ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስብከት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ኽገድፈልካ ኸሎ

ስብከት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ኽገድፈልካ ኸሎ

ስብከት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ኽገድፈልካ ኸሎ

“መራር ጸሓይ እያ ነይራ። እቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራን መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ብዙሕ ዕንቅፋታት ምስ ሰገርና: ኣብ መወዳእታኡ ኣብታ ኣዝያ ርሒቓ እትርከብ ቍሸት በጻሕና። ኣብታ ናይ መጀመርታ ቤት ኳሕኲሕና ብጽቡቕ ምስ ተቐበሉና ግን እቲ ድኻምና ናብ ሓጐስ ተቐየረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኽሳዕ ዝመሲ ንዅሉ እቲ ሒዝናዮ ዝኸድና ጽሑፋት ኣበርከትናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ንዝደልዩ ሓያሎ ሰባት ድማ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርናሎም። እቶም ሰባት ንኽመሃሩ ሃንቀውታ ኣለዎም። ምስ መሰየ ናብ ቦታና ኽንከይድ ነበረና: ከም እንምለስ ግን ቃል ኣተናሎም።”

ኣብ መክሲኮ ዝርከቡ ሓደ ጕጅለ ፓይነራት ወትሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት የጋጥሞም እዩ። እዞም ፓይነራት እዚኣቶም ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ዝሃቦም መዝነት ኣብ ምፍጻም ብቕንኣት እዮም ዝሳተፉ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ኣብ መክሲኮ ነቲ ንጉባኤ ዘይተመደበን ብተደጋጋሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይበጽሖን ዞባታት ንምሽፋን ናይ ፓይነራት ወፈራ ዝበሃል ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ይካየድ እዩ። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ እዚ ዞባታት እዚ ኣብ ርሑቕን ክትከዶ ኣብ ዘሸግርን ቦታታት እዩ ዝርከብ። ነተን ኣዝዩ ሰፊሕ ዞባ ዘለወን ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝርከባ ጉባኤታት ዞባአን ንኽሽፍና እውን ሓገዝ ይግበረለን እዩ።

ብወፈራ ፓይነራት ኣየናይ ዞባታት ክሽፈን ከም ዘለዎ ንምውሳን: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነየናይ ዞባታት ዓየይቲ ኸም ዘድልዮ ይምርምር። a እዚ ምስ ተገብረ: ነቲ ዞባታት ንምሽፋን ጕጅለታት ፍሉያት ፓይነራት ይምደቡ። ነቲ ሓባጥ ጎባጥ ዝመልኦ ዘይተጸርገ መገዲ ዝዀና ተሽከርከርቲ ድማ ይወሃባኦም። እዘን ተሽከርከርቲ ኸም መኽዘን ናይቲ ጽሑፋት: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ከም መደቀሲ ዀይነን የገልግላ እየን።

ባህ ኢልዎም ዝቕበሉ

ካብ ጥቅምቲ 1996 ኣትሒዙ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ምስቶም ፍሉያት ፓይነራት ሓቢሮም ኣብዚ ወፈራ እዚ ኽካፈሉ ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ኸይዶም ከገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣስፋሕትን ስርዓታውያን ፓይነራትን ኣብቲ ወፈራ ብእተፈላለየ መዳይ ተሳቲፎም እዮም። ገሊኣቶም ነቲ ዞባ ምእንቲ ክከታተልዎን ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምእንቲ ኽሕግዝዎምን ኣብ ጥቓ እቲ ወፈራ ዝግበረሉ ዞባ ዘለዋ ጉባኤታት ተመዲቦም። ብዙሓት መንእሰያት ኣስፋሕትን ፓይነራትን ነዚ ጻውዒት እዚ ብምቕባሎም ኣዝዩ ዘተባብዕ ተመክሮታት ረኺቦም እዮም።

ንኣብነት: ሓደ ኣብ ናይ ሞባይል ተሌፎን ኩባንያ ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ዝነበሮ ኣቢማኤል ዝበሃል መንእሰይ ክርስትያን: ኣብቲ ርሑቕ ቦታታት ኣብ ዝግበር ስብከት ክሳተፍ ወሰነ። እቶም ኣስራሕቱ ስርሑ ኽገድፎ ከም ዝሓሰበ ምስ ፈለጡ: ናይ ስራሕ ዕቤትን ናይ ደሞዝ ወሰኽን ክገብሩሉ ምዃኖም ነገርዎ። መሳርሕቱ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዘይምጥቃም ዕሽነት ምዃኑ ብምግላጽ ጸቕጢ ገበሩሉ። ይኹን እምበር: ነቲ ንሰለስተ ወርሒ ዝግበር ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ንኽድግፍ ቈሪጹ ነበረ። ኣብቲ ቦታ ኸይዱ ብዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ኸኣ: ኣብታ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልይዋ ኣብ ርሑቕ ቦታ እትርከብ ጉባኤ ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሕ መደበ። ኣብዚ እዋን እዚ ሒደት ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ ኣለዎ: ናብራኡ ቐሊል ምግባር ድማ ተማሂሩ እዩ።

ኹሊሳ እትበሃል ሓብቲ ኸኣ ናብቲ እተመደበትሉ ቦታ ንምብጻሕ 22 ሰዓታት ብኣውቶቡስ ክትጐዓዝ ነበራ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይቲ ጕዕዞኣ: በታ መዓልቲ እቲኣ እትኸይድ ናይ መወዳእታ ኣውቶቡስ ኣምለጠታ። ይኹን እምበር: ንሰራሕተኛታት እትወስድ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት ማኪና ረኸበት። ኹሊሳ ብትብዓት ክማልእዋ ሓተተቶም። ልክዕ እዩ: ኣብ መንጎ እቶም ሰብኡት ንሳ በይና ሰበይቲ ብምንባራ ፈሪሃ ነይራ። ንሓደ መንእሰይ ክትሰብከሉ ምስ ጀመረት ግን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ፈለጥት። “ኣብ ርእሲ እዚ” ከምቲ ኹሊሳ ዝበለቶ “እቲ መራሕ ማኪና እውን ናይታ እተመደበትላ ጉባኤ ሽማግለ እዩ ነይሩ!”

ብዕድመ ዝደፍኡ ተሳትፎ ገበሩ

እዚ ንጥፈታት እዚ ንመንእሰያት ጥራይ ኣይነበረን። ኣደላ እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ: ወትሩ ንዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ኽትውፊ ትደሊ ነበረት። ኣብዚ ፍሉይ ናይ ስብከት ንጥፈታት ንኽትካፈል ጻውዒት ምስ ቀረበላ ነቲ እትደልዮ ዝነበረት ኣጋጣሚ ተኸፍተላ። ከምዚ ብምባል ከኣ ስምዒታ ገለጸት:- “እቲ እተመደብኩሉ ቦታ ኣዝየ ስለ ዝፈተኽዎ ነቶም ሽማግለታት ጉባኤ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብኡ ኽጸንሕ ሓተትክዎም። ዕድመ እኳ እንተ ደፋእኩ: ንየሆዋ ብእተወሰነ ኸገልግሎ ስለ ዝኽእል ሕጕስቲ እየ።”

ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ማርታ እትበሃል 60 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓብቲ በቲ ንየሆዋ ዘለዋ ሞሳን ንብጾታ ዘለዋ ፍቕርን ተደሪኻ: ኣብቲ ወፈራ ንኽትሳተፍ ወሰነት። ራሕቂ እቲ ዞባን እቲ መገዲ ኣጸጋሚ ምዃኑን ነቶም ምስኣ ዘገልግሉ ጕጅለ ንዅሎም ሰባት ንኽበጽሕዎም ዕንቅፋት ከም ዝዀኖም ምስ ተዓዘበት: እቶም ፓይነራት ንኽጥቀሙላ ማኪና ዓደገት። እዛ ሓብቲ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብዙሕ ዞባታት ንኽሽፈንን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰባት ንኽበጽሖምን ኣኽኣለ።

ዘሐጕስ ምላሽ

ሸቶ ናይዞም ኣብዚ ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ዝሳተፉ ክርስትያናት ‘ደቀ መዛሙርቲ ምግባር’ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዝዩ ዘሐጕስ ፍረ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ዘድሕን ሓቅታት በጺሕዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀሚሩ። በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ኣስፋሕቲ ወይ በቶም ኣብቲ ዞባ ዝጸንሑ ወንጌላውያን ከኣ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ነቶም ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝርከቡ ኣስፋሕቲ ብምጥርናፍ ጕጅለታት ክቘማ ኸለዋ: ኣብ ገሊኡ ኸኣ ንኣሽቱ ጉባኤታት ቈይመን እየን።

ሓደ እዋን ማግዳሌኖን ብጾቱን ናብቲ እተመደቡሉ ርሑቕ ቦታ ንምብጻሕ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተጠቕሙ። ናብኡ ክኸዱ ኸለዉ በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ነቲ መራሕ ማኪና መስከሩሉ። ማግዳሌኖ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ናብ ቤቱ ኸም ዝመጹ ነገረና። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ: ኣባላት ስድራ​ቤቱ ነቲ ዝሰምዕዎ ነገርዎ። ንሕና ድማ ካብቲ ኸባቢ ዘይምዃንና የግዳስ ነቲ ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ንምድጋፍ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ናይታ ሃገር ከም ዝመጻእናን ኵላትና ብወጻኢታትና ኸም እንጐዓዝን ነገርናዮ። እቲ መራሕ ማኪና በዚ ስለ እተደነቐ: በታ ሰሙን እቲኣ ንሱን ስድራ​ቤቱን መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃሩ ኸም ዝጅምሩ ነገረና። ናይቲ ጕዕዞ ዋጋ ስለ ዘየኽፈለና ኸኣ ንዕዮና ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።”

ማግዳሌኖ በቶም ኣብ ቺያፓስ ዝነብሩ ደቀባት ዘርኣይዎ ምላሽ እውን ተደኒቑ እዩ። “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ንኣባላት ናይ ፕረስባይተርያን ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝዀኑ 26 መንእሰያት እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋር መሰል ረኺብና ኢና። ኵላቶም ን30 ደቒቕ ጽን ኢሎም ሰምዑና። መጽሓፍ ቅዱሶም ስለ ዘምጽኡ ኸኣ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ሰፊሕ ምስክርነት ክንህቦም ከኣልና። መብዛሕትኦም ካብቶም ሰባት ብቛንቋ ትዘልታል ናይ ብሕቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም።” ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ብምጅማር ቅልጡፍ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ።

እቲ ዝነበረ ምጽራር ሃድአ

ገለ ኻብቶም ኣብ ቺያፓስ ዝርከቡ ኣብ ሓደ ቝሸት ዝነብሩ ሰባት ተጻረርቲ ብምዃኖም ንልዕሊ ኽልተ ዓመት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይበጽሖምን። ተሬሳ እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ቝሸት እቲኣ ምስባኽ ከም ዘፍርሆም ኣስተውዓለት። ዘጋጠማ ድማ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “እቲ ዘገርም ከኣ እቶም ሰባት ክሰምዑ ፍቓደኛታት ምዃኖም እዩ። ስብከትና ምስ ወዳእና ብርቱዕ ማይ ወቕዐ። መዕቀሊ ስለ ዝደለና ኸኣ ናብ ቤት እንዳ ሓደ ሰባስትያን ዝበሃል ምቕሉል ሰብኣይ ገጽና ከድና: ንሱውን ናብ ቤቱ ኽንኣቱን ካብቲ ዝናም ከነዕቅልን ኣፍቀደልና። ድሕርዚ ነዚ ሰብኣይ እዚ ምብጻሕ ተገይሩሉ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። ከም ዘይተገብረሉ ምስ ነገረኒ: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብል መጽሓፍ ገይረ ኽምስክረሉ ጀመርኩ: ከጽንዕ ድማ ጀመረ። b ዝርርብና ምስ ወዳእና: ሰባስትያን ዓይኑ ቕጽርጽር እናበለ ካልእ መዓልቲ መጺእና ኽንምህሮ ለመነና።”

ካልኦት ናብ ቺያፓስ ዝኸዱ ጕጅለ ፓይነራት ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ሃቡ:- “ሳላ የሆዋ ጽቡቕ ፍረ ረኺብና ኢና። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን 27 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመርና: ኣብታ ኻልአይቲ ሰሙን ከኣ ነቶም ሰባት እታ ዘ ባይብል​—⁠ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ ዘርእስታ ቪድዮ ኽርእይዋ ዓደምናዮም። ስሳ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ኵላቶም ከኣ ፈትዮምዋ። ኣብ መወዳእታ ብጕጅለ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ሓሳብ ኣቕረብናሎም። እቲ ዘገርም ከኣ ኣብታ ቝሸት ክልተ ጕጅለታት ቈማ።

“ነቲ እተመደበልና ዞባታት ሸፊንና ምስ ወዳእና: ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ንምትብባዕን ነቲ ብጕጅለ ዝግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምርኣይን ናብታ ቝሸት ተመለስና። ናብ ህዝባዊ ኣኼባን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ክመጹ ዓደምናዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣኼባ ዝኣክል ቦታ ኣይተረኽበን። እቲ ብጕጅለ መጽናዕቲ ንኽገብሩ ቤቱ ዝፈቐደ ውልቀ⁠-​ሰብ ናብቲ ብሸነኽ ድሕሪት ናይ ገዝኡ ዘሎ ቦታ ብምምልካት ‘እቲ ኣኼባታት ኣብቲ ብድሕሪት ዘሎ ቐጽሪ ገዛይ ክግበር ይከኣል እዩ’ በለና።”

ቀዳመ⁠-​ሰንበት ምስ መጸ እቶም ክበጽሑ ዝመጹ ፓይነራትን እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩን ነቲ ቦታ ንኣኼባ ድሉው ንኽገብርዎ ብሓባር ኰይኖም ዓየዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ 103 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብታ ቝሸት 40 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ።

“ባህ ዘብል ተመክሮ”

እቶም ኣብዚ ናይ ወንጌላዊ ንጥፈታት እተሳተፉ: ካብቲ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም ጥራይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሶም እውን ብዙሕ ተጠቒሞም እዮም። ማሪያ እትበሃል ኣብ ሓደ ኻብዚ ወፈራታት እተኻፈለት መንእሰይ ፓይነር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ስምዒታ ገለጸት:- “ብኽልተ ምኽንያታት ባህ ዘብል ተመክሮ እዩ ነይሩ። እቲ ካብ ስብከት ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ወሰኸ: ናብ የሆዋ ድማ ብዝያዳ ቐረብኩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ሓደ ጎቦ እናደየብና ኸሎና ደኸምና። የሆዋ ክሕግዘና ምስ ለመንናዮ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:29-31 ዝርከብ ‘እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ’ ዝብል ቃላት ኣባና ኽዓዪ ረኣናዮ። ስለዚ ኣብቲ ቦታ በጻሕና: ነቶም ብጽቡቕ እተቐበሉና ሰባት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ሓገዝናዮም።”

ካልእ ጓል 17 ዓመት ክላውድያ እትበሃል ፓይነር ድማ ከምዚ በለት:- “ብዙሕ እየ ተጠቒመ። ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ብቕዓት ንኽህልወኒ ኣኽኢሉኒ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ስለ ዘምጽኣለይ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኸውጽእ ሓጊዙኒ። ብመንፈሳዊ እውን ዓብየ እየ። ኣብ ቤትና ኣደይ በይና እያ ዅሉ ነገር እትሰርሖ ነይራ። ሕጂ ግን ዝያዳ ተመክሮ ስለ ዝረኸብኩ: ሓላፍነት ክስምዓኒ ጀሚሩ። ንኣብነት: ዝበልዖ መግቢ ኣዝየ እየ ዘማርጽ ነይረ። ሕጂ ግን ምስ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ተወሃሂደ ኽነብር ስለ ዘሎኒ: ብዛዕባ መግቢ ኣየጕረምርምን እየ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ጽቡቕ ምሕዝነት ንኽምስርት እውን ኣኽኢሉኒ እዩ። ነቲ ዘሎና ዅላትና ንማቐሎ: ንሓድሕድና ኸኣ ንደጋገፍ ኢና።”

ዘሐጕስ ፍረ

እዚ ፍሉይ ጻዕሪ እዚ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧ ክሳዕ መጀመርታ 2002: 28,300 ዝዀኑ ፓይነራት ኣብዚ ናይ ፓይነራት ወፈራ ተሳቲፎም ነይሮም። ልዕሊ 140,000 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም: ኣብ ዕዮ ስብከት ከኣ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም። ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽመሃሩ ምእንቲ ኽሕግዝዎም: ዳርጋ 121,000 መጻሕፍትን 730,000 መጽሔታትን ኣበርኪቶም። ገሊኣቶም ፓይነራት 20 ወይ ካብኡ ዝበዝሑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑሎም ሰባት ምርካብ ልሙድ እዩ።

እቶም ካብዚ ሕያውነት እዚ እተጠቕሙ ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዖኦም ንምብጻሕ እተገብረ ዝያዳ ጻዕሪ የማስዉሉ እዮም። ድኻታት እኳ እንተዀኑ: ነቶም ኣስፋሕቲ ገለ ወፈያ ክቕበልዎም ግዲ እዮም ዝብልዎም። ሓንቲ ስእንቲ ጓል 70 ዓመት ሰበይቲ ነተን ዝበጽሓኣ ፓይነራት ወትሩ ሓደ ነገር ክትህበን ትደሊ ነበረት። እንተ ኣብየናኣ ኸኣ ትበኪ። ኣባላት ሓንቲ ብዙሕ ኣታዊ ዘይብላ ስድራ​ቤት እውን ነቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ‘ደርሆና ነዚ እንቋቝሖ እዚ ንዓኻትኩም ኢላ እያ ወሊዳቶ’ ብምባል ክወስድዎ ግዲ ይብልዎም።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ እዞም ቅኑዓት ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ናይ ሓቂ ሞሳ ዘርእዩ ምዃኖም እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ብእግራ ትጐዓዝ: በዂራ ድማ ኣይትፈልጥን። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ተገዳስነት ዘለዋ ሰበይቲ ኸኣ ብርካ የሕምማ እኳ እንተዀነ: ገያሺ ተዓዛቢ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር ንኽልተ ሰዓት ተጓዒዛ። ገሊኣቶም መሃይም ዝዀኑ ድማ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽጥቀሙ ምንባብን ምጽሓፍን ክመሃሩ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። እቲ ጻዕርታቶም ከኣ ብዙሕ በረኸት እዩ ኣምጺእሎም።

ሉቃስ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሓደ ኻብቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተራእዮ ራእይ ክገልጽ ከሎ “ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፤ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና: እናበለ ይልምኖ ነበረ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ጳውሎስ ነዚ ልመና እዚ ብፍታው ተቐበሎ። ኣብዚ ግዜናውን ኣብቲ ርሑቕ ከባቢታት መክሲኮ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ ብስራት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንምስባኽ ፍቓደኛታት ብምዃን ተመሳሳሊ መንፈስ ኣርእዮም እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 16:9, 10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቅድሚ ቐረባ ዓመታት ልዕሊ 8 ሚእታዊት ኣብ መክሲኮ ዝርከብ ዞባታት ብጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስሩዕ መገዲ ኣይሽፈንን እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝነብሩ ልዕሊ 8,200,000 ዝዀኑ ሰባት ብዙሕ ኣይተሰብከሎምን ማለት እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ መክሲካውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ፍሉይ ናይ ስብከት ወፈራ ተኻፊሎም