ትፈልጥዶ፧
ምኵራብ ብኸመይ ጀሚሩ፧
እታ “ምኵራብ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኣኼባ” ወይ “ምእካብ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ምኵራባት ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣይሁድ ዚምሃሩሉን ኣምልኾኦም ዜካይዱሉን ቦታታት ኣኼባ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ስም እዚ ንዕኡ ዚበቅዕ መጸውዒ እዩ። ምኵራባት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብንጹር ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ፣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እዚ መአከቢ ቦታታት ዝውቱር ምንባሩ ግና፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ምኵራባት ካብቲ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዙ ኸም ዝጀመረ እዮም ዚኣምኑ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ምሩኻት ነታ ቤተ መቕደሶም ኪረኽብዋ ይኽእሉ ብዘይምንባሮም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኸኣ ካብ ጭንቆም መጸናንዒ ይደልዩ ብምንባሮም፡ በብግዜኡ፡ ምናልባት ኣብ ሰናብቲ ተኣኪቦም ቅዱሳት ጽሑፋት የንብቡ ነይሮም እዮም።” ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ምስ ኰኑ፡ ኪጽልዩን ቅዱሳት ጽሑፋት ኬንብቡን ኢሎም ኣኼባ ምግባር ቀጸሉ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ዚነብሩሉ ዓድታት እውን ምኵራባት ሰርሑ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ምኵራባት ኣብ ከባቢ መዲተራነያንን ኣብ ብዘሎ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ እስራኤልን ንዚርከቡ ማሕበረሰባት ኣይሁድ፡ ማእከል ሃይማኖታውን ማሕበራውን ህይወቶም ኰይኑ ነይሩ እዩ። ኣብ ናይ የሩሳሌም ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ዜገልግል ፕሮፌሰር ሊ ለቪን ብዛዕባ እቲ ምኵራብ ዚህቦ ኣገልግሎት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንመጽናዕቲ፡ ንቕዱስ መኣዲ፡ ንመጋባእያ ፍርዲ፡ ንመቐመጢ ገንዘብ ማሕበረሰብ፡ ንፖለቲካውን ንማሕበራውን ኣኼባ ዜገልግል ቦታ እዩ ነይሩ” ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ልክዕ እዩ፡ እቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ” ኢሉ እዩ። የሱስ ናብ ምኵራባት ኣዘውቲሩ ይኸይድ ምንባሩ እምበኣር ኬገርመና የብሉን። (ማር. 1:21፣ 6:2፣ ሉቃ. 4:16) ኣብኡ ኸኣ ነቶም ተኣከብቲ ምሂሩን ምዒዱን ኣተባቢዑን እዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ምኵራባት ብዙሕ ሰቢኹ እዩ። ብመንፈሳዊ ነገራት ዚማረኹ ሰባት ናብ ምኵራብ ይኸዱ ነይሮም እዮም፣ ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ናብ ከተማ ምስ ኣተወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈለማ ናብ ምኵራብ ከይዱ ኣብኡ ይሰብኽ ነይሩ እዩ።—ግብ. 17:1, 2፣ 18:4።