ኣይወሰኖን፣ የግዳስ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ንጥቕሞም ኢሉ ዚገብሮ ነገራትን ኪፈልጡ ይዕድሞም ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ንፈልጦ፧ ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የነጽረልና እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4።
እቲ መስተንክር ሰማያትን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ንህይወትና ንኺቈጻጸር ኣይኰነን ተፈጢሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓይልን መለኮትን የሆዋ እዩ ዚሕብር። (ሮሜ 1:20) ኣብ ህይወትና ዕዉታት ንምዃን ዜኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ንምርካብ፡ ሓሶት ነጺግና፡ ናብ ኣምላኽን ናብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ንኽንጽጋዕ ይድርኸና እዩ። እወ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ህዝቢ ማያ ንቘጸራ ኸዋኽብቲ ኣጸቢቖም ይጥቀሙሉ ነበሩ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፡ ንሱ ኸኣ . . . በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን [ኣፍለጠ]”
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ህዝቢ ማያ ዝነበሮም ልክዕነቱ ዝሓለወ ቐመራት ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ንስልጣነኦም ካብ ምውዳቕ ኣየድሓኖን
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
መካነ-ትዕዝብቲ ኤል ካራኮል፡ ቺቸን ኢትሳ፡ ዩከታን፡ መክሲኮ፡ 750-900 ድ.ክ.
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Pages 18 and 19, left to right: Stars: NASA, ESA, and A. Nota (STScI); Mayan calendar: © Lynx/Iconotec com/age fotostock; Mayan astronomer: © Albert J. Copley/age fotostock; Mayan observatory: El Caracol (The Great Conch) (photo), Mayan/Chichen Itza, Yucatan, Mexico/Giraudon/The Bridgeman Art Library