ትዝክሮዶ፧
ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-
• ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን: ዜፍቅሮ ሰብ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
ንርእስኻን ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራቤትካን ህነጽ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጥሓል። ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ቅሩብ ኩን። እቲ እተፍቅሮ ሰብ ከም ዘይምለስ ጌርካ ብምሕሳብ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንርእስኻ ኣይትዀንን። የሆዋ ንተግሳጽ ብዚምልከት ዝሰርዖ ስርዓት ኣኽብር: ስምዒታትካ ድማ ንፈተውትኻ ግለጽ።—1/9 ገጽ 18-21
• ነተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንምልላይ ዚሕግዘና ቕዱሳት ጽሑፋት ዚህቦ ኽልተ መዳያት እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ወይ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዜጋጥም ፍጻመታት ከም ዚህሉ ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8፣ ሉቃስ 21:11) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣረኣእያታትን ተግባራትን እቶም ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ሰባት ከም ዚቕየር ተዛሪቡ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብቲ እዋን እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚስበኽ ተገሊጹ እዩ።—15/9 ገጽ 4-6
• ሓደ ክርስትያን ማኪና እናዘወረ ኸሎ ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎ እሞ ብሰሪ እዚ ሰብ እንተ ሞይቱ: እታ ጉባኤ እንታይ ሓላፍነት ኣለዋ፧
እቶም ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምርምሩ ሽማግለታት: እቲ መራሕ ማኪና ነቲ ሞት ዘስዓበ ዅነታት ንምቍጽጻር ብዙሕ ኪገብሮ ዚኽእል ስለ ዘይነበረ: ናይ ደም ገበነኛ ኣይኰነን ኢሎም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሰብ ናይ ደም ገበነኛ እንተ ዀይኑ ኸምኡውን እንተ ተነሲሑ ግን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግቡእ መግናሕቲ ይወሃቦ: ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ከይወሃቦ ድማ እገዳ ይግበረሉ።—15/9 ገጽ 30
• ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ እተመርኰሰ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
ህይወት ንምንዋሕ ኢልካ ዚግበር ስነ-ፍልጠታዊ ጻዕርታት ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ዋህዮታት ንርእሶም ዜሐድሱሉ ግዜያት ብምንዋሕ ከምኡውን ነቲ ዝሓመመ ኣካል ሰብ ዚትክእ ሓድሽ ኣካል ብሕክምና ብዚግበር ክሎኒን ጌርካ እዩ ዚግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ ግን እቲ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡሉ እንኮ መገዲ ብበጃ የሱስ ኣቢሉ ጥራይ እዩ።—1/10 ገጽ 3-5
• እቲ ኣይሁድ ነብሶም ዚሕጸቡሉ ዝነበሩ ስርዓት ንክርስትያናዊ ጥምቀት መሰረት ኰይንዎ ድዩ፧
ኣይኰኖን። ኣይሁድ ብገዛእ ርእሶም እዮም ስርዓተ ምንጻህ ዜካይዱ ነይሮም: እዚ ግን ምስቲ ዮሃንስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ጥምቀት ኣይመሳሰልን እዩ። እቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ ምሕጻብ ኪደጋገም ነበሮ: ክርስትያናዊ ጥምቀት ግን ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዚገበር።—15/10 ገጽ 12-13
• ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እንታይ እዩ፧
ሸሞንተ ሰሙን ዚወስድ ኮርስ ኰይኑ: ነቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድለዩሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ዚኽእሉ ንጽል ዝዀኑ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚወሃብ እዩ። ተመሊሶም ድማ ናብታ ዝመጹላ ጉባኤ: ናብ ካልእ ቦታታት ሃገሮም: ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም።—15/11 ገጽ 10-11
• እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:18፣ 4:3 ተጠቒሱ ዘሎ ጸረ ክርስቶስ እንታይ ወይ መን እዩ፧
ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: እታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ቃል ነቶም ንክርስቶስ ዚቃወምዎ ኸምኡውን ብሓሶት ክርስቶስ ወይ ተወከልቱ ምዃኖም ዚዛረቡ እተመልክት እያ። ቃላት የሱስን ዮሃንስን ከም ዚሕብሮ: እቲ ጸረ ክርስቶስ ሃይማኖታዊ ምትላል ብዚዝርግሑን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚቃወሙን ኣጽራረ ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት ዝቘመ ጕጅለ እዩ ዜመልክት።—1/12 ገጽ 4-6