ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧
ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧
ልሙድ መልስታት፦
◼ “ኣብ ኵሉ ቦታን ኣብ ኵሉ ነገርን ዚርከብ እዩ። ልክዕ ከም ንፋስ እዩ።”
◼ “ከምዚ ኢልካ ኺግለጽ ዘይከኣል ምስትውዓል ዘለዎ ረቂቕ ሓይሊ እዩ።”
የሱስ እንታይ በለ፧
◼ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ።” (ዮሃንስ 14:2) የሱስ፡ ኣምላኽ ምሳልያዊ ቤት ወይ መንበሪ ኸም ዘለዎ ገይሩ ተዛሪቡ እዩ።
◼ “ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።” (ዮሃንስ 16:28) የሱስ፡ ኣምላኽ ኣብ ውሱን ቦታ ዚነብር ብሓቂ ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ምዃኑ ይኣምን ነበረ።
የሱስ፡ ኣምላኽ ገለ ረቂቕ ሓይሊ ኸም ዝዀነ ፈጺሙ ኣይገለጸን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ምስ ኣምላኽ ተዘራሪቡን ናብኡ ጸልዩ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ንየሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚቐርቦ ንምርኣይ ናይ ሰማይ ኣቦ ኢሉ ይጽውዖ ነይሩ።—ዮሃንስ 8:19, 38, 54።
ብርግጽ፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን” ከምኡውን “ኣምላኽ መንፈስ እዩ።” (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24) እንተዀነ ግን፡ ዝዀነ ይኹን ኣካል ወይ ቅርጺ የብሉን ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ባህርያዊ ሰብነት ካብ ዚህሉ፥ መንፈሳዊ ሰብነትውን ኣሎ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 15:44 ትርጕም 1990) እሞኸ የሆዋ መንፈሳዊ ኣካል ኣለዎዶ፧
እወ። የሱስ ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ አተወ።” (እብራውያን 9:24) እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ክልተ ኣገደስቲ ሓቅታት ይምህረና። ቀዳማይ፡ ዚነብረሉ ቦታ ኣለዎ። ካልኣይ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ ከምዚ ኢልካ ኺግለጽ ዘይከኣል ሓይሊ ዘይኰነስ፡ ኣካል እዩ።
እሞኸ ደኣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘሎ ነገራት ኪቈጻጸሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንመንፈስ ቅዱሱ ወይ ነቲ ንጡፍ ሓይሉ ኣብ ዩኒቨርስ ናብ ዘሎ ዅሉ ቦታ ኺልእኮ ይኽእል እዩ። ከምቲ ሓደ ኣቦ ንውሉዳቱ ንምጽንናዕን ንምድጋፍን ኢዱ ዚዝርግሕ፡ ኣምላኽ እውን ዕላማኡ ንምፍጻም መንፈስ ቅዱሱ ይልእኽ።—መዝሙር 104:30፣ 139:7።
ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ስለ ዝዀነ፡ ባህርያት፡ ማለት ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት፡ ከምኡውን ስምዒታት ኣለዎ። ንህዝቡ ኸም ዚፈቱ፡ ብተግባሩ ኸም ዚሕጐስ፡ ኣምልኾ ጣኦት ከም ዚጸልእ፡ ብእከይ ድማ ከም ዚጕሂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 6:6፣ ዘዳግም 16:22፣ 1 ነገስት 10:9፣ መዝሙር 104:31) ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 1:11 (NW)፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። የሱስ፡ ነዚ ኣምላኽ እዚ ብምሉእ ልብና ኸነፍቅሮ ኸም እንኽእል ምዝራቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ማርቆስ 12:30። *
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 12 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 ርአ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ከምቲ ሓደ ኣቦ ኢዱ ዚዝርግሕ፡ ኣምላኽ እውን ዕላማኡ ንምፍጻም መንፈስ ቅዱሱ ይልእኽ