ንወለዲ
5፦ ልዝብ
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ደቅኻን ናይ ሓቂ ልዝብ ኪህሉ እንተ ዀይኑ፡ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ክትላዋወጡ ኣሎኩም።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ምናዳ ምስ መንእሰያት ምልዛብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ደቅኹም ንኣሽቱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኵሉ ነገር ይነግሩኹም ነይሮም እዮም። መንእሰያት ምስ ኰኑ ግና፡ ብዙሕ ኣይዛረቡኹምን እዮም፣ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ድማ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ደቅኹም ኬዛራርብኹም ዘይደልዩ እኳ እንተ መሰሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ምሳኻትኩም ኪላዘቡ ዜድልየሉ እዋን ግና እዚ ዕድመ እዚ እዩ።
ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ንውሉድካ ኣብ ዝደልዮ ሰዓት ኣዛራርቦ። ዋላ እውን ለይቲ ኼዛራርበካ እንተ ደልዩ፡ ንምዝርራቡ ፍቓደኛ ኹን።
“‘እምበኣር ሕጂ ኽትዛረብ ደሊኻ! ምሉእ መዓልቲ እንድየ ምሳኻ ውዒለ!’ ክትብሎ ትደሊ ትኸውን። ደቅና ናይ ልቦም ኪዛረቡና እንተ ደልዮም ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነማርር፧ ኵሉ ወላዲ ዚምነዮስ እዚ ደይኰነን፧”—ሊሳ።
“ድቃስ እፈቱ እዩ፣ ገለ ኻብቲ ምስ መንእሰያት ደቀይ ዝገበርክዎ ጽቡቕ ዝርርብ ግና ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ነይሩ።”—ሀርበርት።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።
ኣቓልቦኻ ምስ ዚሰርቕ ነገራት ተቓለስ። ሓደ ኣቦ፡ “ደቀይ ኬዛራርቡኒ ኸለዉ፡ ሓድሓደ ግዜ ብሓሳባይ እገይሽ እየ። ከዐሽዎም ከኣ ኣይክእልን እየ፣ ይፈልጡኒ እዮም!” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ።
ኣቓልቦኻ ዚስረቕ እንተ ዀይኑ፡ ተለቪዥን ኣጥፍእ፡ ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሕታት እውን ኣይትሓዝ። ኣብቲ ውሉድካ ዚብለካ ዘሎ ኣተኵር፣ ዋላ እውን እቲ ዘተሓሳሰቦ ነገር ጢጥ ቅሚጥ ኰይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ ምሉእ ቈላሕታኻ ሃቦ።
“ንደቅና ብስምዒታቶም ከም እንግደስ ከነረጋግጸሎም ኣሎና። ዘይንግደስ እንተ መሲልዎም፡ ዘተሓሳሰቦም ነገር ኣብ ውሽጦም ኪሓብእዎ ወይ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ካልእ ኪኸዱ እዮም።”—ማራንዳ።
“ኣተሓሳስባ ውሉድካ ዋላ እኳ ዘይቅኑዕ እንተ ዀነ፡ ኣይትሰምብድ።”—ኣንቶኒ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ።”—ሉቃስ 8:18።
ብወዝቢ ንእትዛራረቡሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ሓድሓደ ግዜ፡ ውሉዳት ምስ ወለዶም ገጽ ንገጽ ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘይዛራረቡሉ እዋን ናይ ልቦም ይገልጹ እዮም።
“ብማኪና ንእንኸደሉ ኣጋጣሚታት ንጥቀመሉ ኢና። ፊት ንፊት እናተጠማመትና ዘይኰነስ፡ ጐድኒ ጐድኒ ምዃንና ጽቡቕ ምይይጥ ክንገብር ኣኽኢሉና እዩ።”—ኒኮል።
ኣብ መኣዲ እውን ብወዝቢ ኽትዛራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
“ኣብ እዋን ድራር፡ ነፍሲ ወከፍና በታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመና ዝኸፍአን ዝበለጸን ነገር ነዘንቱ ኢና። እዚ ልማድ እዚ ኸኣ ሓድነት ይፈጥረልና፡ ንጸገማትና በይንና ኽንጾሮ ከም ዘይብልና ኽንፈልጥ ድማ የኽእለና።”—ሮቢን።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19።