ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽውጽዋይ 4፦ ኣምላኽ ስላሴ እዩ

ጽውጽዋይ 4፦ ኣምላኽ ስላሴ እዩ

መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

“ቀኖና ስላሴ ኣብ መወዳእታ 4ይ ዘመን እተማህዘ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኺሕሰብ ይከኣል እዩ። እዚ ብእተወሰነ መዳይ ሓቂ እዩ። . . . እቲ ‘ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት’ ዚብል ትምህርቲ ቕድሚ መወዳእታ 4ይ ዘመን ጽኑዕ መሰረት ኣይነበሮን፣ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራን ኣብቲ ወግዓዊ እምነታቱን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰረጸን ነይሩ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (1967)፡ መበል 14 ጥራዝ፡ ገጽ 299።

“ዋዕላ ኒቅያ ብ20 ግንቦት 325 [ድ.ክ.] ተገብረ። ቆስጣንጢኖስ ነቲ ዘተ ንጡፍ ኰይኑ ብምምራሕ፡ ባዕሉ ይቕልሶ ነበረ . . . ነቲ በቲ ዋዕላ እተመሓላለፈ ኣብ መንጎ የሱስን ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ዚገልጽ ‘ምስ ኣምላኽ ሓደ ኣካል’ ዚብል መምርሒ ብውልቁ ኸም ሓሳብ ኣቕረበ። . . . እቶም ኣቡናት፡ ብጀካ ኽልተ፡ ኵሎም በቲ ሃጸይ ተዓብሊሎም ነቲ ንመብዛሕትኦም ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነት ፈረምሉ።”—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1970)፡ 6ይ ጥራዝ፡ ገጽ 386።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ንሱ [እስጢፋኖስ] ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ እሞ፤ እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ አሎኹ፡ በለ።”—ግብሪ ሃዋርያት 7:55, 56

እዚ ራእይ እዚ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ እስጢፋኖስ በቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ተመሊኡ፡ ንየሱስ “ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ” ረኣዮ። እምበኣር፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብ ሰማይ ምስ ከደ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ህልውና ደኣ እዩ ነይርዎ እምበር፡ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ሳልሳይ ኣካል ከም ዘሎ ኣይተሓበረን። ንቐኖና ስላሴ ዚድግፍ ሓሳብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርካብ ፈተነታት እኳ እንተ ተገበረ፡ ማሪ-ኤሚል ብዋማር ዚበሃል ዶሚኒካዊ ኻህን ኣብታ ኣ ሎብ ዱ ክሪስትያኒስም—ላ ንሳንስ ደ ዶግመ (ኣብ መፈለምታ ክርስትና—ልደት ቀኖና) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ሰለስተ ኣካላት . . . ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዚብል ሓሳብ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይርከብን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

እቲ ቆስጣንጢኖስ ዚድግፎ ዝነበረ ቐኖና፡ ነቲ ኣብታ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ተፈጢሩ ዝነበረ ምክፍፋል ኪፈትሕ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘እታ ንየሱስ ዝወለደት ማርያም፡ “ወላዲት ኣምላኽ” ድያ፧’ ዚብል ካልእ ጕዳይ ኣበገሰ።

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ ማቴዎስ 26:39፣ ዮሃንስ 14:28፣ 1 ቈረንቶስ 15:27, 28፣ ቈሎሴ 1:15, 16

ሓቂ

ቀኖና ስላሴ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን እተማህዘ እዩ