ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ሕውነታዊ ፍቕሪ

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ሕውነታዊ ፍቕሪ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ፡ ቅንዕቲ ሃይማኖት ሕውነታዊ ፍቕሪ ኸተተባብዕ ኣለዋ።

ብዙሓት ሃይማኖታት ንዝሓመሙን ብዕድመ ንዝደፍኡን ንድኻታትን ብምክንኻን ዚነኣድ ዕዮ ይዓያ እየን። ንኣባላተን ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ የተባብዓኦም እየን። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” በለ።—1 ዮሃንስ 3:17, 18

ሃገራት ኣብ ውግእ ኪኣትዋ ኸለዋኸ እንታይ እዩ ኺግበር ዘለዎ፧ ነቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ሰላም ከነኽብሮ፡ ሓደ ፖለቲከኛ ወይ ንጉስ ምስ ካልእ ሃገር ኪዋጋእ ኣብ ዚውስነሉ እዋን ግን ዕሽሽ ክንብሎ ኣሎና ድዩ፧—ማቴዎስ 22:39

የሱስ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ፡ ‘ኣባላት እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን ንዅሉ ሰብ የፍቅሩ ድዮም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

Tርእሰ ነገር፦ ውግእ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ” ኢሉ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 5:44

ዓቀይቲ ንየሱስ ኪሕዝዎ ምስ መጹ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኺከላኸለሉ ኢሉ ሰይፊ መዘዘ። የሱስ ግን፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ።—ማቴዎስ 26:52

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 3:10-12

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ኣባላታ ኣብ ውግእ ኪካፈሉ ተተባብዕ ድያ፧

ርእሰ ነገር፦ ፖለቲካ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ተኣምራት ኪፍጽም ከሎ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ፖለቲካ እቲ ኸባቢ ኺኣቱ ደለይዎ። ንሱኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ “መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።”—ዮሃንስ 6:15

የሱስ ምስ ተታሕዘን ናይ ፖለቲካ መናዓቢ ኸም ዝዀነ ጌርካ ምስ ተኸሰሰን፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ።—ዮሃንስ 18:36

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዚምልከት ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም” በለ።—ዮሃንስ 17:14

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ዋላ እውን ኣባላታ ብገሊኦም ፖለቲከኛታት እንተ ተጸልኡ፡ ንኣርኣያ የሱስ ብምስዓብ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ትርሕቕ ድያ፧

ርእሰ ነገር፦ ኣቐዲምካ ምፍራድ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ዘይተገዝሩ ናይ መጀመርታ ሰባት ንፈለማ እዋን ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ያእቆብ እውን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ አተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧”—ያእቆብ 2:1-4

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዚዀኑ፡ ኣባላታ ድማ ንዓሌት ወይ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኻልኦት ሰባት ብምርኣይ ኣድልዎ ኼርእዩ ኸም ዘይብሎም ትምህር ድያ፧

ኣባላታ ነቲ ንሰባት ዚኸፋፍሎም ዘሎ ፖለቲካውን ዓሌታውን ቍጠባውን ፍልልይ ኪሰግርዎ እትምህር ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧