ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም የገልግሉ

ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም የገልግሉ

ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም የገልግሉ

“ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ” ከምኡውን “ኣህጉራውያን ወለንተኛታት” ክበሃል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዜኦምን ክእለቶምን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕታምን ንምዝርጋሕን ዘገልግል ህንጻታት ኣብ ምህናጽ እዮም ዘውዕልዎ። ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃበሉ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ኣደራሻትን ኣብ ምህናጽ እውን ይሳተፉ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ 34 ብዙሕ ሃብታማት ዘይኰና ሃገራት ኣብ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት እተዋፈሩ ወለንተኛታት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም ከገልግሉ ኸለዉ እንታይ ጸገማት የጓንፎም: እንታይ ሓጐስከ ይረኽቡ፧ ብዛዕባቲ ዝፍጽምዎ ‘ኣገልግሎትከ’ ከመይ እዩ ዝስምዖም፧ (ራእይ 7:9, 15) መልሲ ናይዚ ንምርካብ: ኣብ መክሲኮ ዘገልግሉ ገለ ወለንተኛታት ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ንርአ።

ኣብ ግንቦት 1992 ወለንተኛታት ንመጀመርታ ግዜ ናብ መክሲኮ መጹ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ንንጥፈታት ናይቶም ኣብ መክሲኮ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣሊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ጀመሩ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ነቶም ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘገልግሉ ክርስትያናት ዝኸውን መንበሪ: ቤት ማሕተም: ከምኡውን ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዝርከቦ 14 ሓድሽ ህንጻታት ምህናጽ ዘጠቓልል ነበረ።

ነዚ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ንምድጋፍ: ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ካናዳ: ከምኡውን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጹ ልዕሊ 730 ዝዀኑ ወለንተኛታት ምስቶም ካብ ኵሉ ዅርናዓት መክሲኮ እተዋጽኡ ወለንተኛታት ሓቢሮም ዓየዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ከባቢ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከባ 1,600 ዝዀና ጉባኤታት ዝካፈሉ ኻብ 28,000 ዝዛይዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ኣብቲ ናይ ህንጸት ዕዮ እጃሞም ኣበርከቱ። ኵላቶም ብፍታዎም ብዘይ​ ገለ ኽፍሊት እዮም ዓዪዮም። ንየሆዋ በዚ ኸምዚ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። እቲ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን: ነቲ ኣብ መዝሙር 127:1 ዝርከብ “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” ዝብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት እዮም ዝዝክሩ ነይሮም።

ዘጋጥሞም ጸገማት

ኣህጉራውያን ወለንተኛታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ከገልግሉ ኸለዉ እንታይ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም፧ ገለ ኻብቲ ባዕላቶም ዝሃብዎ ሓሳባት ስዒቡ ተጠቒሱ ኣሎ። ከርትስን ሳሊን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር እዮም። ኣብ ህንዲ: መክሲኮ: ሩማንያ: ሩስያ: ሰኔጋል: ዛምብያ: ጀርመን ከምኡውን ኣብ ፓራጓይ ኣብ እተገብረ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ከኣ ተሳቲፎም። ከርትስ ብዛዕባዚ ኣገልግሎቱ ኸምዚ በለ:- “መጀመርታ ዝኸበደና ነገር ነታ ፓይነር [ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት] ኰይና እተገልግል ዝነበረት ጓልናን ንጉባኤ ሚነሶታን ገዲፍካ ምኻድ እዩ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ን24 ዓመት ኣብታ ጉባኤ ስለ ዝጸናሕና: ቤትና ዀይና እያ እትስምዓና ነይራ።”

ሳሊ ድማ ከምዚ በለት:- “ኣብ ሓድሽ ሃዋሁ ምንባር ኣጸጋሚ እዩ: ምናልባትውን እዚ ኻብ ንሰብኣይ: ንሰበይቲ የጸግም ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኵነታትና ኸነዐሪ ኸም እንኽእል ተመሃርኩ። ምስ በብዓይነቶም ሓሸራታት ምንባር እውን ከኣልክዎ!” ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ኣብ ሓደ ዓዲ: ዓሰርተ እንኸውን ወለንተኛታት ኣብ ሓንቲ ኽሽነን ክልተ ሽቓቕን ዘለዎ ኣፓርታማ ንነብር ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዝያዳ ትዕግስቲ ኸም ዘድልየኒ ተመሃርኩ” በለት።

ሓድሽ ቋንቋ ምፍላጥ ጻዕርን ትሕትናን ዝሓትት ካልእ ብድሆ እዩ። ምስ በዓል ቤታ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ኣብ እተገብረ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ዘገልገለት ሻሮን ከምዚ በለት:- “ኣብቲ እተገልግለሉ ሃገር ዝዝረብ ቋንቋ ዘይምፍላጥ ሓደ ጸገም እዩ። ፈለማ ስምዒትካ ብንጹር ምግላጽ ስለ ዘጸግመካ: ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምቅርራብ ይኸብደካ። እዚ ኸኣ ዘበሳጩ እዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣብተን እተመደብናለን ሃገራት እንረኽቦም ኣሕዋትና ይዕገሱናን ብዛዕባ ድሕንነትና ይሓልዩን እዮም። ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ ክንረዳዳእ ንጅምር።”

ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ትብዓት ይሓትት

ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ዝመጹ ወለንተኛታት ኣብ ዕዮ ህንጸት ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገብሩ እኳ እንተዀኑ: ብቐዳምነት ግን ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ኣይርስዑን እዮም። ስለዚ: ነቲ እተን ዝምደቡለን ጉባኤታት ዘካይዳኦ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ደገፎም ይህቡ እዮም። ኣብ መክሲኮ: ማላዊ: ናይጀርያ: ከምኡውን ጓደሎፕ ኣብ እተገብረ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ዘገልገሉ ኦኬን ኢንግ⁠-​ማሪን: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሓድሽ ቋንቋ ምግልጋል ትብዓት ከም ዝሓትት ገሊጾም።

ኢንግ⁠-​ማሪ ብዛዕባዚ ኸምዚ ትብል:- “ፈለማ ወትሩ ምስ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸይድ ስለ ዝነበርና ተሳትፎና ድሩት ነበረ: ስለ እንሓፍር ከኣ ወትሩ ንሳቶም እዮም ዝዛረቡ ነይሮም። ሓደ ንግሆ ግን በይንና ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ መደብና። ኣእጋርና እናኣንቀጥቀጠ: ልብና ኸኣ ብሓይሊ እናወቕዐ ኢና ኼድና። በቲ እተዳለኹሉ መእተዊ ገይረ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣዛራረብክዋ። ሓንቲ ጥቕሲ ኣንበብኩላ: ጽሑፍ ድማ ኣበርከትኩላ። ድሕሪኡ እታ ሰበይቲ ‘ሓንቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዘመድ ኣላትኒ። ኣነኸ ኸመይ ገይረ እየ መጽናዕቲ ኽገብር ዝኽእል፧’ ኢላ ሓተተትኒ። ኣዝየ ኻብ ምግራም እተላዕለ ዝብሎ ጠፍኣኒ። ጸኒሐ ግን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምራ ኸም ዝኽእል ገለጽኩላ።”

ኢንግ⁠-​ማሪ ኣስዕብ ኣቢላ “የሆዋ ነቲ ተበግሶናን ሓቂ ንኻልኦት ንምክፋል ዘሎና ባህግን ምስ ባረኾ እተሰምዓኒ ሓጐስ ከምኡውን ንዕኡ ዘሎኒ ሞሳ እሞ ሕስብ ኣብልዎ” በለት። እታ ሰበይቲ ጽቡቕ ዕቤት ብምግባር ኣብቲ ኣብ ከተማ መክሲኮ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ኦኬን ኢንግ⁠-​ማሪን ንኣገልግሎቶም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብሓጺሩ ይገልጽዎ:- “ኣብ እተፈላለየ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ንእተዋህበና ዕዮ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ: ንሓደ ሰብ ሓቂ ንክቕበል ምሕጋዝ ዘምጽኦ ሓጐስን ዕግበትን ግን መወዳድርቲ የብሉን።”

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ

እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ኣሕዋቶም ከገልግሉ ኢሎም ካብ ስድራ​ቤቶምን ፈተውቶምን ተፈልዮም ዝኸዱ ወለንተኛታት መስዋእትታት ዝኸፍሉ እኳ እንተዀኑ ብዙሕ ሓጐስ እውን ይረኽቡ እዮም። እንታይ ሓጐስ እዮም ግን ዝረኽቡ፧

ፓመላ ምስ እትበሃል ብዓልቲ ቤቱ ኣብ መክሲኮ: ኣንጎላ: ኤል ሳልቫዶር: ኤኳዶር: ኮሎምብያ: ጊያና: ከምኡውን ፖርቶ ሪኮ ዘገልገለ ሃዋርድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኺብካ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘሎ ፍቕሪ ብዓይንኻ ምርኣይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባዚ ኣብ ጽሑፋት ነንብብ ኢና: እተፈላለየ ባህልታትን መበቈልን ምስ ዘለዎም ብዙሓት ኣሕዋት ክትራኸብን ምስኦም ከተገልግልን ከሎኻ ግን ነቲ ኽቡር ሕውነት ብዝያዳ ኢኻ እተማስወሉ።”

ኣብ መክሲኮ: ኤኳዶር: ኮሎምብያ: ኮስታ ሪካ: ከምኡውን ዛምብያ ኣብ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ዘገልገለ ጋሪ: እዚ ምድላው እዚ ንዕኡ ብዙሕ ከም ዝጠቐሞ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “እቲ ምስቶም ኣብተን እተመደብኩለን ሃገራት ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዘገልግሉ ብሱላት ኣሕዋት ንሓያሎ ዓመታት ርክብ ብምምስራተይ ዝረኸብክዎ ስልጠና: ነቲ ኣብ ዕዮይ ዘጋጥመኒ ሽግራት ንምስጋር ብዝያዳ ዕጡቕ ክኸውን ኣኽኣለኒ። እቲ ንዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ኻብ ካልእ ፍልይ ዘብላ ሓድነት ንእምነት ዘደልድል እዩ: እዚ ሓድነት እዚ ብቛንቋ: ብዓሌት: ወይ ብባህሊ ዝድረት ኣይኰነን።”

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መክሲኮ ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ህንጸት ተዛዚሙ: እቲ ሓድሽ እተወሰኸ ህንጻታት ከኣ ሎም ዘበን ንየሆዋ ተወፍዩ። ኣህጉራውያን ኣገልገልትን ኣህጉራውያን ወለንተኛታትን በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ኣብ መክሲኮን ኣብ ካልእ ሃገራትን ዘሎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ብፍታው ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ከገልግልዎም ምድላዮም: እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ የማስዉሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኤኳዶር

ኮሎምብያ

ኣንጎላ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መክሲኮ ተወሳኺ ሓድሽ ህንጻታት ክህነጽ ከሎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ታሕቲ:- ገለ ኣባላት ክፍሊ ህንጸት ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ እተሃንጸ ህንጻታት ኰይኖም እተሳእልዎ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ህንጸት ወለንተኛታት ኣብታ እተመደቡላ ጉባኤ ንዕዮ ስብከት ደገፍ ምሃብ የሐጕሶም