ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ

የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ

የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ሃበ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ኺነግሮም ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በሎም። (ማቴዎስ 20:28) ንጥቕሚ ኻልኦት ኢሉ ብፍታው ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ።

የሱስ ብሞቱ ኣቢሉ በጃ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ህይወቱ ምእንቲ መን እዩ ሂቡ፧ ሞቱ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ ንኽትምርምር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳታቶም ክትእከብ ብኽብሪ ይዕድሙኻ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እቲ ዝኽሪ ሞት የሱስ ሰሉስ 30 መጋቢት  ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ እዩ ዚውዕል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኺወሃቦ እዩ።

ኣብቲ ዚቐርበካ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።