ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ

ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ

ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ

ሓንቲ ሰበይትን ሰለስተ ደቃን ካብ ገማግም ደቡባዊ ጃፓን ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። እቶም ኣብዚ ምሕድግ ዝበለን ስርዓት እንዳባ ኣብ ዚስዕቡን ከባቢ ዝነብሩ ጐረባብታ: ከምዛ ዘይረኣይዋ ዀይኖም ኪሓልፍዋ ጀመሩ። “ብዛዕባይ ግዲ ዘይምግባሮም ከይኣክል: ንሰብኣየይን ንደቀይን ገጽ ምኽላኦም ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ” በለት። እንተዀነ ግን: “ምእንቲ የሆዋ ኢልና ነዞም ጐረባብትና ሰላም ምባልና ኽንቅጽል ኣሎና” እናበለት ንደቃ ትነግሮም ነበረት።—ማቴዎስ 5:47, 48

ነቶም ደቃ ኣብ ገዛ ኾፍ ኣቢላ: ዋላ ተቐባልነት ኣይርከቡ እምበር ንሰባት ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ትምህሮም ነበረት። ከምቲ ኣዘውቲሮም ዚገብርዎ: ናብቲ ዚፍልፍል ውዑይ ማይ ዚርከቦ ቦታ ብመኪና ኪኸዱ ኸለዉ ነቲ ኣብ ገዛ እተማህርዎ ብተግባር ኬርእይዎ ጀመሩ። ናብቲ እቲ ቦታ ዚርከበሉ ህንጻ ኺኣትዉ ኸለዉ ብፍሽሑው ገጽ: “ኮኒቺዋ!”—ብጃፓንኛ “ከመዓልኩም፧” ይብሉ ነበሩ። እዞም ስድራቤት: ዋላኳ እቶም ጐረባብቶም ኣይገደሱሎም እምበር: ንዝረኸብዎ ሰብ ሰላም ምባሎም ኣይሓደጉን። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ጽቡቕ ጠባይ እቶም ቈልዑ ኸየስተብሃሉሉ ኣይሓለፉን።

ኣብ መወዳእታ: ካብቶም ጐረባብቶም እተወሰኑ ሰባት: “ኮኒቺዋ!” እናበሉ ነዞም ስድራቤት ኪምልሱሎም ጀመሩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት: ዳርጋ ዅሎም ነበርቲ እታ ኸተማ: ንሰላምታ እዞም ስድራቤት ኪምልሱሉ ጀመሩ። እቶም ነበርቲ እውን ንሓድሕዶም ሰላምታ ኺለዋወጡን ኪቀራረቡን ጀመሩ። እቲ ምክትል ከንቲባ: እዞም ቈልዑ ኣብቲ እተራእየ ለውጢ ዓብዪ ተራ ብምጽዋቶም ክብ ኬብሎም ደለየ። ኣዲኦም ግን ሓደ ክርስትያን ኪገብሮ ዘለዎ ጥራይ ከም ዝገበሩ ነገረቶ። ብድሕርዚ: ሓደ ኻብቶም ቈልዑ: ኣብ ብምልእታ እታ ደሴት ኣብ እተገብረ መደረ ናይ ምቕራብ ውድድር: ዋላ ሰባት ሸለል ይበሉኻ ብዘየገድስ: ብትሕትና ሰላምታ ኸተቕርብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣዲኦም ከም ዝመሃረቶም ገለጸ። በቲ ዘቕረቦ መደረ ቐዳማይ ኰይኑ ተሸለመ: ኣብቲ ናይታ ኸተማ ጋዜጣ ድማ ተሓቲሙ ወጸ። እዞም ስድራቤት: ክርስትያናዊ ስርዓት ስዒቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ፍረ ብምርካቦም ሕጉሳት እዮም። ነቲ ብስራት ብቐሊሉ ኽትቀርቦም ንእትኽእል ሰባት ምክፋል ቀሊል እዩ።