ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰይጣን ድያብሎስ ነቲ ሰባት ዝሓስብዎ ናይ ምፍላጥ ክእለት ኣለዎ ድዩ፧

ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ሰይጣን ኰነ ኣጋንንቱ ንሓሳባትና ናይ ምፍላጥ ክእለት ዘለዎም ኣይመስልን እዩ።

ንሰይጣን እተዋህቦ ገላጺ ስማት እሞ ንርአ። ሰይጣን (ተጻራሪ): ድያብሎስ (መካፍኢ): ተመን (መታለሊ ንዝዀነ ዝውዕል): ፈታኒ: ከምኡውን ሓሳዊ ተባሂሉ ኣሎ። (እዮብ 1:6፣ ማቴዎስ 4:3፣ ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 11:3፣ ራእይ 12:9) ዋላ ሓደ ኻብዚ ገላጺ ስማት እዚ ንሓሳባትና ኽፈልጥ ክእለት ከም ዘለዎ ኣይእምትን እዩ።

ብኣንጻሩ ግን: የሆዋ ኣምላኽ “ንልቢ ዚፍትኖ” ተባሂሉ ኣሎ። (ምሳሌ 17:3፣ 1 ሳሙኤል 16:7፣ 1 ዜና መዋእል 29:17) እብራውያን 4:13 “ኣብ ቅድሚ ዓይኑ [ዓይኒ የሆዋ] ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር: ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን” ትብል። የሆዋ ንየሱስ ልቢ ናይ ምምርማር ክእለት እንተ ሃቦ ኸኣ ዘገርም ኣይኰነን። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ‘ኣነ ልብን ኰላሊትን ክምርምር: ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ’ በለ።​—⁠ራእይ 2:23

ሰይጣን ልብን ኣእምሮን ሰባት ናይ ምምርማር ክእለት ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። እዚ ኸኣ ኣርዚንካ ኽርአ ኣለዎ: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘ውዲት ሰይጣን ከም ዘይስሕትዎ’ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:11) ስለዚ: ሰይጣን ንሕና ፈጺምና ዘይንፈልጦ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት ኣለዎ ኢልና ኽንፈርህ የብልናን።

እዚ ግን እቲ መጻርርትና ድኻምናን ተነቃፊ ጐድንናን ከስተውዕል ኣይክእልን እዩ ማለት ኣይኰነን። ሰይጣን ንሓያሎ ዘመናት ንባህርያት ደቅሰብ ኣጽኒዕዎ እዩ። ባህርይና ኸመይ ምዃኑ ንምፍላጥ: እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኸም እንደሊ ንምዕዛብ: ነቲ እንዛረቦ ነገር ንምስማዕ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ንምርዳእ ሰባት ዝሓስብዎ ነገራት ክፈልጥ ኣየድልዮን እዩ። ኣብ ገጽና ዝንጸባረቕ መግለጽን ኣካላዊ ምንቅስቓስናን እውን ሓሳባትና ወይ ስምዒትና ኽሕብሮ ይኽእል እዩ።

ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ግን ሰይጣን እቲ ኣብ ገነት ኤድን እተጠቕመሉ ሜላታት እዩ ዝጥቀም ዘሎ​—⁠እዚ ድማ ሓሶት: ምትላል: ከምኡውን ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ክርስትያናት: ሰይጣን ሓሳባቶም ከይፈልጦ ኽፈርሁ እኳ እንተ ዘይብሎም: እንታይ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኦም ከእቱ ኸም ዝጽዕር ግን ክጭነቑሉ ይግባእ። ንክርስትያናት “ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰአኑን ሰባት” ክገብሮም እዩ ዝጽዕር። (1 ጢሞቴዎስ 6:5) እምበኣር እዛ ዓለም ብዝብክል ሓበሬታን መዘናግዒን እንተ ተጥለቕለቐት ዘገርም ኣይኰነን። ነዚ ኸቢድ መጥቃዕቲ ንምቅዋሙ: ክርስትያናት “ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ” ብምእታው ኣእምሮኦም ክከላኸሉሉ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:17) ነዚ ድማ ነእምሮኦም ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምምላእን ርኽሰት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኸይትንክፎም ብምጥንቃቕን ክገብርዎ ይኽእሉ።

ሰይጣን ሓያል ጸላኢ እዩ። ይኹን እምበር: ንዕኡ ዀነ ነጋንንቱ ኽንፈርሆም የብልናን። ያእቆብ 4:7 “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ብምባል ተረጋግጸልና። ነዚ ማዕዳ እዚ እንተ ዓዪናሉ: ልክዕ ከም የሱስ: ሰይጣን ኣባና ሓንቲ እኳ ኸም ዘይብሉ ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።​—⁠ዮሃንስ 14:30