ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ንጉስ ኣቢልካ በረኸት ዕጸድ!

በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ንጉስ ኣቢልካ በረኸት ዕጸድ!

በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ንጉስ ኣቢልካ በረኸት ዕጸድ!

“ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር . . . ኪዐርፍ እዩ።”—ኢሳ. 11:2

1. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት እንታይ ስክፍታታቶም እዮም ገሊጾም፧

 “ኣብ ሓንቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከባብያውን ሕንፍሽፍሽ ዘለዋ ዓለም፡ ሰባት ከመይ ኢሎም ብሕጂ 100 ዓመት ኪነብሩ ይኽእሉ፧” ተመራማሪ ስነ-ኰዀብ ዝዀነ ስቴፈን ሃውኪንግ፡ ብ2006 ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ሓተተ። ኣብ ኒው ስቴትስማን እትበሃል መጽሔት ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ፡ “ድኽነት ኣየወገድናን ወይ ሰላም ዘለዋ ዓለም ኣይሃነጽናን። ልክዕ ኣንጻር እዚ ነገራት እዚ ዝዓመምና ኢና እንመስል። ዘይፈተንና ስለ ዝዀንና ኣይኰነን። ካብ ኮምዩኒዝም ክሳዕ ናጻ ዕዳጋ፣ ካብ እተኣሳሰራ መንግስትታት ክሳዕ ምህናጽ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኵሉ ፈቲንና ኢና። ‘ንውግእ ዚዛዝም ውግእ’ እናተባህለ ብዙሕ ስለ እተዋጋእና፡ ንውግእ መወዳእታ ኽንገብረሉ ኸም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና” በለት።

2. የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ መሰሉ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዎ ልዑላውነት ብኸመይ ኪዓየሉ እዩ፧

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣየገርሞምን እዩ። ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ኸም ዘይተፈጥሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ኤር. 10:23) የሆዋ ጥራይ እዩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑል ኪኸውን መሰል ዘለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መለክዒታት ኬውጽእ፡ ህይወትና በየናይ ዕላማ ኺምራሕ ከም ዘለዎ ኺውስን፡ ከምኡውን ናብቲ ዕላማ እቲ ኺመርሓና ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ንርእሶም ኬመሓድሩ ዝገበርዎ ዝፈሸለ ፈተነ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ነቶም ንልዑላውነቱ ነጺጎም ንሰባት ባሮት ሓጢኣትን ባሮት ዘይፍጽምናን ባሮት እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስን ዝገበርዎም ዘበሉ እውን ኬጥፍኦም እዩ።—2 ቈረ. 4:4

3. ኢሳይያስ ብዛዕባ መሲሕ እንታይ ኢሉ እዩ እተነበየ፧

3 ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ የሆዋ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕራዊ ልዑላውነት ኬርኢ እዩ። (ዳን. 7:13, 14) ኢሳይያስ ንንጉስ እታ መንግስቲ ብዚምልከት፡ “ካብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 11:1, 2) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ‘ኻብ ክሩት ጕንዲ እሰይ ብዚጭብጭብ ጠጥዒ’ ተመሲሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቑዕ ዚገብሮ በየናይ መገድታት እዩ፧ ካብ ግዝኣቱ እንታይ በረኸት እዩ ኺርከብ፧ ንሕናኸ ነቲ በረኸት ንኽንዓጽድ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ንኺገዝእ ካብ ኣምላኽ ብቕዓት ረኸበ

4-6. የሱስ ብሉጽ ጥበብን ርሕራሐን ዘለዎ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ፈራድን ኰይኑ ንኼገልግል ዜኽእሎ ኣገዳሲ ፍልጠት እንታይ እዩ፧

4 የሆዋ፡ ሰብኣውያን ተገዛእቱ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓደ ብሉጽ ጥበብን ርሕራሐን ዘለዎ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ፈራድን ኰይኖም ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ ይደሊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝመረጾ፣ ነቲ ኣገዳሲ ሓላፍነት ንኺስከም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ብቑዕ ገበሮ። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ግደ ብግቡእ ኪፍጽም ዚኽእል ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

5 የሱስ ንኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይፈልጦ። እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ምስ ኣቦኡ ንቢልዮናት ዓመታት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ እዩ ዚፈልጦ። ኣብቲ ምስ ኣቦኡ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ብዛዕባ የሆዋ እተማልአ ፍልጠት ስለ ዘጥረየ፡ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ተባሂሉ ተገሊጹ እዩ። (ቈሎ. 1:15) የሱስ ባዕሉ እውን እንተ ዀነ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 14:9

6 የሱስ ካብ የሆዋ ቐጺሉ ብዛዕባ ዅሉ ፍጥረት፡ እንተላይ ብዛዕባ ደቂ ሰብ፡ ሰፊሕ ፍልጠት ኣለዎ። ቈሎሴ 1:16, 17፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ . . . ኵሉ ብእኡ [ብወዲ ኣምላኽ] ተፈጢሩ አሎ፡ . . . ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ” ትብል። ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሱስ ከም ወሓለ “ሰራሕተኛ” ኣምላኽ መጠን፡ ንዅሉ ዝተረፈ ፍጥረት ኣብ ምፍጣር እጃም ነይርዎ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ብምሉኡ ዩኒቨርስ ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኻብ ኣቶም ዚደቅቕ ነገር ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ዜደንቕ ሓንጎል ሰብ ዜጠቓልል እዩ። ክርስቶስ ብጥበብ ኪምሰል እምበኣር ይግብኦ እዩ።—ምሳ. 8:12, 22, 30, 31

7, 8. መንፈስ ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተቐቢኡ። የሱስ፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለአኸኒ” በለ። (ሉቃ. 4:18, 19) ምስ ተጠምቀ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ቕድሚ ሰብ ምዃኑ እተማህሮ ነገራት ኣዘኪርዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኸም መሲሕ መጠን ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኺፍጽሞ ዝነበሮ ነገራት ዚሓቍፍ እዩ።—ኢሳይያስ 42:1፣ ሉቃስ 3:21, 22፣ ዮሃንስ 12:50 ኣንብብ።

8 የሱስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ስለ ዝረኸበን ኣካላዊ ዀነ ኣእምሮኣዊ ፍጽምና ስለ ዝነበሮን፡ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝዓበየ መምህር እውን እዩ ነይሩ። ሰማዕቱ እውን እንተ ዀኑ፡ “ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴ. 7:28) ከምኡ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት፡ የሱስ ነቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ማለት ንሓጢኣትን ንዘይፍጽምናን ንመንፈሳዊ ድንቍርናን ካብ ሱሩ ኺምሕዎ ይኽእል ብምንባሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ልቢ ሰባት ኬንብብን ብእኡ መሰረት ኪሕዞምን ይኽእል እውን ነይሩ እዩ።—ማቴ. 9:4፣ ዮሃ. 1:47

9. ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ተመክሮ ምስትንታንካ፡ ነቲ ኸም ገዛኢ መጠን ኣብኡ ዘሎካ ምትእምማን ዚውስኾ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ፡ ሰብ ኰይኑ ይነብር ነይሩ እዩ። ሰብ ኰይኑ ዘሕለፎ ተመክሮን ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ዝነበሮ ጥብቂ ርክብን ንጉስ ንኪኸውን ብቑዕ ገበሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “[የሱስ] ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 2:17, 18) የሱስ ስለ ‘እተፈተነ፡’ ነቶም ፈተና ዜጋጥሞም ዘሎ ሰባት ኪርድኣሎም ይኽእል እዩ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ርሕራሐኡ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ሕሙማት፡ ስንኩላን፡ ጭቁናት፡ ዋላ እውን ቈልዑ ኸይተሰከፉ ይቐርብዎ ነበሩ። (ማር. 5:22-24, 38-42፣ 10:14-16) ትሑታትን ብመንፈስ ዝጠመዩን እውን ናብኡ ይቐርቡ ነበሩ። ኵሩዓትን ትዕቢተኛታትን ‘ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይብሎምን’ ግን ኣይተቐበልዎን፣ የግዳስ፡ ይጸልእዎን ይጻረርዎን ነበሩ።—ዮሃ. 5:40-42፣ 11:47-53

10. የሱስ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኣየ በየናይ ብሉጽ መገዲ እዩ፧

10 የሱስ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና በጃ ሃበ። ኣብ ክንዳና ኺመውት ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ገዛኢ ኪኸውን ብቑዕ ከም ዝዀነ ዚሕብር ዝዓበየ መርትዖ እዩ። (መዝሙር 40:6-10 ኣንብብ።) ስለዚ ኸኣ እዩ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ዝበለ። (ዮሃ. 15:13) ከምቶም ካብ ተገዛእቶም ብዚረኽብዎ ገንዘብ ምሹእ ናብራ ዚመርሑ ዘይፍጹማት ሰብኣውያን ገዛእቲ ስለ ዘይኰነ፡ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ በጃ ሃበ።—ማቴ. 20:28

ነቲ ኻብ በጃኡ ዚርከብ ጥቕምታት ኣብ ግብሪ ኼውዕል ተመዘዘ

11. የሱስ ከም ተበጃዊና መጠን ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚገብር ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

11 የሱስ ሊቀ ኻህናት ብምዃኑ፡ ኣብቲ ንሱ ኻብ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ንኽንጥቀም እተገብረ መሰናድዎ መሪሕ ግደ ኣለዎ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብቲ ንእሙናት እተዳለወ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸም ተበጃዊና መጠን እንታይ ከም ዚገብር መርኣያ ሂቡ ነይሩ እዩ። ንዝሓመሙ ዀነ ንዝሰንከሉ ኣሕውዩ፡ ንምዉታት ኣተንሲኡ፡ ንኣሽሓት መጊቡ፡ ንተፈጥሮ እውን ከይተረፈ ተቘጻጺሩ እዩ። (ማቴ. 8:26፣ 14:14-21፣ ሉቃ. 7:14, 15) ከምኡ ዚገብር ዝነበረ፡ ስልጣኑ ወይ ሓይሉ ኼርኢ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ርሕራሐኡን ፍቕሩን ኬርኢ ኢሉ እዩ። ካብ ሓደ ኺሓዊ ዝደለየ ለምጻም ልመና ምስ ቀረበሉ እውን፡ “ፈትየ አሎኹ” ኢሉ እዩ መሊሱ። (ማር. 1:40, 41) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ፡ ከምዚ ዓይነት ርሕራሐ ኼርኢ እዩ።

12. ኢሳይያስ 11:9 ብኸመይ ክትፍጸም እያ፧

12 ክርስቶስን መጋዝእቱን ነቲ ንሱ 2,000 ዓመት ይገብር ዝጀመሮ መደብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪቕጽልዎ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እተን ኣብ ኢሳይያስ 11:9 ዚርከባ፡ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዚብላ ቓላት ኪፍጸማ እየን። እቲ መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ነቲ ኣዳም ኣብ ፈለማ እተዋህቦ መዝነት፡ ማለት ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ ፍጥረታትን ብኸመይ ከም እትከናኸን ዚገልጽ መምርሒ ዘጠቓለለ ኸም ዚኸውን ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:28 ተገሊጹ ዘሎ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም፡ እቲ መስዋእታዊ በጃ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኺውዕል እዩ።

ኪፈርድ ተመዘዘ

13. የሱስ፡ ጽድቂ ኸም ዚፈቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣምላኽ፡ “ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ” ንክርስቶስ እዩ። (ግብ. 10:42) የሱስ ከም ዘይሓልፍ፡ ማዕጥቖ ምሕኵልቱ ድማ ጽድቅን ተኣማንነትን ምዃኑ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (ኢሳ. 11:5) ስስዐን ግብዝናን ካልእ ዓይነት እከይን ከም ዚጸልእ ኣርእዩ እዩ፣ ነቶም ብዛዕባ መከራ ኻልኦት ግዲ ዘይነበሮም ከኣ ወቒስዎም እዩ። (ማቴ. 23:1-8, 25-28፣ ማር. 3:5) ብዘይካዚ፡ “ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡” ብደጋዊ ትርኢት ከም ዘይታለል ኣርእዩ እዩ።—ዮሃ. 2:25

14. የሱስ፡ ጽድቅን ፍትሕን ከም ዚፈቱ ዜርኢ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዚግብኣና፧

14 የሱስ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከትን ትምህርትን ይመርሖ ስለ ዘሎ፡ ጽድቅን ፍትሕን ከም ዚፈቱ የርኢ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ንኣምላኽ ብዜዕግብ መገዲ ኸይዕየ ኺዓግት ዚኽእል ሰብን ሰብኣዊ መንግስትን እኩይ መንፈስን የልቦን። ስለዚ፡ ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ መለኮታዊ ፍትሒ ኸም ዚሰፍን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 11:4፣ ማቴዎስ 16:27 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ‘ኣብ ኣገልግሎት ምስ ሰባት ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ኣረኣእያ የሱስ አንጸባርቕ ድየ፧ ጥዕናይ ወይ ብሕታዊ ዅነታተይ ዚድርተኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ዝከኣለኒ ዘበለ እገብር ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

15. ንኣምላኽ ዚከኣለና ዘበለ ንኽንገብር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ዕዮ ስብከት፡ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ምዃኑ ምዝካርና፡ ንዕኡ ብምሉእ ነፍስና ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንሱ እዩ ንኽንሰብኽ ዝኣዘዘና፣ ብወዱ ኣቢሉ ነቲ ዕዮ ዝመርሖን ነቶም ኣብኡ ዚካፈሉ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዜሐይሎምን እውን ንሱ እዩ። ነቲ መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንካ ኣብ ጐድኒ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ወዱ ኸተገልግል እተዋህበካ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ንልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ፡ መብዛሕትኦም “ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት” ኣብ 236 ሃገራት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኬካፍሉ ኺድርኾም ዚኽእል ካብ የሆዋ ሓሊፉ እሞ መን ኪኸውን ይኽእል፧—ግብ. 4:13

ብክርስቶስ ተባረኽ

16. ዘፍጥረት 22:18 ብዛዕባ በረኸት ኣምላኽ እንታይ እያ እትሕብረና፧

16 የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” በሎ። (ዘፍ. 22:18) እዚ ሓሳብ እዚ፡ መማሰውቲ ዝዀኑ ሰባት ነቲ መሲሓዊ ዘርኢ ዜምጽኦ በረኸት ብምትእምማን ኪጽበዩ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እዩ። እቶም መማሰውቲ ሰባት፡ ነዚ በረኸት እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም እዮም ዜገልግሉ ዘለዉ።

17, 18. ኣብ ዘዳግም 28:2 እንታይ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ እዩ ኣትዩ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

17 ኣምላኽ ነቶም ብስጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል፡ “ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ” በሎም። (ዘዳ. 28:2) ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኺበሃል ይከኣል እዩ። በረኸት የሆዋ ኽትረክብ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንድምጺ ኣምላኽ ‘ስምዓዮ።’ ድሕሪኡ፡ እቲ በረኸት “ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።” ኰይኑ ግን፡ ‘ምስማዕ’ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

18 ምስማዕ ኪበሃል ከሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣምላኽ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግብን ኣብ ልብኻ ምሕዳር የጠቓልል። (ማቴ. 24:45) ንኣምላኽን ንወዱን እዙዝ ምዃን እውን ይሓቍፍ። የሱስ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ። (ማቴ. 7:21) ስለዚ፡ ንኣምላኽ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ መሰናድዎ፡ ማለት ነታ “ውህበት” ሰብኡት ዝሓዘት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብፍታው ተገዛኢ ምዃን ማለት እዩ።—ኤፌ. 4:8

19. ብኸመይ ኢና በረኸት ክንረክብ እንኽእል፧

19 ካብቶም “ውህበት” ሰብኡት፡ እቶም ተወከልቲ ምልእቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀኑ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ይርከብዎም እዮም። (ግብ. 15:2, 6) ብዛዕባ መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ኣብቲ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ዚፍረደና ፍርዲ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። (ማቴ. 25:34-40) ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ በረኸት እንረኽበሉ መገዲ፡ ንቕቡኣት ኣምላኽ ብምድጋፍ እዩ።

20. (ሀ) ቀንዲ ሓላፍነት እቶም “ውህበት” ሰብኡት እንታይ እዩ፧ (ለ) ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ከም እነማስዎም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

20 እቶም “ውህበት” ሰብኡት፡ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ገየሽቲ ሓለውትን ሽማግለታት ጉባኤን ዜጠቓልሉ እዮም። (ግብ. 20:28) ቀንዲ ሓላፍነት እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም፡ “ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ” ምህናጽ እዩ። (ኤፌ. 4:13) ሓቂ እዩ፡ ንሳቶም እውን ከማና ዘይፍጹማት እዮም። ኰይኑ ግን፡ ንፍቕራዊ ጕስነቶም ከነማስወሉ ኸለና ንባረኽ ኢና።—እብ. 13:7, 17

21. ንወዲ ኣምላኽ ብህጹጽ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ክርስቶስ ነዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። ን“ብዙሓት ሰብ” ናብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ኪመርሖም ብኣምላኽ ስለ እተመዘዘ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ህይወትና ኣብ ኢዱ ኽትከውን እያ። (ራእ. 7:9, 16, 17) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ብመንፈስ የሆዋ ዚምራሕ ንጉስ ብፍታውን ብሞሳን ምእንቲ ኽንግዛእ፡ ዚከኣለና ንግበር።

ካብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት እንታይ ተማሂርካ፧

ኢሳይያስ 11:1-5

ማርቆስ 1:40, 41

ግብሪ ሃዋርያት 10:42

ዘፍጥረት 22:18

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንጓል ያኢሮስ ምስ ኣተንስኣ፡ ርሕራሐኡ ተራእየ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት ይመርሖ ኣሎ