ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በጃ—“ፍጹም ውህበት” ኣቦ

በጃ—“ፍጹም ውህበት” ኣቦ

‘ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ኣቦ እዩ።’ —ያእ. 1:17

መዝሙር፦ 20, 15

1. መሰናድዎ በጃ እንታይ በረኸት ኪርከብ እዩ ኣጋጣሚ ኸፊቱ፧

ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ እተረኽበ በረኸት፡ ብዙሕ እዩ። በጃ ጽድቂ ንዜፍቅሩ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ናብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዚጽምበሩሉ መገዲ ኸም ዝኸፈተሎም የዘኻኽረና እዩ። እቲ በጃ ባህ ኢሉና ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእለሉ ኣጋጣሚ እውን ከፊቱልና እዩ። ዕላማ በጃ ክርስቶስ ግና፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ዜሐጕስ መጻኢ ኺህልዎም ምግባር ጥራይ ኣይኰነን። የሱስ ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኣ የሆዋ ደጊፉ ሙማቱ፡ ነቲ ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ዚምልከት ኣገዳሲ ጕዳያት ምላሽ ሂቡሉ እዩ።—እብ. 1:8, 9

2. (ሀ) ኣብ ጸሎት የሱስ እንታይ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 የሱስ፡ ሞይቱ መስዋእታዊ በጃ ቕድሚ ምዃኑ ኽልተ ዓመት ኣቐዲሙ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴ. 6:9, 10) እምበኣር፡ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ምእንቲ ኸነዕቢ፡ እቲ በጃ ምስ ምቕዳስ ስም ኣምላኽን ምስ ኣገዛዝኣ መንግስቲ ኣምላኽን ምስ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽን ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ንመርምር።

“ስምካ ይቀደስ”

3. ስም የሆዋ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ ሰይጣን ነቲ ቕዱስ ስም ዘካፍኦ ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት፡ ፈለማ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ እዩ ለሚኑ። ስም የሆዋ፡ ንብሉጽነቱን ንግርማውነቱ ንቕድስናኡን ብሓፈሻ ዘጠቓለለ እዩ። የሱስ ኣብ ካልእ ጸሎቱ ንየሆዋ፡ “ቅዱስ ኣቦ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃ. 17:11) የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኵሉ ስርዓታቱን ሕግታቱን ቅዱስ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ገነት ኤደን፡ ሰይጣን ብጕርሒ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ስርዓት ኪሰርዓሎም ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ብምዝራብ ከኣ፡ ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ኣካፍኦ።—ዘፍ. 3:1-5

4. የሱስ ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ እጃሙ ዘበርከተ ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ግና፡ ንስም የሆዋ ብሓቂ ይፈትዎ እዩ። (ዮሃ. 17:25, 26) ኣብ ምቕዳስ እቲ መለኮታዊ ስም እውን እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። (መዝሙር 40:8-10 ኣንብብ።) የሱስ ኣብ ምድሪ እተመላለሶ ፍጹም ህይወት ከኣ፡ የሆዋ ንመስተውዓልቲ ፍጡራቱ ስርዓት ኪሰርዓሎም ከም ዚኽእልን ከምኡ ምግባሩ ቕኑዕ ከም ዝዀነን ኣረጋጊጹ እዩ። ሰይጣን ንየሱስ ዜሳቒ ሞት ከም ዚመውት እኳ እንተ ገበሮ፡ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ እሙን ኰይኑ እዩ። እሙን ብምዃኑ ድማ፡ ፍጹም ሰብ ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጹ እዩ።

5. ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ንስም የሆዋ ኸም እንፈትዎ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብኣካይዳና ኢና ኸነርኢ እንኽእል። የሆዋ ቕዱሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ንየሆዋ ጥራይ ከነምልኾን ብምሉእ ልብና ንዕኡ ኽንእዘዞን ኣሎና ማለት እዩ። መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ እውን፡ ብጽድቃዊ ስርዓታቱን ሕግታቱን ክንመላለስ ጻዕሪ ንገብር ኢና። ግብርታት ጽድቂ እናገበርና ብርሃንና ብምብራህ፡ ንስም የሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና። (ማቴ. 5:14-16) ከም ቅዱሳት ህዝቢ መጠን ከኣ፡ ብኣነባብራና ሕግታት የሆዋ ሰናይን ቅኑዕን ምዃኑ፡ ክስታት ሰይጣን ድማ ሓሶት ምዃኑ ነርኢ ኢና። ክንጋገ ኸለና፡ ካብ ልብና ተነሲሕና ነቲ ንየሆዋ ዜሕስር ተግባራት ምግባር ንሓድጎ ኢና።—መዝ. 79:9

6. ዘይፍጹማት ክነስና፡ የሆዋ ኼጽድቐና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 የሆዋ፡ ብመሰረት መስዋእቲ ክርስቶስ ንሓጢኣት እቶም ዚኣምኑ ይቕረ ይብል እዩ። ነቶም ርእሶም ንዕኡ ዝወፈዩ ዘበሉ ድማ ኣምለኽቱ ገይሩ ይቕበሎም እዩ። የሆዋ ንቕቡኣት ክርስትያናት ከም ደቁ፡ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ከም ፈተውቱ ገይሩ ኣጽዲቕዎም እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ሮሜ 5:1, 2፣ ያእ. 2:21-25) ስለዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሳላ በጃ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ጽድቃዊ ኣቕዋም ኪህልወናን ኣብ ምቕዳስ ስሙ እጃምና ኸነበርክትን ክኢልና ኢና።

“መንግስትኻ ትምጻእ”

7. ሳላ እቲ በጃ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ በረኸት እንታይ እዩ፧

7 የሱስ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሉ ለሚኑ እዩ። እሞኸ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ በጃ እንታይ ምትእስሳር ኣለዋ፧ እቲ በጃ፡ እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ 144,000 ሰባት ኪእከቡ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። (ራእ. 5:9, 10፣ 14:1) እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜቝሙ የሱስን መጋዝእቱን፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሽሕ ዓመት ሳላ እቲ በጃ ኻብ ዚርከብ ረብሓታት ምእንቲ ኺጥቀሙ ኺሕግዝዎም እዮም። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ፣ ኵሎም እሙናት ደቂ ሰብ ድማ ፍጹማት ኪዀኑ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ሰማያውን ምድራውን ክፋል ስድራ ቤት ኣምላኽ ፍጹም ሓድነት ኪህልዎ እዩ። (ራእ. 5:13፣ 20:6) የሱስ ንርእሲ እቲ ተመን ኪጭፍልቖ፡ ንዅሉ ኣሰር ዕልወት ሰይጣን ድማ ኬጥፍኦ እዩ።—ዘፍ. 3:15

8. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ኪርድኡ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንድግፍ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

8 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ኪርድኡ ሓጊዝዎም እዩ። ደድሕሪ ጥምቀቱ፡ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ ኵሉ ኣዊጁ እዩ። (ሉቃ. 4:43) ናብ ሰማይ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት ከኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” መሰኻኽሩ ኪዀኑ ኣዚዝዎም እዩ። (ግብ. 1:6-8) ሳላ እዚ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እቲ በጃ ኺምሃሩን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑን ኣጋጣሚ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪሰብኩ ንእተዋህቦም መዝነት ኪፍጽሙ ብምሕጋዝ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክንድግፍ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:14፣ 25:40

‘ፍቓድካ ይኹን’

9. የሆዋ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጽሞ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 የሱስ፡ ‘ፍቓድካ ይኹን’ ኪብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ፡ ፈጣሪ እዩ። ሓደ ነገር ከም ዚፍጽም እንተ ተዛሪቡ ኸኣ፡ እቲ ዝበሎ ነገር ምፍጻሙ ዘይተርፍ እዩ። (ኢሳ. 55:11) ዕልወት ሰይጣን ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኪዀልፎ ኣይፈቅድን እዩ። የሆዋ ኻብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ምድሪ ብደቂ ኣዳምን ሄዋንን ክትምላእ ዓሊሙ እዩ። (ዘፍ. 1:28) ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ከይወለዱ እንተ ዚሞቱ፡ እቲ ምድሪ ብዘርኦም ክትምላእ ኣምላኽ ዝዓለሞ ዕላማ ኣይምተፈጸመን ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣዳምን ሄዋንን እንተ ሓጥኡ እኳ፡ የሆዋ ውሉዳት ኪወልዱ ፈቒዱሎም እዩ። ኣምላኽ በቲ በጃ ኣቢሉ፡ እምነት ንዜርእዩ ዅሎም ሰባት ናብ ፍጽምና ኺበጽሑን ንዘለኣለም ኪነብሩን ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ስለ ዜፍቅሮም፡ እዙዛት ሰባት ከምቲ ኣብ ፈለማ ዓሊምዎ ዝነበረ ዓይነት ህይወት ኪነብሩ ይደሊ እዩ።

10. እቲ በጃ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

10 ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ኣጋጣሚ ኸይረኸቡ ዝሞቱ ቢልዮናት ሰባትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ እቲ በጃ፡ ምዉታት ኪትንስኡ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። እወ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኼተንስኦምን ብዛዕባ ዕላማኡ ተማሂሮም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎምን እዩ። (ግብ. 24:15) የሆዋ፡ ሰባት ብህይወት ኪነብሩ እምበር፡ ኪሞቱ ኣይደልን እዩ። ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ኣቦ ዅሎም እቶም ዚትንስኡ እዩ። (መዝ. 36:9) የሱስ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ኢልና ኽንጽሊ ምምሃሩስ ክሳዕ ክንደይ ቅኑዕ ኰን እዩ። (ማቴ. 6:9) የሆዋ ንየሱስ፡ ምዉታት ኬተንስእ ኣገዳሲ ዕዮ ሂብዎ እዩ። (ዮሃ. 6:40, 44) የሱስ ድማ ኣብ ገነት፡ ነቲ ኸም “ትንሳኤን ህይወትን” መጠን ዘለዎ ግደ ኺፍጽሞ እዩ።—ዮሃ. 11:25

11. ብዛዕባ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

11 የሱስ፡ “ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” ስለ ዝበለ፡ የሆዋ ፍሉይ መሰል ንዝሃቦም እተወሰኑ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ልግሱ ኣርእይዎም። (ማር. 3:35) ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ማእለያ ዘይብሎም “ብዙሓት ህዝቢ” ኣምለኽቱ ኪዀኑ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። እቶም ብበጃ ክርስቶስ ዚኣምኑን ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩን፡ “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ” ኢሎም ኪጭድሩ እዮም።—ራእ. 7:9, 10

12. የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

12 የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብታ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ጸሎት እዚ ድማ፡ ንስም የሆዋ ኽንቅድሶ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። (ኢሳ. 8:13) ስም የሱስ እኳ፡ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዎ፣ ሳላ እቲ በጃ ዝረኸብናዮ ድሕነት ከኣ ንስም የሆዋ ኽብርን ግርማን የምጽኣሉ እዩ። ኵሎም ደቂ ሰብ ከኣ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሎም ካብቲ ሳላ በጃ ዚርከብ ረብሓታት ኪጥቀሙ እዮም። እወ፡ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከይፍጸም ኪዓግት ዚኽእል ነገር ከም ዘየለ ተረጋግጸልና እያ።—መዝ. 135:6፣ ኢሳ. 46:9, 10

ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ኣርኢ

13. ጥምቀትና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

13 ሓደ ኻብቲ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እነርእየሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ በቲ በጃ ኣሚንና ርእስና ንየሆዋ ብምውፋይን ብምጥማቕን እዩ። ጥምቀትና ድማ፡ “ናይ የሆዋ” ኸም ዝዀንና እዩ ዜርኢ። (ሮሜ 14:8) ንኣምላኽ፡ ሰናይ ሕልና ኺህበና ኸም ዝለመንና እዩ ዜመልክት። (1 ጴጥ. 3:21) የሆዋ ኸኣ፡ ብመስዋእታዊ ደም ክርስቶስ ክንጸሪ ብምፍቃድ ንልማኖና ምላሽ ይህበሉ እዩ። ኵሉ እቲ ዘተስፈወና ዘበለ ኸም ዚህበና ድማ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ኢና።—ሮሜ 8:32

ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

14. ንብጾትና ኸነፍቅር እተኣዘዝና ስለምንታይ ኢና፧

14 ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ኸነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገዲኸ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ብፍቕሪ ተደሪኹ ስለ ዚገብሮ፡ ፍቕሪ ዓብላሊት ባህርይ ኣምለኽቱ ኽትከውን እዩ ዚደሊ። (1 ዮሃ. 4:8-11) ንብጾትና ብምፍቃር፡ ‘ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና’ ኽንከውን ከም እንደሊ ነርኢ ኢና። (ማቴ. 5:43-48) እቲ ንብጾትና ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ፡ ደድሕሪ እቲ ንየሆዋ ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (ማቴ. 22:37-40) ሓደ ኻብቲ ንብጾትና ኸም እነፍቅር ከነርእየሉ እንኽእል መገዲ ድማ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ብምፍጻም እዩ። ንኻልኦት ሰባት ምስ እነፍቅሮም፡ ክብሪ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ። ነቲ ንኻልኦት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣሕዋትና ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ምስ እንስዕብ ድማ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ “ኣባና ፍጽምቲ ትኸውን።”—1 ዮሃ. 4:12, 20

እቲ በጃ ኻብ የሆዋ “እዋን ዕረፍቲ” የምጽኣልና

15. (ሀ) ካብ የሆዋ እንታይ በረኸት ኢና ተቐቢልና፧ (ለ) ኣብ መጻኢ እንታይ በረኸት ኢና ኽንረክብ፧

15 ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ኪሕደገልና ዚኽእል፡ በቲ በጃ ምስ እንኣምን ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ‘ኺድምሰሰልና’ ኸም ዚኽእል የረጋግጸልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21 ኣንብብ።) ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ብመንፈስ ንእተቐብኡ ኣገልገልቱ ውሉዳቱ ኪዀኑ ተቐቢልዎም እዩ። (ሮሜ 8:15-17) ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዘበልና ድማ፡ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ምእንቲ ኪቕበለና ኢሉ ስምና እተጻሕፎ ወረቐት ምስክር ከም ዘዳለወ ጌርካ ኺሕሰብ ይከኣል እዩ። ፍጹማት ምስ ኰንናን ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ሓለፍናን ድማ፡ የሆዋ ኣብቲ ዘዳለወልና ወረቐት ምስክር ክታሙ ኼንብርን ከም ምድራውያን ውሉዳቱ ገይሩ ኪቕበለናን እዩ። (ሮሜ 8:20, 21፣ ራእ. 20:7-9) የሆዋ ንውሉዳቱ ዘለዎ ፍቕሪ ዘለኣለማዊ እዩ። ሳላ እቲ በጃ ዚርከብ በረኸት እውን ዘለኣለማዊ እዩ። (እብ. 9:12) ዋጋ እዚ ውህበት እዚ ወትሩ ኽቡር እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ሓይሊ ድማ ኪምንጥለና ኣይክእልን እዩ።

16. በጃ ናይ ብሓቂ ሓራ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧

16 ድያብሎስ ንዅሎም እቶም ካብ ልቦም ተነሲሖም ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ ኪዀኑ ዚደልዩ ፈጺሙ ኺዓግቶም ኣይክእልን እዩ። የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ሞይቱ እዩ። ስለዚ፡ እቲ በጃ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እዩ ተኸፊሉ። (እብ. 9:24-26) ነቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ድማ ምሉእ ብምሉእ ኪድምስሶ እዩ። ሳላ መስዋእቲ ክርስቶስ፡ ካብ ባርነት እዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ሓራ ወጺእና ኢና፣ ሞት እውን ኣይንፈርህን ኢና።—እብ. 2:14, 15

17. ፍቕሪ የሆዋ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

17 ተስፋታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዚግበሮ እዩ። ከምቲ ሕግታት ተፈጥሮ ዜተኣማምን ዝዀነ፡ የሆዋ እውን ዜተኣማምን እዩ። ፈጺሙ ኣይልወጥን እዩ። (ሚል. 3:6) የሆዋ ኻብ ህይወት ዚዓቢ ነገር እውን ሂቡና እዩ። እወ፡ ፍቕሩ ሂቡና እዩ። “ንሕና ኸኣ ነታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃ. 4:16) ምልእቲ ምድሪ ደስ እተብል ገነት ክትከውን እያ፣ ኵሉ ነባሪ ምድሪ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ ኬንጸባርቕ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ምስቶም እሙናት ሰማያውያን ፍጡራት ሓቢርና፡ “ውዳሰን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ሓይልን ብርታዐን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን። ኣሜን” ንበል።—ራእ. 7:12