ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ሰብ ከይተዛረቦ ድምጺ ኽሰምዕ እንተ ጀሚሩ: ናይ ግድን ኣጋንንቲ የጥቅዕዎ ኣለዉ ማለት ድዩ፧

ኣይኰነን። ኣጋንንቲ በዚ መገዲ እዚ መጥቃዕቲ ዘውርዱ እኳ እንተዀኑ: ሰብ ከይተዛረቦም ድምጺ ዝሰምዑ ወይ ካልእ ክግለጽ ዘይከኣል ዝርብሽ ነገር ዘጋጥሞም ብዙሓት ሰባት እቲ ጠንቂ ናይ ጥዕና ጸገም ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ከይተረፈ: ሓድሓደ ግዜ ኣጋንንቲ ዘውርድዎ መጥቃዕትን ናይ ጥዕና ጸገማትን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ተራእዩ እዩ። ኣብ ማቴዎስ 17:14-18 ብዛዕባ ሓደ የሱስ ዘሕወዮ ወዲ ነንብብ ኢና። እቲ ወዲ ናይ ሕማም ባርያ ምልክታት እኳ እንተ ኣርኣየ: ጠንቂ ናይቲ ጸገም ግን ጋኔን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣቐድም ኣቢሉ ኻብቶም እተፈላለየ ሕማም ዝነበሮም እሞ ንኽፍወሱ ኢሎም ናብ የሱስ ዝመጹ ሰባት ‘ኣጋንንቲ ዘለዉዎምን ሕማም ባርያ ዝለዓሎምን’ ተባሂሎም ኣብ ክልተ ተፈልዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 4:24) ብርግጽ እምበኣር ገለ ኻብቶም ሕማም ባርያ ዝነበሮም ሰባት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኣይነበሩን። የግዳስ ናይ ጥዕና ጸገም እዩ ነይርዎም።

ገሊኣቶም ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ብሓሳቦም ድምጺ ኸም ዝሰምዑ ወይ ዘይባህርያዊ ነገራት ከም ዝስምዖም ዝፍለጥ እዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እዚ ሕማም እዚ ብሕክምና ይፍወስ እዩ። a ካልእ ናይ ጥዕና ጸገማት ናይ ኣእምሮ ምዝንባል ምስ ዘስዕብ እውን ገሊኣቶም ሰባት ብጌጋ በጋንንቲ ዝመጸ ገይሮም ክድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ከይተዛረቦ ድምጺ ምስ ዝሰምዕ ወይ ካልእ ንስምዒት ዝርብሽ ኵነታት ምስ ዘጋጥሞ ኣጋንንቲ ኸጥቅዕዎ ኸም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እቲ ጠንቂ ናይ ጥዕና ጸገም ጥራይ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ክምርመር ምትብባዕ ክወሃቦ ኣለዎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብጸይታ ዝዀነት ንቕሑ! ኣብ ናይ 8 መስከረም 1986 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ነቲ ምስጢር ሕማም ኣእምሮ ምፍታሑ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።