ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድራር ጐይታ ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ

ድራር ጐይታ ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ

ድራር ጐይታ ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ

ድራር ጐይታ ንዓኻ ኣገዳስን ነባርን ትርጕም ኣለዎዶ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ: ፈለማ የሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ዝሃቦ ትርጕም ንርአ።

ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስን እቶም 12 ሃዋርያቱን ዓመታዊ በዓል ፋስጋ ንምብዓል ኣብ ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ደርቢ ተኣከቡ። ፋስጋ ምስ ኣብዓሉ እቲ ኸዳዕ ይሁዳ ንየሱስ ንኸትሕዞ ኻብታ ኽፍሊ ወጸ። (ዮሃንስ 13:21, 26-30) የሱስ ነቶም ዝተረፉ 11 ሃዋርያት “መኣዲ [“ድራር:” NW ] ጐይታ” ሰርዓሎም። (1 ቈረንቶስ 11:20) ንሰዓብቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ስለ ዝኣዘዞም: እዚ ኣጋጣሚ እዚ በዓል ዝኽሪ እውን ይበሃል እዩ። ክርስትያናት ከብዕልዎ እተኣዘዙ በዓል እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ጥራይ እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:24

ኣብ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ሓደ ኻብቲ ነታ ዝኽሪ እትብል ቃል ተዋሂብዋ ዘሎ ትርጕም “ኣብ ዓዓመት ወይ እተወሰነ ዝርሕቀቱ ዚግበር በዓል” ዝብል እዩ። ኣብ ሓያሎ ቦታታት ሰባት ንሓደ ኣገዳሲ ሰብ ወይ ነገር ንምዝካር ሓወልቲ ይተኽሉ ወይ ፍልይቲ መዓልቲ ይውስኑ። ስለዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ በታ ዘይትርሳዕ ዕለት እቲኣ እተገብረ ዓብዪ ትርጕም ዝነበሮ ፍጻመታት ንኽዝክሩ ዝሕግዞም ከም መዘከርታ ዘገልግል ድራር እዩ ሰሪዑ። እዚ ናይ ዝኽሪ ድራር እዚ ነቶም ብድሕሪኡ ዘብዕልዎ ወለዶታት በታ ምሸት እቲኣ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ: ብፍላይ ከኣ እንታይ ተምሳል ከም እተጠቕመ ዘዘኻኽሮም እዩ። እምበኣር: እንታይ ተምሳል እዩ ተጠቒሙ: እዚኸ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ በታ ምሸት እቲኣ ማለት ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ እተፈጸመ ነገራት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብለና እስከ ንመርምር።

ቅዱስ ተምሳል

“እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፤ እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ [“ዘመልክት:” NW ] እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ: ኢሉ ሀቦም።”​—⁠ሉቃስ 22:19

የሱስ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ‘እዚ ንስጋይ ዘመልክት እዩ’ ኽብል ከሎ: እቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ነቲ “ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ” ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋኡ ዘመልክት ወይ ናቱ ተምሳል ማለቱ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 6:51) ገሊኣቶም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “እዚ ስጋይ እዩ [ብግሪኽ: ኢስቲን ]” ኢሎም እኳ እንተ ተርጐምዋ: ብታየር እተዳለወ ግሪክ⁠-​ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት እዛ ግሲ እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ “ዘመልክት” ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ። ምምልካት ወይ ተምሳል ምዃን ዝብል ትርጕም ድማ ዝሓዘት እያ።​—⁠ማቴዎስ 26:26 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ

እታ ጽዋእ ወይኒ እውን ተመሳሳሊ ትርጕም ዝሓዘት እያ። ብዛዕባኣ የሱስ ከምዚ በለ:- “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን [“እተመልክት:” NW ] እያ።”​—⁠ሉቃስ 22:20

ኣብቲ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ የሱስ ብዛዕባ እዛ ጽዋእ እዚኣ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ [“ዘመልክት:” NW ] እዩ” በለ። (ማቴዎስ 26:28) የሱስ ነቲ ኣብታ ጽዋእ ዝነበረ ወይኒ ኸም ተምሳል ደሙ እዩ ተጠቒሙሉ። እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ምስቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ዝገዝኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ንእተገብረ “ሓድሽ ኪዳን” መሰረት ኰይኑ እዩ።​—⁠ኤርምያስ 31:31-33፣ ዮሃንስ 14:2, 3፣ 2 ቈረንቶስ 5:5፣ ራእይ 1:5, 6፣ 5:9, 10፣ 20:4, 6

ኣብታ ጽዋእ ዝነበረ ወይኒ “ንሕድገት ሓጢኣት” መሰረት ዝኸውን ዝፈሰሰ ደም የሱስ እውን የመልክት እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ካብኡ ዝሰትዩ ንክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ህይወቱ መዋርስቱ ንክዀኑ መገዲ ይኸፍተሎም። ስለዚ ድማ እዩ እቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም እተወሰኑ ሰባት ጥራይ ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝቐርብ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ።​—⁠ሉቃስ 12:32፣ ኤፌሶን 1:13, 14፣ እብራውያን 9:22፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4

ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይኣተዉ ሰዓብቲ የሱስ ደኣኸ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ እዚኣቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ክገዝኡ ዘይኰኑስ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ዘለዎም ናይ ጐይታ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 21:3, 4) እዞም ‘ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ ለይትን መዓልትን ዘገልግሉ’ እሙናት ዝዀኑ ክርስትያናት “ብዙሓት ሰብ:” ኣብ ድራር ጐይታ ብሞሳ ዝዕዘቡ ብምዃኖም የሐጕሶም እዩ። ካብ ዘረባኦምን ተግባራቶምን “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” ኢሎም ይእውጁ ምህላዎም ክርአ ይከኣል እዩ።​—⁠ራእይ 7:9, 10, 14, 15

ኣብ ከክንደይ እዋን እዩ ኽበዓል ዘለዎ፧

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።”​—⁠ሉቃስ 22:19

ሞት ክርስቶስ ንምዝካር በዓል ዝኽሪ ኣብ ከክንደይ እዋን እዩ ኽበዓል ዘለዎ፧ የሱስ ብዛዕባዚ ፈልዩ ኣይተዛረበን። ይኹን እምበር: ድራር ጐይታ ኣብታ እስራኤላውያን ኣብ ዓዓመት ዘብዕልዋ ዝነበሩ ፋስጋ እትበዓለላ ምሸት ማለት ኣብ 14 ኒሳን ካብ ሰርዐ: ብተመሳሳሊ መገዲ ኽበዓል ምሕላኑ ንጹር እዩ። እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ እዋን ኣብ ዓዓመት የብዕልዎ ነበሩ: ክርስትያናት ከኣ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዝወጹሉ መዓልቲ ኣብ ዓዓመት የብዕልዎ ኣለዉ።​—⁠ዘጸኣት 12:11, 17፣ ሮሜ 5:20, 21

ሓደ ኣገዳሲ እዋን ንምዝካር ኣብ ዓዓመት ምብዓል ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ንኣብነት: ሰብ ሓዳር እተመርዓዉላ ዕለት ከመይ ከም ዘኽብሩ ወይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ታሪኻ ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ ብኸመይ ከም እተብዕል ክንርኢ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓዓመት ኣብታ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመትላ ዕለት እዩ ዝበዓል። እቲ ዘገርም ከኣ ድሕሪ ክርስቶስ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሞት የሱስ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ብ14 ኒሳን የብዕሉ ብምንባሮም ንብዙሕ እዋን ኳርቶደሲማንስ ማለት “ዓሰርተ ኣርባዕታውያን” ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ።

ዘይተሓላለኸ ግን ከኣ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ

ሃዋርያ ጳውሎስ ድራር ጐይታ ምብዓል ንደቀ መዛሙርቱ ብቐጻሊ ‘ሞት ጐይታ ኽነግሩ’ ኸም ዘኽእሎም ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 11:26) ስለዚ: እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ኣብቲ የሱስ ብሞቱ ኣቢሉ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣገዳሲ ግደ ዘተኵር እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን: የሆዋ ኣምላኽ ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ ከምኡውን ጻድቕ ሉዓላዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። የሱስ ከም ኣዳም ብዘይ​ምዃኑ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጥታት እውን ከይተረፈ ወድሰብ ንኣምላኽ እሙን ክኸውን ከም ዝኽእል ብምርግጋጽ ንኽሲ ሰይጣን መልሲ ሃበሉ።​—⁠እዮብ 2:4, 5

ድራር ጐይታ ነታ የሱስ ዘንጸባረቓ ርእሰ⁠-​መስዋ​እታዊት ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ እንዝክረሉ ግዜ እውን እዩ። ከቢድ ፈተና እኳ እንተ ወረዶ: ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ተኣዚዙ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ነቲ ዓብዪ ዋጋ ሓጢኣት ኣዳም ንምሽፋን ክጥቀመላ ኸኣለ። ከምቲ የሱስ ባዕሉ ዝገለጾ: “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” እዩ መጺኡ። (ማቴዎስ 20:28) ስለዚ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ዅሎም ምስቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ብምስምማዕ ሓጢኣቶም ክሕደገሎምን ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።​—⁠ሮሜ 5:6, 8, 12, 18, 19፣ 6:23፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6 a

እዚ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ንድሕነት ደቅሰብ ምድላው ክገብር ከሎ ዘርኣዮ ለውሃትን ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ እዩ ዘጕልሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።”​—⁠1 ዮሃንስ 4:9, 10

እወ: በዓል ዝኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ዘደንቕ በዓል ኰን እዩ! ዘይተሓላለኸ ብምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ክበዓል ዝከኣል ጥራይ ዘይኰነስ: ንነዊሕ እዋን ኣገዳሲ መዘከርታ ዀይኑ ክቕጽል ዝኽእል ተምሳል እውን እዩ።

ንዓኻ ዘለዎ ትርጕም

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መስዋእታዊ ሞት ምእንቲ ኽመውት: ንሱን የሆዋ ኣቦኡን ዓብዪ ነገር ክኸፍሉ ኣድልይዎም እዩ። እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ከማና መዋቲ ኣይነበረን። (ሮሜ 5:12፣ እብራውያን 7:26) ከምቲ ዝነበሮ ዀይኑ ንዘለኣለም ብህይወት ክቕጽል ይኽእል ነይሩ። ንሱ ኸይፈቐደ ህይወቱ ብሓይሊ እውን እንተዀነ ኽወስድዋ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። ከመይሲ ብዛዕባ ህይወቱ ኣመልኪቱ “ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር: ካባይ ዚወስዳስ የልቦን” ኢሉ እዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:18

ኰይኑ ግን የሱስ “ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር: ንሱውን ድያብሎስ እዩ: ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ” ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ሰውኣ። (እብራውያን 2:​14, 15) የሱስ ዘንጸባረቓ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ ኣብቲ ንኽመውት ፍቓደኛ ዝዀነሉ መገዲ እውን ተራእያ እያ። ብዙሕ ስቓይ ከም ዝወርዶን ከም ዝመውትን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 17:22፣ 20:​17-19

በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘርኣየና ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ እውን የዘኻኽረና እዩ። የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ የሱስ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ክልምን ከሎ: ብዘሰቅቕ መገዲ ኽገርፍዎ ኸለዉ: ክሽንክርዎ ኸለዉ: ከምኡውን ብዙሕ እናተሳቐየ ኽመውት ከሎ ነቲ “ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን” እተባህለሉ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣጨኒቕዎ ክኸውን ኣለዎ። (ያእቆብ 5:11፣ እብራውያን 5:7፣ ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:7, 8) ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ብዛዕባኡ ኽትሓስብ ከሎኻ ጥራይ እኳ ስምዒታዊ ስቓይ የምጽኣልካ እዩ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ: የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ዋጋ እዮም ከፊሎሙልና! (ሮሜ 3:23) ሓጢኣትናን ዘይፍጽምናናን መዓልታዊ እንርእዮ ነገር እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምግባር ኣምላኽ ይቕረ ንኽብለልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ብትብዓትን ብጽሩይ ሕልናን ንኽንቀርቦ የኽእለና። (እብራውያን 4:14-16፣ 9:13, 14) ኣብ ርእሲ እዚ: ንዘለኣለም ኣብ ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ኽህልወና ይኽእል። (ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 21:3, 4) እዝን ካልእ ብዙሕ በረኸታትን ክርከብ እተኻእለ የሱስ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ ብምንጽብራቑ እዩ።

ንድራር ጐይታ ሞሳ ምርኣይ

ድራር ጐይታ ዘደንቕ መርኣያ ናይቲ “ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ” ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ብናይ የሱስ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊ ፍቕሪ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ምድላው በጅነታዊ መስዋእቲ ንየሱስ ‘ዘይንገር ውህበት’ ክበሃል ይከኣል እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:14, 15) እዚ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ዓሚቝን ቀጻልን ሞሳ ኣየሕደረልካንዶ፧

ሞሳ ኸም ዘሕድረልካ ኣይንጠራጠርን ኢና። እምበኣር: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢርካ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኸተብዕል ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ በዓል ዝኽሪ 16 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኽውዕል እዩ። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ በዓል ዝበዓለሉ ሰዓትን ቦታን ክነግሩኻ ሕጉሳት እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ በጅነት ዝሰፍሐ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

“እዚ ስጋይ እዩ” ድዩ ቕኑዕ “እዚ ንስጋይ ዘመልክት እዩ”፧

የሱስ “እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ” ከምኡውን “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ” ኢሉ ብምዝራቡ: ቃል ብቓሉ ደገ ወይ ወይኒ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዝሓስብ የለን። (ዮሃንስ 10:7፣ 15:1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብተመሳሳሊ: “እዛ ጽዋእ እዚኣ . . . ሓድሽ ኪዳን እያ” ክብል ከሎ: ቃል ብቓሉ እታ ጽዋእ ሓድሽ ኪዳን እያ ኣብ ዝብል መደምደምታ ኣይንበጽሕን ኢና። እቲ እንጌራ ስጋኡ ምዃኑ ኽዛረብ ከሎ እውን ተምሳል ስጋኡ ማለቱ ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጕዳይ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ቻርለስ ቢ. ዊልያምስ ዘዳለዎ ትርጕም “እዚ ንስጋይ ዘመልክት እዩ” ይብል።​—⁠ሉቃስ 22:19, 20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዘይበዅዐ ቕጫን እቲ ወይንን ተምሳል ናይቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ የሱስን ናይቲ ዝፈሰሰ ደሙን እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

በዓል ዝኽሪ ነታ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ዓባይ ፍቕሪ እዩ ዘዘኻኽረና