መበል 20 ዘመን ዘመነ-ሰይጣን ድዩ ነይሩ፧
መበል 20 ዘመን ዘመነ-ሰይጣን ድዩ ነይሩ፧
“ብመጠን እቲ ዝተፈጸመ እከይ ክንርእዮ እንተደኣ ዄንና: እዚ ዘመን እዚ ዘመነ-ሰይጣን እዩ። ደቅሰብ ከምዚ ዘመን እዚ ገይሮም ብሰንኪ ዓሌት: ሃይማኖት ወይ ደርቢ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ክሳዕ ምቕታል ሃነፍነፍ ዝበልሉ ኻልእ ዘመን ፈጺሙ የለን።”
እቶም ኣብ ናይ ናዚ ደምበታት ሞት ተዳጒኖም ዝነበሩ ንጹሃት ሰባት ሓራ ዝወጽእሉ መበል 50 ዝኽሪ ዓመት ምስ ተገብረ: ሓደ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣብታ ናይ 26 ጥሪ 1995 ሕታም ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኽብል ተደረኸ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ካብ እተፈጸመ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት እቲ ንሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ዘጽነተ ቕትለት እዩ። ብዘይካ እዚኣቶም ዳርጋ ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ ዘይኰኑ ዜጋታት ፖላንድ እውን ተቐቲሎም እዮም።
ጆናታን ግሎቨር ኣብታ ሁማኒቲ—አ ሞራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ትወንቲዝ ሰንችሪ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “ካብ 1900 ክሳዕ 1989 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውግእ ዝሞቱ ሰባት 86 ሚልዮን ከም ዝበጽሑ እዩ ዝግመት። እንተዀነ ግን ኣብ መበል 20 ዘመን ብውግእ ዝሞቱ ሰባት ክንድዚ ኢልካ ኽትግምቶ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ጥራይ ክልተ ሲሶ (58 ሚልዮን) ካብ ተቐትሉ: ብውግእ ዝሞቱ ኽንድዚ እዮም ኢልካ ጭቡጥ ገምጋም ከተውጽእ ኣይክኣልን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ እተገመተ ቍጽሪ ኣብቲ ዘመን እቲ ብማዕረ እንተ ዝዝርጋሕ ን90 ዓመታት ዝኣክል ኣብ መመዓልቲ 2, 500 ኣብ ሰሰዓት ከኣ ልዕሊ 100 ሰባት ብዘይምቍራጽ ይሞቱ ነይሮም ማለት እዩ።”
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: መበል 20 ዘመን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ብዙሕ ደም ዝፈሰሰሉ ዘመን ተባህለ። ናዲዥዳ ማንዲለሽታም: ኣብታ ሆፕ ኤገንስት ሆፕ ዘርእስታ መጽሓፋ “ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወድሰብ ዕሽሽ ተባሂሉ ስለ እተረግጸ እከይ ክስዕር ርኢናዮ ኢና” በለት። እንተዀነ ግን ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን እተገብረ ቓልሲ እከይ ብሓቂዶ ስዒሩ እዩ፧
[ምንጪ ስእሊ]
COVER: Mother and daughter: J.R. Ripper/SocialPhotos
[ምንጪ ስእሊ]
U.S. Department of Energy photograph