ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ እተመሃርኩምዎ ግበርዎ

ነቲ እተመሃርኩምዎ ግበርዎ

ነቲ እተመሃርኩምዎ ግበርዎ

“ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:9

1, 2. ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት እቶም ሃይማኖታውያን ኢና ዝብሉ ጽልዋ ይገብርዶ ኣሎ፧ ግለጽ።

 “ሃይማኖት ዘሕድሮ ጽልዋ ኽውስኽ ከሎ: ስነ⁠-​ምግባር ዘሕድሮ ጽልዋ ግን ይንኪ ኣሎ።” እዚ ኣብ ኢመርጂን ትረንድስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝወጸ ኣርእስተ⁠-​ዜና: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እተኻየደ መጽናዕቲ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ብዝሒ ናይቶም ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ወሲኹ ኢዩ: ሃይማኖት ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ ነገር ከም ዝዀነ እውን ይዛረቡ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “እዚ ዘደንቕ ኣሃዛት እኳ እንተ ተረኽበ: ብዙሓት ኣመሪካውያን ግን ሃይማኖት ኣብ ህይወት ወልቀ⁠-​ሰባት ኰነ ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ጽልዋ ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ ብዓይኒ ጥርጣረ ኢዮም ዝርእይዎ።”

2 እዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዘጋጠመ ተርእዮ ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኣምኑሉን ሃይማኖታውያን ከም ዝዀኑን ዝዛረቡ ብዙሓት ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ህይወቶም ጽልዋ ኽህልዎ ኣየፍቅዱሉን ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠5) መራሒ ናይ ሓደ መጽናዕቲ ዝገበሩ ጕጅለ: “ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርና እንርእዮ እኳ እንተ ዀንና: ንኸነንብቦ: ንኸነጽንዖ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኢልና ግዜ ምሕላፍ ግን ተሪፉ ኢዩ” በለ።

3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ይጸልዎም፧ (ለ) ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:⁠9 ዝርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ብኸመይ ኢዮም፧

3 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝረኽብዎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ጠባዮምን ለውጢ ገይሩሎም ኢዩ። ነቲ ዝለብስዎ ሓድሽ ሰብነት ከኣ ካልኦት ሰባት ቀልጢፎም ኢዮም ዘስተውዕልሉ። (ቈሎሴ 3:⁠5-10) ንሰዓብቲ የሱስ መጽሓፍ ቅዱስ ክበሃል ከሎ ኣብ እንዳ መጻሕፍቲ ተቐሚጡ ዶሮና ዝሰቲ መጽሓፍ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” በሎም። (ፊልጲ 4:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ክርስትያናት ንሓቅነት ቃል ኣምላኽ ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ስድራ​ቤት: ኣብ ስራሕ: ኣብ ጉባኤ: ኰታስ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝረኽብዎ ምኽሪ ኸኣ ብቐጻሊ ይዓዩሉ ኢዮም።

4. ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣጸጋሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቀሊል ኣይኰነን። ከመይሲ ኣብዛ ሰይጣን ድያብሎስ ዝቈጻጸራ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና: መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢልዎ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠19) ስለዚ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ንጹሃት ኴንና ንኽንመላለስ ክዓግተና ኻብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧

‘ንምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ሓዞ

5. የሱስ “ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እንታይ ትርጕም ዝሓዘለ ኢዩ፧

5 ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ ኻብ እንኽእል ሓደ መገዲ ኻብ ዘይኣመንቲ ምጽራር እናኣጋጠመና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ምድጋፍ ኢዩ። ጽኑዕ ንምዃን ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ። የሱስ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ [“ብቐጻሊ” NW ] ይስዐበኒ” በለ። (ማቴዎስ 16:24) የሱስ ንሓደ ሰሙን: ንሓደ ወርሒ: ወይ ንሓደ ዓመት ክንስዕቦ ኣይኰነን ተዛሪቡ። የግዳስ “ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ኢዩ ዝበለ። ካብዚ ኣዘራርባኡ: ደቀ መዛሙርቲ ምዃን ክበሃል ከሎ ንእተወሰነ ግዜ ወይ ድማ ሎሚ ውፉይ ኴንካ ጽባሕ እትገድፎ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኢዩ ዝሕብር። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ምድጋፍ ክበሃል ከሎ ዝመጸ እንተ መጸ ኣብቲ ዝመረጽናዮ መገዲ ጸኒዕና ንቕጽል ማለት ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

6. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ጳውሎስ እንታይ ምሳሌ ናይቲ ጥዑይ ቃል ኢዮም እተማህሩ፧

6 ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ” ብምባል ተማሕጺንዎ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ እታ ኣብዚ “ምሳሌ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ ሓደ ሰኣሊ ስእሊ ንምስኣል ንዘውጽኦ ንድፊ ኢያ እተመልክት። እዚ ንድፊ እዚ ደቀቕቲ ነገራት ዝርከቦ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብምስትውዓል ንዝርእዮ ዘበለ ግን ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ስእሊ ይሕብሮ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስን ንኻልኦትን ዝመሃሮም ምሳሌ ናይታ ሓቂ ንነፍሲ ወከፍ ዝለዓል ሕቶ ቐጥታዊ መልሲ ዝህብ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት የሆዋ ኻባታቶም ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኸስተውዕሉ ሓፈሻዊ መምርሒ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንድፊ ዝህብ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ንኣምላኽ ከሐጕሱ እንተ ዀይኖም: ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ እናኣውዓሉ ንምሳሌ ናይቲ ጥዑይ ቃል ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ኣለዎም።

7. ክርስትያናት ንምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል ብኸመይ ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ይኽእሉ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኸም እኒ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ፊሌጦስን ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ምስቲ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ዘይሰማማዕ ኣተሓሳስባ የስፋሕፍሑ ነይሮም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠18-20፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠16, 17) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት በቶም ከሓድቲ መገዶም ንኸይስሕቱ ኽጥንቀቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ብምጽናዕን ኣብ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኢዮም ነዚ ዝገብርዎ። እቶም ነቲ ጳውሎስን ካልኦት እሙናት ደቀ መዛሙርትን ዝገደፉሎም ኣብነት ዝስዕቡ ክርስትያናት ምስቲ እተማህርዎ ምሳሌ ናይቲ ሓቂ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ከለልዩዎን ክነጽግዎን ክኢሎም ኢዮም። (ፊልጲ 3:⁠17፣ እብራውያን 5:⁠14) ‘ብኽትዕን ብዘብእስ ዘረባን ሕማም’ ኣብ ክንዲ ዘምጽኡ: በቲ ቕኑዕ ኣምልኾኦም ንቕድሚት ሰጒሞም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3-6) ንሕናውን ነቲ እተመሃርናዮ ሓቅታት ወትሩ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተ ዄንና: ተመሳሳሊ ኢና እንገብር። ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ንየሆዋ ዘገልግልዎ ሰባት ነቲ እተመሃርዎ ምሳሌ ናይቲ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዖም ከም ዝሓዝዎ ምርኣይስ ክሳዕ ክንደይ እምነት ዘደልድል ኰን ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 1:⁠2-5

‘ንጽውጽዋያት’ ንየው በሎ

8. (ሀ) ሎሚ ሰይጣን ንእምነትና ኸፍርስ ዝጽዕር ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠3, 4 እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

8 ሰይጣን ኣብቲ እተመሃርናዮ ጥርጣረ ብምዝራእ ንንጽህናና ኸበላሹ ይፍትን ኢዩ። ሎሚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝግበር ዝነበረ: ከሓድቲ ዀኑ ኻልኦት ሰባት ንእምነት እቶም ገርህታት ከፍርሱ ህርድግ ኢዮም ዝብሉ። (ገላትያ 2:⁠4፣ 5:⁠7, 8) ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ዕላማታት ህዝቢ የሆዋን ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ጠዋይ ሓበሬታ ወይ ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶት ንምዝርጋሕ መራኸቢ ብዙሓን ይጥቀሙ ኢዮም። ጳውሎስ ገሊኣቶም ካብ ሓቂ ኸም ዝዝንብሉ ኸጠንቅቕ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

9. ጳውሎስ “ጽውጽዋያት” ክብል ከሎ ነየናይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧

9 ገሊኣቶም ንምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል ኣብ ክንዲ ዝሕዙ በቲ “ጽውጽዋያት” ተታሊሎም ኢዮም። እዚ ጽውጽዋያት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ምናልባት ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓቅነቱ ኣብ ዘጠራጥር መጽሓፍ ጦቢት ዝርከብ ናይ ፈጠራ ዛንታታት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ዝኸውን። a ጽውጽዋያት ዝማርኽ በላበለው እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ “ብትምኒት ርእሶም” ስለ እተሳሕቡ በቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ኣቕሊሎም ዝርእዩ ወይ በቶም ኣብታ ማሕበር መሪሕነት ንዘለዎም ሰባት ዝነቕፉ ተታሊሎም ኢዮም። (3 ዮሃንስ 9, 10፣ ይሁዳ 4) መዐንቀፊኦም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ገሊኣቶም ካብ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ንሓሶት መሪጾም ኢዮም። ነዊሕ ከይጸንሑ ነቲ እተማህርዎ ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓል ገደፍዎ: እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ጕድኣት ኣስዓበሎም​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠15, 16

10. ገለ ኻብቲ ኣብዚ ዘመንና ዝርከብ ጽውጽዋያት እንታይ ኢዩ: ዮሃንስ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ዘጕልሐኸ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ንሕናውን ነቲ እንሰምዖን እነንብቦን ነገራት ተጠንቂቕና ንመርጽ እንተደኣ ዄንና: ካብ ጽውጽዋያት ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት የቃልሕ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ምህላዉ ርግጸኛ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ሓሳባት ወይ ኣምላኽ የለን ዝብል እምነት የስፋሕፍሑ ኢዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዘጽንዑ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ኣይኰነን ኢሎም የስተናዕቕዎ። ዘመናውያን ከሓድቲ ድማ እምነት ክርስትያናት ምእንቲ ኸፍርሱ ምጥርጣራት ክዘርኡ ወትሩ ህርድግ ኢዮም ዝብሉ። ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ: ምስዞም ሕጂ ዘለዉ ድማ ዝመሳሰሉ ናይ ሓሶት ነብያት ሓደገኛታት ምዃኖም ክገልጽ ከሎ “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” በለ። (1 ዮሃንስ 4:1) ስለዚ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

11. ብእምነት እንተ ኣሊና እንፍትነሉን እንምርምረሉን ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

11 ኣብዚ መዳይ እዚ ጳውሎስ እውን “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 13:5) ንብምሉኡ ክርስትያናዊ እምነታት ንስዕቦ እንተደኣ ሃሊና: ርእስና ኽንፍትን ኢዩ ዝምሕጸነና ነይሩ። ነቶም ዝደለይዎ ብዘይ​ምርካቦም ዝሓረቑ ሰባት ምስማዕ ባህ ዝብለና እንተደኣ ዀይኑ: ብጸሎት ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። (መዝሙር 139:⁠23, 24) ኣበር ህዝቢ የሆዋ እንኣሪ ሰባት ዲና፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ስለምንታይ፧ ሓደ ክርስትያን ብእተዛረቦ ዘረባ ወይ ብዝገበሮ ግብሪ ተሃሲና ዲና፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ኣብቲ ዅነታት ዘሎና ኣረኣእያ ብሓቂዶ ቅኑዕ ኢዩ፧ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸበባ ግዜያዊ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠17) ኣብ ጉባኤና እውን ገለ ፈተናታት እንተ ኣጋጠመና: ንምንታይ ኢና ንኣምላኽ ምግልጋል እነቋርጽ፧ ሓድሓደ ግዜ ዘሕርቐና ነገር እንተ ኣጋጢሙና: ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ዝከኣለና ድሕሪ ምግባር ኣብ ኢድ የሆዋ ምስ እንገድፎ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧​—⁠መዝሙር 4:⁠4፣ ምሳሌ 3:⁠5, 6፣ ኤፌሶን 4:⁠26

12. ሰብ ቤርያ ሰናይ ኣብነት ዝገደፉልና ብኸመይ ኢዮም፧

12 ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ ምዃን: ነቲ ኻብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን እንረኽቦ ትምህርቲ ጥዑይ ኣረኣእያ ይሃልወና። (1 ቈረንቶስ 2:⁠14, 15) ንቓል ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ምጥርጣር: ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ዝመርመሩ ሰብ ቤርያ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኽህልወናስ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠10, 11) እምበኣር ካብ ጽውጽዋያት ብምርሓቕን ንሓቂ ኣጽኒዕና ብምሓዝን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።

13. ከመይ ጌርና ኢና ብዘይ​ፍላጥ ጽውጽዋያት ከነስፋሕፍሕ እንኽእል፧

13 ካልእ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ጽውጽዋይ እውን ኣሎ። ማእለያ ዘይብሉ ዝምስጥ ዛንታታት ብኢ⁠-​መይል ይዝርጋሕ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ቐንዲ ምንጪ ናይቲ ሓበሬታ ዘይንፈልጦ እንተ ዄንና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ካብ እነኽብሮ ክርስትያን እተላእከልና ተመክሮ ወይ ዛንታ እውን እንተዀነ: እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ነቲ ጕዳይ ዘይፈልጦ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዘይተረጋገጸ ዛንታታት ናብ ካልእ ከይነተሓላልፍ ጥንቃቐ ኽንገብር ዝግባእ። “ርኹስ ጽውጽዋያት” ወይ “ነገር ቅለት” ኸነውሪ ኸም ዘይንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠7ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ) ንሓድሕድና ሓቂ ኽንዛረብ ግዴታ ስለ ዘሎና: ብዘይ​ፍላጥ ሓቅነት ዘይብሉ ነገር ንኸነስፋሕፍሕ ዝገብረና ነገራት ብምውጋድና ጥበባዊ ስጕምቲ ኢና እንወስድ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠25

ብሓቂ ኻብ ምምልላስ ዝርከብ ረብሓታት

14. ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

14 ነቲ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እተመሃርናዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዙሕ ረብሓታት የምጽኣልና ኢዩ። ንኣብነት: ምስቶም ኣመንቲ ብጾትና ዘሎና ርክብ ይመሓየሽ ይኸውን። (ገላትያ 6:⁠10) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ዝንባለና እናተዓረየ ይኸይድ ኢዩ። (መዝሙር 19:⁠8) ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር ንስልሞ:’ እዚውን ንኻልኦት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽስሕቦም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 2:⁠6-10

15. (ሀ) ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርታ ብትብዓት ዝመስከረት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ትምህርቲ ረኺብካ፧

15 ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ተመርኲሶም ዝገበርዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዀነ ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባ ብምእካብ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ መንእሰያት ኣለዉ። እቲ ጽቡቕ ኣካይዳኦም ንመምህራኖም ኰነ ንመማህርቶም ሓያል ምስክርነት ኢዩ ዝህብ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠12) ንሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ለስሊ ዝስማ ጓል 13 ዓመት መንእሰይ ዘጋጠማ እሞ ንርአ። እዛ መንእሰይ እዚኣ ብዛዕባ እምነታ ንመማህርታ ምዝራብ ይኸብዳ ምንባሩ ተኣመነት: ሓደ መዓልቲ ግን እዚ ነገር እዚ ተቐየረ። “ኣብቲ ኽፍልና ብዛዕባ እቶም ኣቓሑኦም ብሓይሊ ኽሸጡልካ ዝፍትኑ ሰባት ምይይጥ ተጀመረ። ሓንቲ ጓል ኢዳ ኣልዒላ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠቐሰት።” ለስሊ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን እንታይ ምላሽ ሃበት፧ “ንእምነተይ ተጣበቕኩላ: ኣዝየ ስቕ በሃሊት ስለ ዝነበርኩ ኸኣ እዚ ንብዙሓት ከም ዘገረሞም ኣይጠራጠርን ኢየ” በለት። እዚ ትብዓታኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ለስሊ ኣስዕብ ኣቢላ “እታ ተማሃሪት ካልእ ሕቶታት እውን ስለ ዝነበራ ሓንቲ ብሮሹርን ትራክትን ኣበርከትኩላ” ብምባል ገለጸት። እቶም ነቲ እተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምምስካር ትብዓት ከጥርዩ ኸለዉስ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝሕጐስ!​—⁠ምሳሌ 27:⁠11፣ እብራውያን 6:⁠10

16. ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንሓንቲ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ዝጠቐማ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ናይ ኤሊዛቤት ተመክሮ እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ጓል ሸውዓተ ዓመት ካብ እትኸውን ኣትሒዛ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ ዓመታት ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ምስ ዝህልዋ ንመምህራና ናብቲ ኣኼባ ኽመጹ ትዕድሞም ነበረት። ሓደ ኻብቶም መምህራና እንተ ዘይመጺኡ: ተማሃሮ ምስ ተፈደሱ ነቲ ኽፍሊ ተቕርበሉ ነበረት። ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ እተመረቐትሉ ዓመት ብዛዕባ እቲ ኻብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ረብሓታት ዝገልጽ ዓሰርተ ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ ጸሓፈት: ነዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣርባዕተ መምህራን ኣቕረበቶ። ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝቐርብ ዝርርብ ክትህብ እውን ተዓደመት: ነዚ ድማ “ኣምላኽ እከይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ መረጸት። ኤሊዛቤት ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝረኽብዎ ስልጠና ተጠቒማ ኢያ። ከምኣ ዝኣመሰሉ ነቲ እተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽኡ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣለዉ።

17, 18. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝህበና፧ (ለ) ሓደ ሰብኣይ በቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘርኣዮ ቅንዕና ውሽጡ እተተንከፈ ብኸመይ ኢዩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ኣብ ኵሉ መዳይ ናብርኦም ሓቀኛታት ክዀኑ ኢዩ ዘተባብዖም። (እብራውያን 13:⁠18 NW ) ምትላል ግን ነቲ ምስ ካልኦት: ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ርክብ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 12:⁠22) ብተኣማንነት ምምልላስ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኸም ዘሎና ዘርኢ መርትዖ ኢዩ: ንብዙሓት ድማ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኽብሮት ንኽሓድሮም ገይርዎም ኢዩ።

18 ንሓደ ፊሊፕ ዝበሃል ወተሃደር ዘጋጠሞ ነገር እሞ ንርአ። ሓደ እዋን መጠን ናይቲ ገንዘብ ዘይተጻሕፎ ግን ከኣ ክታሙ ዘንበረሉ ቸክ ጠፍኦ። እንተዀነ ግን: እታ ቸክ ብጶስጣ ተመሊሳ ኽሳዕ እትመጾ ከምኡ ምግባሩ ኣይፈለጠን። ነታ ቸክ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ረኸባ: ምስኣ ኣብ ዝለኣኸሉ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኸኣ ሃይማኖታዊ እምነቱ ከምዚ ንምግባር ከም ዝደረኾ ገለጸሉ። ፊሊፕ ኣዝዩ ተገረመ። “9,000 ዶላር ከንድየኒ ምኸኣለ ነይሩ!” ድማ በለ። ኣብ ሓደ ኻልእ ኣጋጣሚ ቆብዑ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምስ ተሰርቀቶ ተበሳጭዩ ነይሩ። ብዘይ​ጥርጥር ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኢዩ ወሲድዋ ክኸውን ዘለዎ: ሕጂ ግን ፈጺሙ ዘይፈልጦ ሰብ ኣሽሓት ዶላር ክረኽበላ ዝኽእል ቸክ መለሰሉ! ብርግጽ ሓቀኛታት ክርስትያናት ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ የምጽእሉ ኢዮም!

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓል ኣይተቋርጽ

19, 20. ምስቲ እተመሃርናዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

19 እቶም ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ብዙሕ ረብሓታት ኢዮም ዝረኽቡ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።” (ያእቆብ 1:25) እወ: ምስቲ እንመሃሮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና: ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብን ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ጸቕጥታት ክንጻወሮን ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ በረኸት የሆዋን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ንረክብ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠22፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6

20 እምበኣር ብእተኻእለካ መጠን ተጊህካ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ። ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ ስርዓታዊ ዄንካ ተኣከብ: ናብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝቐርብ ትምህርቲ እውን ኣቕልብ። ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ: ወትሩ ዕየየሉ: ‘ኣምላኽ ሰላም ድማ ምሳኻ ክኸውን ኢዩ።’​—⁠ፊልጲ 4:⁠9

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ጦቢት ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ብዛዕባ ጦብያስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ገይርዎ ዝበሃል ሓተታ መናፍስቲ እትትርኽ መጽሓፍ ኢያ። ብልብን ሓሞትን ጸላም ከብድን ናይ ሓደ ዓብዪ ዓሳ ገይሩ ኽፍውስን ኣጋንንቲ ኽጽውዕን ከም ዝኽእል ይዝረበሉ ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ንኽእል፧

• ነየናይ “ጽውጽዋያት” ኢና እዝኒ ኽንህቦ ዘይብልና፧

• እቶም ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርዎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ እንታይ ረብሓታት ኢዮም ዝረኽቡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብኸሓድቲ መገዶም ንኸይስሕቱ እተጠንቀቑ ብኸመይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምጥርጣር ዝዘርእ ነገራት ብመራኸቢ ብዙሓን: ብኢንተርነት: ከምኡውን ካብ ዘመናውያን ከሓድቲ ኽመጽእ ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

በላበለው ምዝርጋሕ ጥበባዊ ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብዎ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኢዮም