ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ኣምላኽ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ” እዩ ዚብል። (እዮብ 34:10) እቲ ቐንዲ ጠንቂ መከራ ደኣ እሞ መን እዩ፧
የሱስ ንሰይጣን: “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 14:30) ሓቂ እዩ: የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ነዚ መዓርግ እዚ ድማ ፈጺሙ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን። እንተዀነ ግን: ንሰይጣን ንእተወሰነ ግዜ ንመብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ንኺገዝእ ፈቒዱሉ እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19
ሰይጣን እንታይ ዓይነት ገዛኢ እዩ፧ ካብ መጀመርታ ምስ ሰባት ካብ ዚራኸብ ኣትሒዙ ቐታል ነፍስን መታለልን እዩ። ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዓብዪ ዕንወት የውርድ እዩ። የሱስ ንሰይጣን: “ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” ኢሉ ወቐሶ። (ዮሃንስ 8:44) ብተወሳኺ እውን የሱስ ነቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት: ደቂ እቲ ናይ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ ኢሉ ጸውዖም። ከምቲ ንሱ ዚገብሮ ብምግባር ንርእሶም ደቁ ኸም ዚዀኑ ገበሩ። ከመዮ: “ወዲ ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ዚበሃል።
ሰይጣን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣልባብ ደቂ ሰብ መንፈስ ቅትለት የሕድር ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋይ ሕ.መ.ኣ. ዚዓዪ ዝነበረ ፕሮፌሰር ሩዶልፍ ጀይ. ሩመል: ካብ 1900 ክሳዕ 1987 ዝነበረ ዓመታት: እተፈላለየ መንግስትታት ብምኽንያት ፖለቲካዊ ለውጢ: ጃምላዊ ቕትለት: ከምኡውን ብዘይ ገለ ምኽንያት ብዚግበር ቅትለት: ብግምት 169,198,000 ዚኣኽሉ ሰባት ከም ዝቐተሉ ገለጸ። እዚ ቝጽሪ እዚ ብዘይ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ብዂናት ዝሞቱ ሰባት እዩ።
ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ: ስለምንታይ ደኣ እዩ መከራ ኺህሉ ፈቒዱ፧ እቲ ጥንቲ ብዛዕባ ልክዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ እተላዕለ ንዅሉ ፍጥረት ዚምልከት ሕቶታት: መልሲ ስለ ዜድልዮ እዩ። ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ።
ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሰይጣን ወገኑ። ግዝኣት ኣምላኽ ገዲፎም ብገዛእ ርእሶም ኪመሓደሩ ወሰኑ: ከም ሓቂ ግን ድያብሎስ እዩ ኺገዝኦም ጀሚሩ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ራእይ 12:9
የሆዋ: እዚ ሕቶ እዚ ብቑዕ መልሲ ኽሳዕ ዘይረኸበ: ቀልጢፉ ኼደቅሶ ፍትሓዊ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። እዚኸ ኣብ ምንታይ ንጹር መደምደምታ ኣብጺሑ፧ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ዘሎ ሰብኣዊ ግዝኣት ናብ መከራ ጥራይ እዩ ዚመርሕ። እወ: የሆዋ ግዜ ምፍቃዱ ንደቂ ሰብ ጥቕሚ የምጽኣሎም እዩ። ብኸመይ፧ እቶም ነዚ መርትዖ እዚ ዜጽንዕዎን ዚኣምንሉን ሰባት: ኣምላኽ ኪገዝኦም ፍቓደኛታት ምዃኖም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኣለዉ። እቶም ነቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ብቕዓታት ዚመሃሩን ምስ እዚ ተሰማሚዖም ዚነብሩን ሰባት ድማ: ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ዮሃንስ 2:17
ሓቂ እዩ: ኣብዚ ግዜና: ሰይጣን ነዛ ዓለም እዚኣ በቲ ረሲእ ተግባራቱ ተቘጻጺርዋ እዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ነዊሕ ኣይኪጸንሕን እዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ “ግብሪ ድያብሎስ . . . ኼፍርስ” እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ንስቡራት ልቢ ኺዘንን: ነቶም ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ዘለዉ ድማ ኬጣጥሓሎም እዩ። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት መከራ ጸጊቦም ዝሞቱ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መሊሱ ኣብ ምድሪ ኼተንስኦም እዩ።—ዮሃንስ 11:25
ትንሳኤ የሱስ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ሰይጣን ከም እተዓወተ ዜርኢ ሓደ ኣብነት እዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚመርጹ ሰባት እንታይ ከም ዜምጽኣሎም ዚሕብር ውሕስነት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ግዜ በዘን ዜጸናንዓ ቓላት እዚኣተን ገይሩ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን [ምስ ደቂ ሰብ] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 21:3, 4