‘ያህ ምድሓን ኰነኒ’
“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”
‘ያህ ምድሓን ኰነኒ’
ህዝቢ የሆዋ ምርጫ ቐረበሎም። ነቲ እኩይ ገዛኢ ጥንታዊት ግብጺ ድዮም ዚእዘዙ፧ ወይስ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምእዛዝ ካብታ ባሮት ዝነበሩላ ሃገር ወጺኦም እዮም ነታ ምድሪ ተስፋ ዚወርስዋ፧
እቲ ደረቐኛ ዝነበረ ፈርኦን ግብጺ ንህዝቢ የሆዋ ነጻ ስለ ዘይሓደጎም ኣምላኽ ኣብታ ምድሪ ዓሰርተ መዓት ኣውረደ። እዚ ድማ ንሓይሉ ብዚግባእ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ኣማልኽቲ ግብጻውያን ነዚ መዓት እዚ ደው ንምባል ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይከኣሉን።
ፈርኦን ንህዝቢ ኣምላኽ ንኺሓድጎም ምስ ተሓተተ: ብምንሻው “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ: ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ” በለ። (ዘጸኣት 5:2) ብሰሪ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ እዚ ዚስዕብ መዓት ወረደ:- (1) ማይ ናብ ደም ተለወጠ፣ (2) ቍርዖብ፣ (3) ጻጹት፣ (4) ጽንጽያ ኸልቢ፣ (5) ንማል ዜጥቅዕ ፌራ፣ (6) ኣብ ሰብን እንስሳታትን ዝወጸ ሕበጥ፣ (7) በረድ እተሓወሶ ዝናም፣ (8) ኣንበጣ፣ (9) ጸልማት፣ ከምኡውን (10) ንወዲ ፈርኦን እውን ሓዊስካ ሞት በዅሪ ግብጻውያን። ኣብ መወዳእታ ፈርኦን ነቶም እብራውያን ንኪኸዱ ሓደጎም። አረ ንኺወጹሉ እውን ሃዊኽዎም እዩ!—ዘጸኣት 12:31, 32
ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ እስራኤላውያን ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከምኡውን ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ቐልጢፎም ካብ ግብጺ ወጹ። (ዘጸኣት 12:37, 38) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን ፈርኦን ምስቲ ዘይድፈር ሰራዊቱ ዀይኑ ኺስዕቦም ጀመረ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም እስራኤላውን ኣብ መንጎ ቐይሕ ባሕርን ኣብቲ ጭው ዝበለ ምድረ በዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈርኦንን ተቐርቂሮም ነበሩ። እንተዀነ ግን: ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሁ: ደው በሉ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርአዩ” በሎም።—ዘጸኣት 14:8-14
የሆዋ እቶም እስራኤላውያን ንኼምልጡ ኢሉ ነቲ ማያት ቀይሕ ባሕሪ መቐሎ። እቶም ግብጻውያን ኪስዕብዎም ምስ ጀመሩ ግን ኣምላኽ ነቲ ማያት ናብቲ ዝነበሮ ኸም ዚምለስ ገበሮ። “[የሆዋ] ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።” (ዘጸኣት 14:26-28፣ 15:4) ስለዚ: ፈርኦን ብትዕቢት ንየሆዋ ምኽባር ምእባዩ ናብ ጥፍኣት መርሖ።
የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ “ተዋጋኢ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ዘጸኣት 15:3) እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ጸብጻብ “እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረአየ እሞ: እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ፈርሁ። ብእግዚኣብሄር . . . ድማ አመኑ” ይብል። (ዘጸኣት 14:31፣ መዝሙር 136:10-15) እቶም ሰብኡት ምስ ሙሴ ሓቢሮም ንየሆዋ ናይ ዓወት መዝሙር ዘመሩ: ሚርያም ሓብቲ ሙሴ ኸኣ ነንስቲ መሪሓተን ሳዕስዐት። a
የሆዋ ሕጂውን መድሓኒ እዩ
እዞም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ዜስደምም መለኮታዊ ምድሓን: እምነቶም ዜደልድል ትምህርቲ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ብቐዳምነት: የሆዋ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ንህዝቡ ኺድግፎም ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ። ሙሴን እስራኤላውያንን ኣብቲ ዝዘመርዎ ናይ ዓወት መዝሙር ብፍናን: “ጐይታይ: የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት: ጐይታይ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ” በሉ።—ዘጸኣት 15:6
ካልኣይ: እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንህዝቡ ንምዕቋብ ዓሚቝ ድሌት ኣለዎ። እስራኤላውያን “እግዚኣብሄር ሓይለይ መዝሙረይን እዩ: ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ: ከኽብሮ እየ” ብምባል ዘመሩ። ሳልሳይ: ንፍቓድ የሆዋ ኣምላኽ ተጻሪሩ ዚዕወት ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። እቶም ሳላ ኣምላኽ ዝደሓኑ ህዝቢ ኣብቲ ብዓወት ዘጸኣት 15:2, 11
ዝዘመርዎ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ: ገባር ተኣምራት: ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” ብምባል ዘሚሮም ነበሩ።—እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መራሕቲ ዓለም ልክዕ ከምቲ ፈርኦን ጥንታዊት ግብጺ ንህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ የውርዱሎም እዮም። አረ ሓድሓደ ትዕቢተኛታት መራሕትስ ‘ኣብቲ ልዑል ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረቡ: ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንትዎም’ ይጽዕሩ ይዀኑ። (ዳንኤል 7:25፣ 11:36) የሆዋ ግን ንህዝቡ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር” ብምባል መረጋገጺ ይህበና።—ኢሳይያስ 54:17
ልክዕ ከምቲ ፈርኦንን ሰራዊቱን ዘይተዓወቱ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዚቃወሙ እውን ኣይኪዕወቱን እዮም። እቲ የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ብምውጻእ ዝገበሮ ምድሓን: ነቲ “ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል ሰዓብቲ የሱስ እተዛረብዎ ስርዓት ምስዓብ ቅኑዕ ምዃኑ ዜርኢ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጥሪ/የካቲት ርአ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ትፈልጥዶ፧
• የሆዋ እቶም እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብንቑጽ መገዲ ምእንቲ ኽሓልፉ ምሉእ ለይቲ ሓያል ንፋስ ኬንፍስ ሓደረ።—ዘጸኣት 14:21, 22
• ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብማእከል ቀይሕ ባሕሪ ንኺሓልፉ ሓደ ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ወይ ድማ ካብኡ ዚሰፍሕ መትረብ የድሊ ነበረ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ግብጺ ነቲ የሆዋ ዘውረዶ ዓሰርተ መዓት ደው ኬብልዎ ኣይከኣሉን
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
All three figurines: Photograph taken by courtesy of the British Museum