ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ

ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ

ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ

“ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና: . . . እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።”​—⁠2 ጴጥሮስ 1:19

1, 2. እንታይ ኣብነት ናይ ሓሶት መሲሕ ከተዘንቱ ምኸኣልካ፧

 ንዘመናት ዝኣክል ናይ ሓሶት መሲሓት ብዛዕባ ዝመጽእ ክንበዩ ፈቲኖም ኢዮም። ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ንገዛእ ርእሱ ሙሴ ኢሉ ዝጸውዓ ሰብ: ነቶም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝቕመጡ ኣይሁድ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ: ካብ ጭቈና ድማ ከናግፎም ከም ዝኽእል ኣእመኖም። እታ ሓራ ከውጽኣኩም ኢየ ዝበሎም ዕለት ምስ ኣኸለት ደድሕሪኡ እናሰዓቡ ንባሕሪ ሜድትራንያን ኣብ ቅድሚኦም ክጥምትሉ ኣብ ዝኽእሉ በሪኽ ቦታ ደየቡ። ዘሊሎም እንተ​ድኣ ኣትዮም እቲ ባሕሪ ኣብ ክልተ ክምቀል ምዃኑ ነገሮም። ኣብቲ ባሕሪ ዘሊሎም ዝኣተዉ ብዙሓት ሰባት ጠሓሉ: እቲ ናይ ሓሶት ነብዪ እቲ ኸኣ ካብኡ ሃደመ።

2 ኣብ መበል 12 ዘመን ኣብ የመን ሓደ “መሲሕ” ተቐልቀለ። እቲ ከሊፍ ወይ ገዛኢ: መሲሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ምልክት ክህብ ሓተቶ። እዚ “መሲሕ” እዚ በቲ ከሊፍ ክስየፍ ርእይቶ ኣቕረበ። ብቕጽበት ክትንስእ እሞ እዚ ከም ምልክት ኰይኑ ክዓዪ ምዃኑ ኸኣ ተነበየ። እቲ ከሊፍ በዚ ዝቐረበ ሓሳብ እዚ ተሰማምዐ። እዚ ኸኣ መወዳእታ ናይቲ “መሲሕ” ኰነ።

3. እቲ ሓቀኛ መሲሕ መን ኢዩ: ብኣገልግሎቱ ገይሩኸ እንታይ መረጋገጺ ሃበ፧

3 ናይ ሓሶት መሲሓትን ትንቢታቶምን ምሉእ ብምሉእ ፈሺሎም ኢዮም። ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ምቕላብ ግን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዝመርሕ ኣይኰነን። እቲ ሓቀኛ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ናይ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ማቴዎስ: ንትንቢት ኢሳይያስ ብምጥቃስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን: መገዲ ባሕሪ: ማዕዶ ዮርዳኖስ: ገሊላ ኣህዛብ: ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ: ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። የሱስ ካብኡ ነጀው: መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።” (ማቴዎስ 4:⁠15-17፣ ኢሳይያስ 9:⁠1, 2) እቲ “ዓብዪ ብርሃን” የሱስ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሙሴ እተዛረበሉ ብየሆዋ ዝትንስእ ነብዪ ምዃኑ ኸኣ ብኣገልግሎቱ ኣረጋጊጹ ኢዩ። እቶም ንየሱስ ክሰምዕዎ ዘይደልዩ ሰባት ክጠፍኡ ኢዮም።​—⁠ዘዳግም 18:⁠18, 19፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠22, 23

4. የሱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 53:⁠12 ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት ብኸመይ ፈጸሞ፧

4 የሱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 53:⁠12 ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት እውን ፈጺምዎ ኢዩ:- ‘ነፍሱ ንሞት ወፈያ: ምስ በደለኛታት ከኣ ተቘጽረ: ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ: ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።’ የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሰብኣዊ ህይወቱ በጃ ክህብ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: እምነት ደቀ መዛሙርቱ ኣደልደለ። (ማርቆስ 10:⁠45) ነዚ ድማ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ማለት በቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ገይሩ ኢዩ ፈጺምዎ።

እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ እምነት ይሃንጽ

5. ነቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ብናትካ ቓላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

5 እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ትንቢታዊ መልእኽቲ ነይርዎ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ . . . ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 16:⁠27, 28) ገለ ካብቶም ሃዋርያት ንየሱስ ብመንግስቱ ክመጽእ ከሎ ብሓቂ ርእዮምዎዶ ኢዮም፧ ማቴዎስ 17:⁠1-7 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ።” እዝስ ከመይ ዝበለ መሳጢ ትርኢት ኰን ኢዩ ዝነበረ! “ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ: ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ: ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዘራረቡ ተራእይዎም።” ብዘይ​ዚውን “ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም።” ኣምላኽ ባዕሉ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ ሰሚዖምዎ ኢዮም። “ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግ​ምባሮም ተደፍኡ: ብዙሕ ድማ ፈርሁ። የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፤ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን: በሎም።”

6. (ሀ) የሱስ ነቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ: ራእይ ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ናይ ምንታይ መርኣያ ኢዩ ነይሩ፧

6 እዚ ዘደንጹ ፍጻመ እዚ ኣብ ሓደ ካብቲ ጤረራት ናይ ከረን ሄርሞን: ኣብቲ የሱስን እቶም ሰለስተ ሃዋርያትን ዝሓደርሉ ቦታ ኢዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ምልክት ኣብ እዋን ለይቲ ከም እተራእየ ርጉጽ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ፍጻመ ኣዝዩ ህያው ከም ዝኸውን ገበሮ። የሱስ ራእይ ኢሉ ዝጸውዓሉ ሓደ ምኽንያት እቶም ቀደም ዝሞቱ ሙሴን ኤልያስን ቃል ብቓሉ ኣብኡ ስለ ዘይነበሩ ኢዩ። ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ኣብኡ ነይሩ። (ማቴዎስ 17:⁠8, 9) እዚ ዝምስጥ ምርኢት እዚ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ናይቲ የሱስ ብሓይሊ መንግስቱ ዝግለጸሉ ግርማዊ ህላወኡ ተኣምራታዊ መርኣያ ኢዩ ኰይንዎም። ንየሱስ ብመንግስቱ ዝሓብርዎ ቅቡኣት መዋርስቲ ብሙሴን ኤልያስን ኢዮም ዝምሰሉ: እቲ ራእይ ከኣ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቱን መጻኢ ንግስነቱን ዝሃቦ ምስክርነት ዘደልድሎ ኢዩ ነይሩ።

7. ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ህያው ተዘክሮ ከም ዝነበሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

7 እዚ ተኣምራታዊ ምልዋጥ እዚ: ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መሪሕነት ክወስዱ ዝነበሮም ሰለስተ ሃዋርያት እምነቶም ከደልድሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። ኵሉ እቲ ኣብቲ ራእይ ተጠቓሊሉ ዝነበረ ነገራት ማለት እቲ ዘንጸባርቕ ዝነበረ ገጽ ክርስቶስ: እቲ ዘብለጭልጭ ጻዕዳ ክዳውንቱ ከምኡውን የሱስ እቲ ክሰምዕዎ ዘለዎም ሓደ ወዱ ምዃኑ ዝገለጸ ድምጺ የሆዋ ብኣዝዩ ስሉጥ መገዲ ዕላምኡ ወቒዑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሃዋርያት የሱስ ክሳዕ ዝትንስእ ነቲ ራእይ እቲ ንሓደ እኳ ይኹን ክነግሩ ኣይነበሮምን። ድሕሪኡ ገለ 32 ዓመታት ጸኒሑ እውን እዚ ራእይ እዚ ኣብ ኣእምሮ ጴጥሮስ ህያው ኢዩ ነይሩ። ነቲ ተኣምራት እትን ትርጕሙን ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና: ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር: እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፤ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ምስ መጸ: ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ: ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።”​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠16-18

8. (ሀ) እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝኣወጆ ኣዋጅ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ እተራእየ ደበና እንታይ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ፧

8 እቲ ካብ ኵሉ ዘገድስ ዝነበረ ኸኣ እቲ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ኣዋጅ ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብቲ ኵሎም ፍጥረታት ክእዘዝዎ ዘለዎም ብኣምላኽ እተሾመ ንጉስ የሱስ ዘተኰረ ኢዩ። እቲ ኣጐልቢብዎም ዝነበረ ደበና: ፍጻሜ ናይዚ ራእይ እዚ ዘይርአ ምዃኑ ዝሕብር ነበረ። እቶም ‘ንትእምርቲ’ ናይቲ ብሓይሊ መንግስቱ ዝግለጽ ዘይርአ ህላወ የሱስ ዝግንዘብዎ ሰባት ነዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ ብናይ ምርዳእ ኣዒንቶም ጥራይ ኢዮም ዝርእይዎ። (ማቴዎስ 24:⁠3) አረ: እቲ የሱስ ባዕሉ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነቲ ራእይ እቲ ንዋላ ሓደ ከይነግሩ ዝሃቦም መምርሒ: ልዕል ዝብልን ግርማ ዝረክብን ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዝዀነ ዝሕብር ኢዩ።

9. እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ንእምነትና ከደልድሎ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ጴጥሮስ ነቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ምስ ጠቐሰ ከምዚ በለ:- “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና: ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” (2 ጴጥሮስ 1:⁠19-21) እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ: ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ሓቂ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። ከነቕልበሉ ዝግብኣና ነዚ ቓል እዚ ድኣ እምበር ነቲ መለኮታዊ ምንጪ ወይ ስምረት ዘይብሉ “እተጣበብዎ ጽውጽዋያት” ክኸውን የብሉን። እቲ ብዛዕባ ክብሪ የሱስን ሓይሊ መንግስቱን ዝገልጽ ራእይ ፍጻሜኡ ስለ ዝረኸበ እቲ ኣብ ትንቢታዊ ቓል ዘሎና እምነት በቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ እቲ ክድልድል ይግብኦ። እወ: ሎሚ ክርስቶስ ከም ብርቱዕ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ህላወ ስለ ዘሎ ኣሉ ክበሃለሉ ዘይከኣል መርትዖ ኣሎና።

እቲ ኰዀብ ጽባሕ ብኸመይ ከም ዝወጽእ

10. እቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ “ኰዀብ ጽባሕ” መን ወይ እንታይ ኢዩ: ከምኡ ኢልካ እትምልስከ ስለምንታይ ኢኻ፧

10 ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን . . . ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም [ነቲ ትንቢታዊ ቓል] እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” ‘ኰዀብ ጽባሕ’ መን ወይ እንታይ ኢዩ፧ እታ ‘ኰዀብ ጽባሕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ “ደይስታር” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኢያ እትርከብ: ምስቲ “ኰዀብ ወጋሕታ” ዝብል ስያመ ኸኣ ሓደ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ራእይ 22:⁠16 (NW ) ንየሱስ ክርስቶስ “እቲ ብሩህ ኰዀብ ወጋሕታ” ኢላ ትጽውዖ። ኣብ ገለ እተወሰነ ወቕትታት ናይ ሓደ ዓመት ኣብቲ ምብራቓዊ ደረት ትርኢት ዝቕልቀሉ እቶም ናይ መወዳእታ ከዋኽብቲ እዚኣቶም ኢዮም። ቀቅድሚ ጸሓይ ምብራቓ ኢዮም ዝወጹ: በዚ ኸምዚ ድማ ሓዳስ መዓልቲ ክትጅምር ከም ዝቐረበት ይሕብሩ። ጴጥሮስ ነቲ ‘ኰዀብ ጽባሕ’ ዝብል ስያመ እተጠቕመሉ ነቲ የሱስ ናይ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምቕባሉ ዝነበሮ ኵነታት ከመልክት ኢሉ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ንምድርና እውን ሓዊስካ ኣብ ኵሉ ኣድማስ ወጺኡ ኢዩ! ከም መሲሓዊ ኰዀብ ጽባሕ መጠን ንእዙዛት ደቅሰብ ዝወግሓሎም ሓድሽ መዓልቲ ወይ ዘመን ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ።

11. (ሀ) እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:⁠19 ዘሎ ኣገላልጻ: ‘ኰዀብ ጽባሕ’ ዝወጽእ ኣብቲ ቃል ብቓሉ ልቢ ሰባት ኢዩ ዝብል ትርጕም ዘይህልዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ን2 ጴጥሮስ 1:⁠19 ብኸመይ ምገለጽካያ፧

11 ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:⁠19 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ንስጋዊ ልቢ ሰብ ኢዩ ዘመልክት ይብሉ። ናይ ሓደ እኹል ሰብ ልቢ ካብ 250-300 ግራም ጥራይ ኣቢላ ኢያ እትምዘን። ስለዚ እቲ ሕጂ ኣብ ሰማይ ግርማ ዝመልኦ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጥረት ኰይኑ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብዛ ንእሽቶ ክፍሊ ኣካል ሰብ ክወጽእ ዝኽእል፧ (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠16) ርግጽ ኢዩ እዚ ክበሃል ከሎ ምሳልያዊ ልብና ምስዚ ጕዳይ እዚ ርክብ የብሉን ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ናብቲ ትንቢታዊ ቃል ከነቕልብ እንኽእል በዚ ምሳልያዊ ልብና እዚ ገይርና ኢና። እቲ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:⁠19 ደድሕሪ እቲ “ምድሪ ክሳዕ ዝወግሕ ኰዀብ ጽባሕውን ክሳዕ ዝወጽእ” ዝብል ሓረግ ካብተን ኣብታ ቍጽሪ እቲኣ ዘለዋ ቀዳሞት ቃላትን ካብታ “ኣብ ልብኹም” እትብል ሓረግን ክልተ ነጥቢ ገይሩ ፈልይዎ ምህላዉ ኣስተብህል። እዛ ቍጽሪ እዚኣ በዚ መገዲ እዚ ክትግለጽ ይከኣል ኢዩ:- ‘ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፣ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ክሳዕ ዝወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ማለት ኣብ ልብኹም ከም ዘብርህ መብራህቲ ገይ​ርኩም እንተ ኣቕለብኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም።’

12. ብሓፈሻ ኵነታት ልቢ ደቅሰብ ከመይ ኢዩ ዘሎ: ሓቀኛታት ክርስትያናትከ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ፧

12 ብሓፈሻ ኵነታት ናይቲ ምሳ​ልያዊ ልቢ ደቅሰብ ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ ልቦም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዩ ዝርከብ! ሓቀኛታት ክርስትያናት እንተ​ድኣ ዄንና ግን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ልብና መብራህቲ ይበርህ ኣሎ: ከምዚ እንተ ዘይከውን ጸልማት ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ቃላት ጴጥሮስ ተሓቢሩ ዘሎ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ንቑሓት ኰይኖም ወጋሕታ ክበራበሩ ዝኽእሉ ናብቲ ብርሃን ዝህብ ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ብምቕላብ ኢዩ። ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ስጋዊ ልቢ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ፍጥረት ከም ዝወጸ ድማ ይፈልጡ።

13. (ሀ) ኰዀብ ጽባሕ ድሮ ወጺኡ ኢዩ ኢልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ግዜና እተነበዮ ኣጸጋሚ ኵነታት ክጽመምዎ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

13 እቲ ኰዀብ ጽባሕ ድሮ ወጺኡ ኢዩ! ናብቲ የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ እተዛረቦ ዓቢ ትንቢት ብምቕላብ እዚ ኰዀብ እዚ ከም ዝወጸ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሎሚ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓበይቲ ውግኣት: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት ፍጻሜኡ ኣብ ህይወትና ንርእዮ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:⁠3-14) እቲ የሱስ እተነበዮ ኣሸጋሪ ኵነታት ንክርስትያናት እውን ይትንክፈና እኳ እንተ​ዀነ: ብሰላምን ብሕጉስ ልብን ክንጽመም ክኢልና ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ነቕልብ ኢና: እቲ ንመጻኢ ኣተስፍይዎ ዘሎ ነገራት ከም ዝፍጸም ከኣ እምነት ኣሎና። ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ስለ ዘሎና ኣብ ድርኵዂት ሰናይ ዘመን ከም እንርከብ ንፈልጥ ኢና! (ዳንኤል 12:⁠4) ዓለም ኣብቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠2 ብትንቢት እተዘርበሉ ተስፋ ዘይብሉ ኣጸጋሚ ኵነታት ኢያ እትርከብ:- “እንሆ: ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም።” ሓደ ሰብ ኣብዚ ጸልማት እዚ ብኸመይ ኢዩ መገዱ ከለሊ ዝኽእል፧ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ቅድሚ ምዃኑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ሕጂ ብትሕትና ከቕልብ ኣለዎ። ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ገጾም ናብቲ ምንጪ ህይወትን ብርሃንን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክመልሱ የድልዮም። (መዝሙር 36:⁠9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠28) ከምዚ ብምግባር ጥራይ ከኣ ኢዩ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሓቂ ብርሃን ክረክብን ነቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣዳልይዎ ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ናይ ምርኣይ ተስፋ ክህልዎን ዝኽእል።​—⁠ራእይ 21:⁠1-5

“ብርሃን ናብ ዓለም መጸ”

14. ፍጻሜ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዘደንቕ ትንቢታት ምእንቲ ክንርኢ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

14 የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ምህላዉ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብሪህዎ ኣሎ። ብ1914 ስልጣን ስለ ዝሓዘ ዘደንቕ ትንቢታት ብሕጂ ክፍጸም ኢዩ። እዚ ክፍጸም ከሎ ምእንቲ ክንርኢ: ብወገንና ካብ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ ሕጂ ብዘይ​ፍላጥ ዝገበርናዮ ግብሪ ሓጢኣትን ኣበሳን ተናሲሕና ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከም ዘሎና እነርኢ ትሑታት ሰባት ክንከውን ኣሎና። እቶም ጸልማት ዘፍቅሩ ሰባት ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይረኽቡ እተረጋገጸ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፤ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ: ሰብ ግና: ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ: ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ: እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ: ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና: ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ: ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ: ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።”​—⁠ዮሃንስ 3:⁠19-21

15. ነቲ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ዘዳለወልና ድሕነት ዕሽሽ እንተ​ድኣ ኢልናዮ እንታይ ኢዩ ዘጋጥመና፧

15 ብየሱስ ኣቢሉ መንፈሳዊ ብርሃን ናብ ዓለም መጺኡ ኢዩ: ህይወት ምእንቲ ክንረክብ ከኣ ክንሰምዖ የድልየና። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።” (እብራውያን 1:⁠1, 2) ነቲ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ዘዳለወልና ድሕነት እንተ​ድኣ ነጺግናዮ እንታይ ኢዩ ዘጋጥመና፧ ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ: ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል: ምስናይዚ ድማ: ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ: ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ: ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ: ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚአክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል: ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና፧” (እብራውያን 2:⁠2-4) እወ: እቲ ዝእወጅ ትንቢታዊ ቓል ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሱስ ዘተኰረ ኢዩ።​—⁠ራእይ 19:⁠10

16. ኣብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢታት ምሉእ እምነት ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ጴጥሮስ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ” በለ። ደቅሰብ ካብ ገዛእ ርእሶም ተበጊሶም ናይ ሓቂ ትንቢት ክንበዩ ኣይክእሉን ኢዮም: ኣብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢታት ግን ምሉእ እምነት ከነሕድር ንኽእል ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዝምንጭ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተነግሩ ትንቢታት ብኸመይ ፍጻሜኦም ይረኽቡ ከም ዘለዉ ንኣገልገልቱ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ክርድኡ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ብሓቂ እኳ ድኣ ካብ 1914 ንነጀው ዝበዝሕ ካብዚ ትንቢታት እዚ ክፍጸም ብምርኣይና ሕጉሳት ኢና። እቲ ብዛዕባ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ እተዛረቦ ዝተረፈ ትንቢታት ኵሉ ከም ዝፍጸም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ኢና። ብርሃንና እናብራህና ኣብቲ መለኮታዊ ትንቢታት ከነቕልብ ኣገዳሲ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠16) የሆዋ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ‘ኣብ ጸልማት ብርሃን ከም ዝወጽኣልና’ ስለ ዝገበረስ ኣየ ክንደይ ኰን ኢና ከነመስግን ዝግብኣና!​—⁠ኢሳይያስ 58:⁠10

17. ካብ ኣምላኽ መንፈሳዊ ብርሃን ክንረክብ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ናይ ጸሓይ ብርሃን ክንርኢ የኽእለና። ንመግብና ዝኸውን እተፈላለየ ዓይነት እኽሊ ከም ዝበቍል ይገብር። ብዘይ​ ናይ ጸሓይ ብርሃን ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርሃንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ መምርሒ ይህበና: ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ ብዛዕባ መጻኢ ከም እንርኢ ይገብረና። (መዝሙር 119:⁠105) የሆዋ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ‘ብርሃኑን ሓቁን ይልእኽ።’ (መዝሙር 43:⁠3) ብርግጽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምድላው መማሰውቲ ምዃንና ከነርኢ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር እዚ “ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ” ዝዀነ ብርሃን ኣብቲ ምሳልያዊ ልብና በሪሁ መሊሱ ከም ዘንጸባርቕ ንምግባር ብዝከኣለና መጠን ንጽዓር።​—2 ቈረንቶስ 4:6፣ ኤፌሶን 1:⁠18

18. እቲ ናይ የሆዋ ኰዀብ ጽባሕ ሕጂ እንታይ ክገብር ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ፧

18 እቲ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ኵሉ ኣድማስ ምስ ወጸ እሞ ነቲ ዘደንቕ ተኣምራታዊ ናይ ምልዋጥ ራእይ ከኣ ክፍጽሞ ምስ ጀመረ ኣየ ክንደይ ኰን ኢና እተባረኽና! እቲ ተኣምራታዊ ትርኢት ተወሳኺ ፍጻሜ ንኽረክብ ኣብታ ‘ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓባይ መዓልቲ ውግእ:’ ዕላማ ኣምላኽ ንኽፍጽም እቲ ናይ የሆዋ ኰዀብ ጽባሕ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 16:⁠14, 16) እዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ምስ ተጸርገ: የሆዋ ነቲ እተመባጽዖ ‘ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን’ ክፍጽሞ ከሎ ክንርእዮ ኢና፣ ኣብኡ ኸኣ ንዘለኣለም ከም ሉዓላዊ ጐይታ ናይ ኣድማስን ኣምላኽ ናይ ሓቀኛ ትንቢትን መጠን ክንውድሶ ክንክእል ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እታ ዓባይ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ እትመጽእ ግን ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብምቕላብ በቲ መለኮታዊ ብርሃን ምምልላስና ንቐጽል።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ነቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ የሱስ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

• እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ: እምነት ክሃንጽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• እቲ ናይ የሆዋ ኰዀብ ጽባሕ መን ወይ እንታይ ኢዩ: መዓስከ ኢዩ ወጺኡ፧

• ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ከነቕልብ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንትርጕም ናይቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኰዀብ ጽባሕ ድሮ ወጺኡ ኣሎ። ብኸመይን መዓስን ከም ዝወጸ ትፈልጥዶ፧