ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 2 2017 | ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ትቕበል ዲኻ፧

እንታይ ይመስለካ፧

ኣምላኽ ዝሃበና ብሉጽ ውህበት እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ይብለና።—ዮሃንስ 3:16

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ምእንታና ኺመውት ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ ምዃኑን ነዚ ውህበት እዚ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።

 

ገበር

መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህበት

መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ብዋጋ ዘይሽነንን ነቶም ዚቕበልዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜምጽኣሎምን ውህበት ገሊጹ ኣሎ። ካብዚ ዚዓቢ ዋጋ ዘለዎ ውህበት ኪህሉዶ ይኽእል፧

ገበር

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሓደ ውህበት ኣዝዩ ኽቡር ዚገብሮ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ረቛሒታት እዚ ምሕሳብና ነቲ በጃ ንዘሎና ሞሳ ኼዕብዮ እዩ።

ገበር

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—እንታይ ምላሽ ክትህበሉ ኢኻ፧

እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ እንታይ ክንገብር እያ ትድርኸና፧

ክርስትያን ኣገልገልቲ መውስቦ ኪኽልከሉ ግቡእ ድዩ፧

ገሊአን ሃይማኖታት፡ መራሕቲ ሃይማኖተንን ኣቕሽሽተንን ከይተመርዓዉ ኸም ዚነብሩ ይገብራ እየን። ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ካብ ባርነት ሓራ ምውጻእ—ቀደምን ሎምን

ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባርነት ሓራ ወጺኦም እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሚልዮናት ሰባት ይግፍዑ ኣለዉ።

ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ

ምሃብ ንዓኻን ንኻልኦትን ይጠቅም እዩ። ምትሕብባርን ምሕዝነትን ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። ሕጉስ ወሃቢ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዚኸውን ይገልጽ እዩ። እሞኸ እቲ ዚገልጾ ነገራት ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ዘሎ ነገራት ዚሰማማዕ ድዩ፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኻብ ሓጢኣት ዜድሕን ብኸመይ እዩ፧