ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ እንታይ ኢልካ ኽትሓቶ ምደለኻ፧

ንኣምላኽ እንታይ ኢልካ ኽትሓቶ ምደለኻ፧

ንኣምላኽ እንታይ ኢልካ ኽትሓቶ ምደለኻ፧

ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ ህይወት ከቢድ ሕቶታት ኣለዎም። ንስኻኸ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ኣሎካዶ፧ ሓያሎ ሰባት ሕቶታቶም ንናይ ሃይማኖት መምህራኖም እኳ እንተ ሓተቱ: ዘዕግብ መልሲ ኽረኽቡ ግን ኣይከኣሉን። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ሕቶታት ብውልቆም ኣዕሚቖም ይሓስቡሉ። ገሊኣቶም ከኣ መምርሒ ኽወሃቦም ይጽልዩ። ብዛዕባ ዘይተረድኣካ ነገራት ካብ ኣምላኽ መልሲ ክትረክብ እትኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ክሓትዎ ኻብ ዝደልዩ ገለ ሕቶታት እንሆ።

ኣታ ኣምላኽ: ብሓቂ ንስኻ መን ኢኻ፧

ደቅሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ብባህሊ: ወለዶም ብዝስዕብዎ ሃይማኖት: ምናልባትውን ብምርጫኦም ይጽሎ እዩ። ገሊኣቶም ነቲ ዘምልኽዎ ኣካል ስም ይህብዎ: ገሊኣቶም ግን ኣምላኽ ጥራይ ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ግን ብሓቂ ዘገድስ ድዩ፧ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ስሙን ዝገልጸልና ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ ዘሎ፧

መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብ ግዲ ዘይብሉ ወይ ብዕሉግ ናብራ ዝነብር ብምዃኑ ጥዕናኡ ምስ ዝጕዳእ ወይ ምስ ዝደኪ: በዚ ይማረር ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንምንታይ እዚ ዅሉ ሓሳረ መከራ ኸም ዝመጾ ኣይስሕቶን ይኸውን።

ይኹን እምበር: ብዙሓት ካልኦት ሰባት ብዘይ​ወዓልዎ ነገራት ከቢድ መከራ ይወርዶም እዩ። ገሊኣቶም ሕዱር ሕማም ኣለዎም። ገሊኣቶም ከኣ መጽለልን ንስድራ​ቤቶም ዝኣክል መግብን ንምርካብ ሓርኰትኰት ይብሉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ግዳያት ገበን: ውግእ: ዓመጻ: ባህርያዊ ሓደጋ ይዀኑ: ወይውን ብሰበ⁠-​ስልጣን ፍትሒ ይጠሞም።

ስለዚ ብዙሓት ሰባት ‘ሕማቕ ኵነታት ክሳዕ ክንድዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ መከራ ኽወርድ ስቕ ኢሉ ዝርኢኸ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓተቱ ዘገርም ኣይኰነን።

ንምንታይ ተፈጢረ፧ ዕላማ ህይወትከ እንታይ እዩ፧

እዚ ሕቶታት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዝለዓል: ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ናይ ሓቂ ዕግበት ምስ ዝስእን እዩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ናይ ሓቂ ዕግበት ኣይረኽቡን እዮም ዘለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኻልኦት እውን ኣምላኽ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰኖ እዮም ዝኣምኑ። ብሓቂዶ ኸምኡ እዩ፧ ኣምላኽ ንዓኻ ዝምልከት ፍሉይ ዕላማ እንተ ሃልይዎ: እዚ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ መጻሕፍቲ ብምሉኡ: ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ብንጹር ዝገልጽ ሓደ መጽሓፍ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ዝሓዘ ብምዃኑ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ብዝበዝሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ። እዚ መጽሓፍ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ: መንነቱን ስሙን ባዕሉ ይገልጸልና እዩ። ስሙ ትፈልጦዶ፧ ብዛዕባ ባህርያቱ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ትፈ​ልጥዶ፧ ብዛዕባ እቲ ክትገብሮ ዝደልየካ ነገራት እንታይ ከም ዝብልከ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mountain: Chad Ehlers/Index Stock Photography