ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓስቢ ዘይምሕላላ ረኺባ

ዓስቢ ዘይምሕላላ ረኺባ

ዓስቢ ዘይምሕላላ ረኺባ

ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ⁠-​ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ክፈልጥን ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ክነብርን ይምነይሉ እዮም። ሓደ ሰብ ህይወቱ ንኣምላኽ ኣብ ምውፋይ ንኽበጽሕ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ብሰናይ ኣኻይዳኦም ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብዝምልከት ኸያሪም እትበሃል ኣብ ሜክሲኮ እትነብር ጐርዞ: ኣብ ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ንኣሕዋት ዝሃበታ ሓጻር ጽሕፍቲ እስከ ንርአ:-

“ሓጐሰይ ከካፍለኩም እፈቱ። እንታይ ይመስኩም: ቅድሚ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ገና ኸይተወለድኩ ኸለኹ: ወለደይ ሓቂ ፈለጡ። ኣደይ ኣብ ሓቂ ዕቤት ኣርኣየት: ጸኒሑውን ኣነን ሓወይን ኣብ ሓቂ ዕቤት ኣርኣና። ኣቦና ግን ገና ስለ ዝነበረ ናብ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኽመጽእ ሰለስቴና ንጽሊ ነበርና። ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት እዛ ዕለት እዚኣ ንዓና ፍልይቲ መዓልቲ እያ። ኣቦይ ሎሚ ኽጥመቕ እዩ። ነዛ ንነዊሕ እዋን እተጸበናያ መዓልቲ ቕድሚ ምርኣይና የሆዋ መወዳእታ ብዘይ​ምምጽኡ አመስግኖ እየ። ዎ የሆዋ: ምስጋና ይብጻሕካ!”

ኣባላት ስድራ​ቤት እዛ ጐርዞ እዚኣ እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1, 2 ዝርከብ መንፈስ ዝነፈሶ መሰረታዊ ስርዓት ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝዓየዩሉ ኣየጠራጥርን እዩ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ​ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።” ኸያሪም እውን ነቲ ኣብ ዘዳግም 5:⁠16 ዝርከብ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ: ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዝብላ ቃላት ከም እተኣዘዘት ኣየጠራጥርን እዩ። ኸያሪምን ስድራ​ቤታን ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓሎምን ንየሆዋ ብትዕግስቲ ምጽባዮምን በረኸት ከም ዘምጽኣሎም ዘጠራጥር ኣይኰነን።