ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልቢ የሆዋ ዘሐጕሱ መንእሰያት

ንልቢ የሆዋ ዘሐጕሱ መንእሰያት

ንልቢ የሆዋ ዘሐጕሱ መንእሰያት

ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።” ​—⁠ምሳሌ 27:11

እዚ ዓንቀጻት ብፍላይ ንመንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ተዳልዩ። ስለዚ: መንእሰያት ዘበልኩም ነዚ ጽሑፍ እዚ ተጠንቂቕኩም ከተጽንዕዎን እዛ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ኣብ ጉባኤ ኽትውሰድ ከላ ብዙሕ ሓሳባት ክትህቡን ነተባብዓኩም።

1, 2. (ሀ) ዓለም ስለ ዝሰሓበትካ ጥራይ ክርስትያን ንኽትከውን ዘይትበቅዕ ዝገብረካ ኸም ዘይኰነ ግለጽ። (ሮሜ 7:21) (ለ) ካብ ኣብነት ኣሳፍ እንታይ ተማሂርካ፧ (ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

 ክዳን ትዕድግ ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ክዳውንቲ እናሓረኻ ኸሎኻ: ዝስሕበካ ኽዳን ትርኢ። እቲ ሕብሩን ኣሰፋፍያኡን ትፈትዎ: ዋግኡ ድማ ዘዋጽኣካ እዩ። ኣጸቢቕካ እንተ ረኣኻዮ ግን እቲ ኽዳን ኣብ ክፋፉ ዝኣረገ: ስፌቱ ኸኣ ጽቡቕ ዘይምዃኑ ትዕዘብ። እቲ ኽዳን ዝስሕብ እኳ እንተዀነ: ብጽቡቕ ግን ኣይተሰፍየን። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኽዳን ገንዘብካ መውጻእካዶ፧

2 ነዚ ዅነታት እዚ ምስቲ ኸም ክርስትያን መንእሰይ መጠን ዘጋጥመካ ዅነታት እስከ ኣወዳድሮ። ፈለማ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኽዳን ዝስሕብ ክመስለካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መማህርትኻ ናብ ዘሐጕስ ትልሂታት ይኸዱ: ሓሽሽ ይወስዱ: ይሰትዩ: ምስ ቃሕ ዝበሎም ኣንጻር ጾታ ይዛወሩ: ቅድሚ ሓዳር ከኣ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣነባብራ ተሳሒብካዶ ትፈልጥ፧ ‘ነዚ ናጽነት ዝብልዎ ሓንሳእ እንተ ዝጥዕሞ’ ኢልካ ተመኒኻዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ እንተ ተሰሚዑካ: ‘ኣነስ ክፉእ ልቢ እዩ ዘሎኒ’ ኢልካ ክርስትያን ክትከውን ዘይትበቅዕ ጌርካ ኣይትወስን። ከመይሲ: እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ንኣምላኽ ከሐጕስ ዝደሊ ሰብ እውን ከይተረፈ ኽትስሕብ ከም እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:10

3. (ሀ) ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ምስዓብ ከንቱ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ ክርስትያን ደድሕሪ ዓለማዊ ነገራት ምጕያይ ብላሽ ምዃኑ ብኸመይ ገለጸት፧

3 ሕጂ ከምቲ ነቲ ኽትዕድጎ ዝሓሰብካ ክዳን ኣጸቢቕካ ዝረኣኻዮ ንዓለም እውን ተጠንቂቕካ መርምራ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ኣገባብ እዚ እንታይ ረብሓ እዩ ዘለዎ፧’ ኢልካ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ” እዩ ዝብለና። (1 ዮሃንስ 2:17) ካብኣ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ብሉጽ ዝበሃል ሓጐስ እውን ግዝያዊ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብዘይ​ፈትዎ መገዲ ምምልላስ ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ። ስለዚ ፈጺሙ ዝጠቅም ኣይኰነን። ሓንቲ በቲ “ብላሽ ዘጥፍኣቶ ንእስነታ እትሳቐ” ክርስትያን: “ዓለም እተብለጭልጭን እትስሕብን ክትመስለኩም ትኽእል እያ። ብዘይ​ ገለ ስቓይ ሓጐስ ክትረኽቡ ኸም እትኽእሉ ድማ ከተእምነኩም ትደሊ እያ። እዚ ግን ዘይከውን እዩ። ዓለም ክትጥቀመልኩም እያ: ተጠቒማ ምስ ኣእከለት ከኣ ክትጕሕፈኩም እያ” በለት። a ከምዚ ኻብ ኰነ: ንምንታይ ደኣ ኢኻ እሞ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብላሽ ኣነባብራ ንእስነትካ እተሕልፍ፧

“ኻብቲ ኽፉእ” ምዕቋብ

4, 5. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ዝለመኖ፧ (ለ) እዚ ልመና እዚኸ ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ኣገባብ እዚ ዝረብሕ ነገር ከም ዘይብሉ ስለ ዝፈልጡ: ፈተውቲ ዓለም ክዀኑ ኣይደልዩን እዮም። (ያእቆብ 4:4) ሓደ ኻብዞም እሙናት መንእሰያት ዲኻ፧ ካባታቶም እንተደኣ ዄንካ ክትነኣድ ይግብኣካ። ሓቂ እዩ: ናይ መዛኑ ጸቕጢ እናተጻወርካ ፍልይ ዝበልካ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኣጆኻ ኣብ ጐድንኻ ሓጋዚ ኣሎካ።

5 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ የሆዋ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ‘ካብቲ ኽፉእ ክሕልዎም’ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:15) የሱስ ከምዚ ኢሉ ዝጸለየሉ እኹል ምኽንያት ነይርዎ። ዕድመ ሰዓብቱ ብዘየገድስ ንጽህንኦም ንኽሕልዉ ዝገብርዎ ጻዕሪ ቐሊል ዘይምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ። ስለምንታይ እዩ ግን ቐሊል ዘይኰነ፧ ፈለማ: ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ሓያል ዘይርአ ጸላኢ ማለት ‘እቲ ኽፉእ’ ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ከጋጥሞም እዩ። ነዚ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጾ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:8

6. ሰይጣን ንንኣሽቱ ኸም ዘየናሕሲ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ: ሰይጣን ኣብ ደቅሰብ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻም ከም ዘሐጕሶ ተራእዩ እዩ። ነቲ ኣብ እዮብን ስድራ​ቤቱን ዘውረዶ ዘሰቅቕ መዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (እዮብ 1:13-19፣ 2:7) ምናልባት እውን ባህርያት ናይዚ ዓማጺ ዝዀነ ሰይጣን ዘንጸባርቕ ዝሰማዕካዮ ዜና ትዝ ይብለካ ይኸውን። ድያብሎስ ዝውሕጦ ደልዩ የድቢ እዩ ዘሎ: ንንኣሽቱ ከኣ ኣየናሕስን እዩ። ኣብ መጀመርታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሄሮድስ ኵሎም ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ዝርከቡ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንክቕተሉ ውዲት ኣለመ። (ማቴዎስ 2:16) ንሄሮድስ ድራኸ ዘሕደረሉ ሰይጣን ክኸውን ኣለዎ። ሰይጣን ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ ሓደ መዓልቲ መሲህ ብምዃን ፍርዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዝፍጽም ሕጻን ንምጥፋእ እዩ። (ዘፍጥረት 3:15) እምበኣር ሰይጣን ንንኣሽቱ ድንጋጽ ከም ዘይብሉ ኢና ርኢና። ንሱ ዝደልዮ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሓት ሰባት ምውሓጥ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ እተደርበየ: “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱ” ኣሎ።​—⁠ራእይ 12:9, 12

7. (ሀ) የሆዋ ኻብ ሰይጣን ፈጺሙ ዝፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ህይወትካ ሓጐስ ብዛዕባ ምርካብ ዝመጸ ኸመይ ይስምዖ፧

7 የሆዋ ግን ከምቲ “ብርቱዕ ቍጥዓ” ዘለዎ ሰይጣን ዘይኰነስ “ርሕሩሕ” እዩ። (ሉቃስ 1:78) ቀንዲ መርኣያ ፍቕሪ እዩ። እዛ ዓባይ ባህርዩ እዚኣ ንፈጣሪና መለለይቱ ስለ ዝዀነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣብ መንጎ እቲ ኣምላኽ እዚ ኣገባብ እዝን ኣብ መንጎ እቲ ንስኻ እተምልኾ ኣምላኽንሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ዘሎ! ሰይጣን ክውሕጥ ክደሊ ኸሎ: የሆዋ ግን “ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ንነፍሲ ወከፍ ህይወት ወድሰብ ክብርቲ ገይሩ እዩ ዝርእያ። ንህይወትካውን ክብርቲ ገይሩ እዩ ዝርእያ። የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ኻብ ዓለም ከይትኸውን ክላበወካ ኸሎ: ሓጐስካ ከጥፍኣልካ ወይ ናጽነትካ ክቕይደካ ኢሉ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 15:19) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብቲ ኽፉእ እዩ ዝሕልወካ ዘሎ። እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ኻብቲ ሓላፊ ደስታ እዛ ዓለም እዚኣ ኣጸቢቑ ዝበልጽ ነገር ክትረክብ እዩ ዝደልየካ። “ናይ ሓቂ ህይወት” ማለት ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ክትረክብ እዩ ባህጉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) የሆዋ ኽትዕወት ይደልየካ እዩ: ናብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ድማ እዩ ዝምሕጸነካ ዘሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣብ ርእሲ እዚውን ፍሉይ ጻውዒት የቕርበልካ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧

‘ንልበይ አሐጕሶ’

8, 9. (ሀ) ንየሆዋ እንታይ ህያብ ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧ (ለ) ካብቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ዅነታት ከም እንዕዘቦ ሰይጣን ንየሆዋ ብኸመይ እዩ ዝጸርፎ ዘሎ፧

8 ንሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ህያብ ዓዲግካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ፈታዊኻ እታ ህያብ ምስ ሃብካዮ ብምግራምን ብሞሳን ገጹ ኽበርህ ከሎኸ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት እውን እንታይ ዓይነት ህያብ ከም እትህቦ ንነዊሕ እዋን ሓሲብካሉ ትኸውን። ሕጂ ‘ንፈጣርየይ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ህያብ ክህቦ እኽእል፧’ ኢልካ እሞ ሕሰብ። ፈለማ እዚ ሓሳብ እዚ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ኽስምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ካብ ሓደ ሰብኣዊ ፍጡር እንታይ ዝደልዮ ነገር ኣለዎ፧ እንታይ ዘይብሉ ነገር ኢኻ እሞ ኽትህቦ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 27:11 “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ብምባል ይምልሰልና።

9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ ኸም እትፈልጦ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ንየሆዋ ዝጸርፎ ዘሎ። ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ዘገልግል ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘይኰነስ ብስስዐ ምዃኑ እዩ ዝኸስስ። ሰባት ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽጥንጥንዎ ምዃኖም እዩ ዝዛረብ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ኣመልኪቱ ሰይጣን ንየሆዋ እንታይ ከም ዝበሎ እስከ ርአ:- “ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ አየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ: ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ: ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን።”​—⁠እዮብ 1:10, 11

10. (ሀ) ሰይጣን ንተኣማንነት እዮብ ጥራይ ኣብ ሕቶ ኸም ዘየእተወ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እዚ ናይ ሉዓላውነት ሕቶ ንዓኻ እውን ዝምልከተካ ብኸመይ እዩ፧

10 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ ዝሕብሮ ሰይጣን ንተኣማንነት እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ ንተኣማንነት ናይ ኵሎም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት እዩ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ። እዚ ንዓኻ እውን ዘጠቓልል እዩ። አረ ብዛዕባ ደቅሰብ ብሓፈሻ ንየሆዋ ኽዛረቦ ከሎስ: እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ዝበለ። (እዮብ 2:4) ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ዘሎካ ግደ ኣስተውዒልካዶ፧ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ተጠቒሱ ዘሎ: የሆዋ ሓደ ነገር ክትህቦ ኸም እትኽእል እዩ ዝገልጽ ዘሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝጸርፎ ዘሎ ሰይጣን መልሲ ንኽህበሉ ኣበርክቶ ምግባር እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ጕዳያት ዝዓቢ ነገር መልሲ ንምሃብ ምስኡ ኽትሓብር እዩ ዝጽውዓካ ዘሎ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ሓላፍነት ኰን እዩ ተዋሂቡካ! ነቲ የሆዋ ኽትገብሮ ዝሓተካ ዘሎ ኽትፍጽሞዶ ትኽእል፧ እዮብ ፈጺምዎ እዩ። (እዮብ 2:9, 10) የሱስን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን እንተላይ መንእሰያት እውን ነዚ ገይሮምዎ እዮም። (ፊልጲ 2:8፣ ራእይ 6:9) ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ማእከላይ ኣቕዋም ክትሕዝ ከም ዘይትኽእል ኣይትስሓቶ። ብተግባራትካ ወይ ነቲ ናይ ሰይጣን ጸርፊ: ወይ ከኣ ነቲ የሆዋ ዝህቦ ምላሽ ከም እትድግፍ ኢኻ እተርኢ። ነየናይ ክትድግፍ ኢኻ እትመርጽ፧

የሆዋ ይሓልየልካ እዩ!

11, 12. እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ወይ ንዘይምግልጋል እትገብሮ ምርጫ ንየሆዋ ስምዒቱ ይትንክፎ ድዩ፧ ግለጽ።

11 እትገብሮ ምርጫ ንየሆዋ ብሓቂ የገድሶ ድዩ፧ ድሮ ብዙሓት ሰባት እሙናት ብምዃኖም ንሰይጣን እኹል መልሲ ኽህቦዶ ኣይከኣለን እዩ፧ ሓቂ እዩ: ድያብሎስ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘገልግሎ ኸም ዘየለ እዩ ኸሲሱ: እዚ ኽሲ እዚ ኸኣ ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ገና ግን የሆዋ ንዓኻ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ስለ ዝሓልየልካ ኣብቲ ናይ ሉዓላውነት ጕዳይ ኣብ ጐድኑ ኽትቀውም እዩ ዝደልየካ። የሱስ “ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ: ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን” በለ።​—⁠ማቴዎስ 18:14

12 እምበኣር: የሆዋ እቲ ንስኻ እትመርጾ መገዲ ኸም ዘገድሶ ንጹር እዩ። አረ የገድሶ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እትገብሮ ምርጫ እውን ይትንከፍ እዩ። የሆዋ በቲ ደቅሰብ ዝገብርዎ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ነገራት ስምዒቱ ኸም ዝትንከፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጸልና። ንኣብነት: እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ምስ ዓለዉ: የሆዋ ‘ጕህዩ’ እዩ። (መዝሙር 78:40, 41) ቅድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እውን ‘ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ምስ በዝሐ: ብልቡ ጐሃየ።’ (ዘፍጥረት 6:5, 6) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። ጌጋ መገዲ እንተ ስዒብካ: ንፈጣሪኻ ኸተጕህዮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ኣምላኽ ድኹም ወይ ብስምዒት ዝምራሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ የፍቅረካን ይሓልየልካን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ከለኻ: ንልቡ ተሐጕሶ። ንሰይጣን ተወሳኺ ምላሽ ዝህበሉ ነገር ስለ ዝረኸበ ጥራይ ዘይኰነስ: ዓስብኻ ኽህበካ ስለ ዝዀነ እዩ ዝሕጐስ። እወ: ወሃብ ዓስቢ ክኸውን እዩ ዝደሊ። (እብራውያን 11:6) ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ እትቐርቦሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፈቃር ኣቦ ዀን እዩ ዝህልወካ!

ሕጂ እትረኽቦ ብዙሕ በረኸት

13. ንየሆዋ ምግልጋል ኣብዚ እዋን እዚ በረኸት ዘምጽእ ብኸመይ እዩ፧

13 ንየሆዋ ምስ እነገልግሎ ኣብ መጻኢ ጥራይ ኣይኰነን በረኸታት ክንረክብ። ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጂውን ከይተረፈ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ እዮም። ከመይሲ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ “ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ።” (መዝሙር 19:8) የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ንዓና ዝጠቕመና እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:17, 18

14. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ብሰንኪ ዕዳ ዝመጽእ ስቓይ ንኸነምልጥ ዝሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትሕሉ: ካብ ብዙሕ ስቓይን ጓህን ኢኻ እተምልጥ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ፍቕሪ ገንዘብ ዘለዎም “ናብ ርእሶም . . . ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ይብለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ገለ ኻብ መዛኑኻ ንሓቅነት ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ሽግር ምስ ኣተዉ ድዮም ፈሊጦምዋ፧ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ሓድሽ ዝመጸ ቕዲ ክዳውንትን ቴክኖሎጂ ዘፍረዮ ኣቝሑን ከጥርዩ ኽብሉ ኣብ ዘይወጹሉ ዕዳ ኣትዮም ኣለዉ። ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልዑል ወለድ ዘለዎ ዕዳ ምስካም: ከቢድ ባርነት እዩ።​—⁠ምሳሌ 22:7

15. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ጾታዊ ርኽሰት ዘምጽኦ መከራ ዘዕቍበካ ብኸመይ እዩ፧

15 ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት እውን ሕስብ ኣብል። ኣብ ዓዓመት ኣብ መላእ ምድሪ ማእለያ ዘይብለን ዘይተመርዓዋ ጐራዙ ይጠንሳ እየን። ገሊኣተን ይወልዳ: እንተዀነ ግን ንኸዕብያኦም ድሌት ኰነ ኽእለት የብለንን። ገሊኣተን ከኣ ነቲ ጥንሲ ይሰዳኦ: በዚ ምኽንያት እዚ ሕልናአን የሳቕየን። ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ድማ በቲ ኸም አይድስ ዝኣመሰለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ይልበዱ ኣለዉ። ሓደ ንየሆዋ ዝፈልጥ ሰብ ነዚ ምስ ዝፍጽም ካብ ኵሉ ንላዕሊ እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እዩ ዝበላሾ። b (ገላትያ 5:19-21) ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዝብል።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:18

ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ምግልጋል

16. (ሀ) የሆዋ ብንእስነትካ ባህ ክብለካ ኸም ዝደሊ ብኸመይ ትፈልጥ፧ (ለ) የሆዋ መምርሒታት ዝህበካ ስለምንታይ እዩ፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ብምባል እዩ ዝገልጾ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ንዓኻውን ክትሕጐስ እዩ ዝደልየካ። አረ ቓሉ እውን “ኣታ ወዲ: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ” እዩ ዝብል። (መክብብ 11:9) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ኣካይዳ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዘስዕቦ ነገራት ይርኢ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል ዝመዓደካ።​—⁠መክብብ 12:1

17, 18. ሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ንየሆዋ ብምግልጋላ ዝረኸበቶ ሓጐስ ብኸመይ ገለጸቶ: ንስኻኸ ተመሳሳሊ ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

17 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት መንእሰያት ንየሆዋ ብምግልጋል ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት: ጓል 15 ዓመት ሊና ኸምዚ በለት:- “ብምትእምማን ርእሰይ ኣቕኒዐ ኽመላለስ እኽእል እየ። ሽጋራ ስለ ዘየትክኽን ሓሽሽ ስለ ዘይወስድን ምሉእ ጥዕና ኣሎኒ። ነቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ሕማቕ ጸቕጥታት ንኽጻወሮ ዘኽእለኒ ጠቓሚ መምርሒታት ብጉባኤ ይወሃበኒ እዩ። በቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦ ሃናጺ ምሕዝነት ገጸይ ብሓጐስ ይበርህ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎኒ።”

18 ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ልክዕ ከም ሊና ምእንቲ እምነቶም ይቃለሱ ኣለዉ: እዚ ኸኣ ሓጐስ የምጽኣሎም ኣሎ። ኣብ ህይወቶም ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ጸገማት ዘጋጥሞም እኳ እንተዀነ: ናይ ሓቂ ዕላማን ተስፋን ከም ዘለዎም ተገንዚቦም እዮም። እምበኣር ነቲ ብሓቂ ዝሓልየልካ የሆዋ ምግልጋል ኣይተቋርጽ። ንልቡ አሐጕሶ: ንሱውን ሕጅን ንዘለኣለምን ከሐጕሰካ እዩ!​—⁠መዝሙር 5:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ሓቂ ህይወተይ መለሰለይ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ሓደ ሰብ ምስ ዝንሳሕ: ካብ ግጉይ መገዱ ምስ ዝምለስ: ከምኡውን ሓጢኣቱ ምስ ዝናዘዝ: የሆዋ ‘ኣዝዩ ይቕረ ዝብል’ ምዃኑ ምፍላጥና ዘጸናንዕ እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 55:7

ትዝክሮዶ፧

• እቲ “ኽፉእ” እተባህለ ሰይጣን እንታይ ሓደጋ ኸምጽኣልካ ይኽእል፧

• ንልቢ የሆዋ ብኸመይ ከተሐጕሶ ትኽእል፧

• የሆዋ ብዛዕባኻ ኸም ዝሓሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕብረካ ብኸመይ እዩ፧

• ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ዝርከብ ገለ በረኸታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ዳርጋ ተዓንቂፉ ዝነበረ ጻድቕ ሰብኣይ

ኣሳፍ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዘገልግል ዝነበረ ውሩይ ሌዋዊ ሙዚቀኛ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣምልኾ ዘገልግል መዝሙራት እውን ከይተረፈ ኣቀናቢሩ እዩ። እዚ ፍሉይ መሰላት ረኺቡ ኽነሱ ግን በቲ እቶም መዛኑኡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ተግባራት ተሳሕበ። ሕግታት ኣምላኽ ጥሒሶም ምንም ጕድኣት ዘይወርዶም መሲሎም ይረኣዩዎ ነበሩ። ጸኒሑ “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል: ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ: ንደፋራት ቀናእኩሎም” ብምባል ተኣመነ።​—⁠መዝሙር 73:2, 3

ኣሳፍ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ከይዱ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጸለየ። መንፈሳዊ ኣረኣእያኡ ስለ እተሓደሰ ኸኣ የሆዋ ኽፍኣት ከም ዝጸልእ: እቶም እኩያት ኰኑ ጻድቃን እውን ኣማስያኡ ዘዝዘርእዎ ኸም ዝዓጽዱ ኣስተውዓለ። (መዝሙር 73:17-20፣ ገላትያ 6:7, 8) ብሓቂ እቶም እኩያት ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ እዮም ዘለዉ። ውዒሉ ሓዲሩ: የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ ከጥፍኦ ኸሎ ኽወድቁ እዮም።​—⁠ራእይ 21:8

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ጽቡቕካ እዩ ዝደሊ: ሰይጣን ግን ክውሕጠካ እዩ ዝደሊ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ መንእሰያት ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ሓቢሮም ንየሆዋ ብምግልጋል ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ