ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓያል ድራኸ ይሃሉኻ

ሓያል ድራኸ ይሃሉኻ

ሓያል ድራኸ ይሃሉኻ

“ሽጋራ ምትኻኽ ደው ንዘበሉ ሰባት ቀንዲ ዝሓገዞም ነገር፡ ቈራጽነት ምግባሮም እዩ።”—“ስቶፕ ስሞኪንግ ናው!”

ብሓጺሩ፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ከተብል እንተ ደሊኻ፡ ሓያል ድራኸ ኺህልወካ ኣለዎ። እሞ ደኣ ንድራኸኻ ብኸመይ ከተሐይሎ ትኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው እንተ ኣቢልካ፡ ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚመሓየሽ ሕሰብ።

ገንዘብካ ትቝጥብ። ኣብ መዓልቲ፡ ፓኮ ሽጋራ ዜትክኽ ሰብ፡ ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸር ገንዘብ የውጽእ። “ኣብ ትምባኾ ኽሳዕ ክንደይ ገንዘብ አጥፍእ ከም ዝነበርኩ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ።”—ጊያኑ፡ ነፓል።

ህይወትካ ይመሓየሽ። “ምትካኽ ደው ምስ ኣበልኩ፡ ህይወተይ ከም ብሓድሽ ጀሚሩ። እናተመሓየሸ ኸኣ ይኸይድ ኣሎ።” (ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ረጂና) ምትካኽ ደው ዘበሉ ሰባት፡ ናይ ምሽታትን ናይ ምጥዓምን ክእለቶም ይመሓየሽ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ዝያዳ ሓይልን ጽቡቕ ትርኢትን ይህልዎም።

ጥዕናኻ ይመሓየሽ። “ኣብ ዝዀነ ዕድመ ዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ምትካኽ ደው ምስ ዜብሉ፡ ብኡብኡ ኣብ ጥዕናኦም ዓብዪ ለውጢ ይርአ እዩ።”—ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

ዝያዳ ርእሰ ምትእምማን ተጥሪ። “ትምባኾ ጐይታይ ኪኸውን ስለ ዘይደለኹ፡ ምትካኽ ደው ኣቢለ። ከመይሲ፡ ጐይታ ርእሰይ ክኸውን እየ ዝደሊ።”—ሀኒንግ፡ ደንማርክ።

ስድራኻን ፈተውትኻን ይረብሑ። “ምትካኽ . . . ንጥዕና ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ይጐድእ እዩ። . . . መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ኻልኦት ዜትክኽዎ ሽጋራ፡ ብመንሽሮ ሳንቡእን ብሕማም ልብን ይሞቱ እዮም።”—ማሕበር ሕማም መንሽሮ ኣመሪካ።

ንፈጣሪኻ ባህ ተብሎ። “ፍቑራተየ፡ . . . ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ‘ንሰብነትኩም ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን ጌርኩም ኣቕርብዎ።’—ሮሜ 12:1

“ኣምላኽ ነቲ ንሰብነት ዜርክስ ነገራት ከም ዘይቅበሎ ምስ ፈለጥኩ፡ ምትካኽ ደው ኣቢለ።”—ሲልቭያ፡ ስጳኛ።

እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድራኸ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓገዝ ካልኦት፡ እንተላይ ሓገዝ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን የድልየና እዩ። እሞኸ፡ ብኸመይ ኪሕግዙና ይኽእሉ፧