ኣብ ክፉእ ዘመን ንነብር ኣለና
ኣብ ክፉእ ዘመን ንነብር ኣለና
መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ኣብ “ክፉእ ዘመን” ከም ዚነብሩ ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ። ነዚ ዘለናሉ ግዜ ድማ: “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይገልጾ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:3-7) የሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ እዋን እዚ ኣመልኪቱ ነቲ ብደቀ መዛሙርቱ ዝቐረበሉ ሕቶ ኺምልስ ከሎ: ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:3) እሞኸ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዲና እንነብር ዘለና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ ትንቢታትን ነቲ ኣብ ታሕቲ እተገልጸ ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባትን ብምንጽጻር: ባዕልኻ ፍረድ።
መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ:- ዓለምለኻዊ ውግእ—ሉቃስ 21:10፣ ራእይ 6:4
ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባት ዚብሎ:- “እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ብሰንኪ ውግእ ዘጋጠመ ሞት: ክርስቶስ ድሕሪ ምውላዱ ኣብ ዝነበረ ዅሉ ዘመናት ካብ ዘጋጠመ ሞት: ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ እዩ ነይሩ።”—ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት
መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ:- ሕጽረት ምግብን ሕማምን—ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:5-8
ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባት ዚብሎ:- ኣብ 2004 ብግምት 863 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እተመጣጠነ ምግቢ ኣይረኸቡን፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ብ2003 ዘጋጠመ ብ7 ሚልዮን ይዛይድ።—ውድብ ምግብን ሕርሻን
ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ድኻታት ኣብ ዚነብርሉ እተጨቓጨቐ ገዛውቲ ይነብሩ: 2.6 ቢልዮን ሰባት መሰረታዊ ዝዀነ ሓለዋ ጽሬት ኣይረኽቡን: 1.1 ቢልዮን ዝዀኑ ድማ ጽሩይ ዚስተ ማይ የብሎምን።—ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት
ብሕማም ዓሶ 500 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ተጠቒዖም፣ 40 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤች.ኣይ.ቪ-አይድስ ይነብሩ ኣለዉ፣ ኣብ 2005 ሕማም ዓባይ ሰዓል ን1.6 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ እዩ።—ዓለማዊ ውድብ ጥዕና
መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ:- ምዕናው ምድሪ—ራእይ 11:18
ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባት ዚብሎ:- “ብሰንኪ እቲ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ንጥፈታት: ኣብ ምድሪ ዘለዉ እተፈላለዩ ጅር ድሕሪ ቐረባ እዋን ኪጸንቱ ይኽእሉ እዮም።” “ኣብ መላእ ዓለም: እቲ ደቂ ሰብ ካብ ተፈጥሮ ዚረኽብዎ ጥቕምታት ዳርጋ ብኽልተ ሲሶ ዚኸውን የንቈልቍል እዩ ዘሎ።”—ሚልንየም ኢኮሲስተም ኣሰስመንት
“ብደቂ ሰብ ናብ ከባቢ ኣየር ዚፍኖ ሙቐት ዚውስኽ ጋዛት: ኣብ ምድሪ ዘሎ ርጉእ ኵነታት ኣየር ሓደጋ ኼስዕብ ናብ ዚኽእል ኣስጋኢ ዅነታት ኣብጺሕዎ ኣሎ።”—ናሳ: ጎዳርድ ኢንስቲትዩት ፎር ስፔስ ስታዲስ
መጽሓፍ ቅዱስ ዚንበዮ:- ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኪስበኽ እዩ—ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 14:6, 7
ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባት ዚብሎ:- ኣብ 2007: 6,957,854 ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ: ኣብ 236 ሃገራት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም።—መጽሓፍ ዓመት 2008 ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: መጽሓፍ ቅዱስ ሕማቕ ነገራት ከም ዜጋጥም እኳ እንተ ተነበየ: ብሩህ ተስፋ ንኺህልወካ ዚገብር ምኽንያት ግን ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ “ወንጌል” መንግስቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ ነይሩ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ምስቲ ደቂ ሰብ ዝሓሸ መጻኢ ንኺህሉ ዘለዎም ተስፋ ብኸመይ እያ እትተሓሓዝ፧ ንዓኻኸ ብኸመይ እያ እትትንክፈካ፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ዅነታት ተነብዩ ነይሩ