ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:29 እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ምዉታት ይጥመቑ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ድዩ፧

ኣይፋልን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ታሪኽ ከምኡ ኸም እተገብረ ኣይሕብርን እዩ።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ብዙሓት ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እተተርጐመትሉ መገዲ፡ ብግዜ ጳውሎስ ገሊኦም ሰባት ኣብ ክንዲ ምዉታት ይጥመቑ ኸም ዝነበሩ እዩ ዜምስል። ንኣብነት፡ ትርጉም 1956 ከምዚ ይብል፦ “እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ አለዉ፧”

ይኹን እምበር፡ ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ሂቦም ኣለዉ። ዶ/ር ግሪጎሪ ሎክዉድ፡ እቲ “ኣብ ክንዲ ምዉታት” ምጥማቕ ዚብልዎ ሓሳብ፡ “ክሳዕ ሕጂ ታሪኻዊ ወይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት . . . ዘይብሉ ዓይነት ጥምቀት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ፕሮፌሰር ጎርደን ዶናልድ ፊ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዚ ዓይነት ጥምቀት እዚ፡ ታሪኻዊ ወይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት የብሉን። ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ፣ ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት ኣብ ካልእ ኣብያተ ክርስትያን ኰነ ኣብ ማሕበረ ሰብ ኦርቶዶክስ ክርስትያን እዚ ልምዲ እዚ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ነገር የልቦን።”

ንሰዓብቲ የሱስ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ዚብል ትእዛዝ ከም እተዋህቦም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሓደ ሰብ ጥሙቕ ወደ መዝሙር ቅድሚ ምዃኑ፡ ብዛዕባ የሆዋን ወዱን ኪምሃር፡ ብኣታቶም ኪኣምን፡ ንዓታቶም እውን ኪእዘዞም ኣለዎ። ኣብ መቓብር ዘሎ ምዉት ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ፣ ህያው ክርስትያን እውን ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ኸምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።—መክ. 9:5, 10፣ ዮሃ. 4:1፣ 1 ቈረ. 1:14-16

እሞ ደኣ ጳውሎስ እንታይ እዩ ዚብል ነይሩ፧

ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ፡ ትንሳኤ ምዉታት ከም ዘየልቦ ይማጐቱ ነይሮም እዮም። (1 ቈረ. 15:12) ጳውሎስ፡ እቲ ኣረኣእያ እቲ ጌጋ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ነዚ ንምንጻር፡ ‘መዓልቲ መዓልቲ ምስ ሞት ይጓነፍ’ ምንባሩ ገሊጹ እዩ። እዚ ኺብል ከሎ፡ ገና ብህይወቱ እዩ ነይሩ። ሓደጋታት እናኣጋጠሞ ግና፡ ከምቲ የሱስ ዝተንስአ፡ ንሱ እውን ድሕሪ ሞት ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኸም ዚትንስእ ይተኣማመን ነይሩ እዩ።—1 ቈረ. 15:30-32, 42-44

ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ትንሳኤ ቕድሚ ምብጻሖም መዓልቲ መዓልቲ ፈተናታት ከም ዜጋጥሞምን ድሕሪኡ ኸም ዚሞቱን፡ ሰብ ቈረንቶስ ኪርድኡ ነይርዎም እዩ። ‘ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልወካ ምጥማቕ፡’ ‘ተኻፋሊ ሞቱ ኽትከውን ምጥማቕ’ የጠቓልል እዩ። (ሮሜ 6:3) ስለዚ፡ እቲ ምሳልያዊ ጥምቀቶም፡ ቃል ብቓሉ ናብ ሞትን ናብ ሰማያዊ ትንሳኤን ይመርሖም እዩ።

የሱስ ካብቲ ብማይ እተጠምቀሉ ልዕሊ ኽልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ንኽልተ ሃዋርያቱ፡ “እታ ኣነ ዝጥመቓ ዘለኹ ጥምቀት እውን ክትጥመቑ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማር. 10:38, 39) የሱስ ሽዑ ብማይ ይጥመቕ ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ፡ በታ መገዲ ንጽህና ኺመላለስ ከሎ፡ ከም ዚመውት እዩ ዚነግሮም ነይሩ። ጳውሎስ ከኣ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ምስ ክርስቶስ መከራ ብምጽጋቦም፡ ምስኡ ኪኸብሩ’ ምዃኖም ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 8:16, 17፣ 2 ቈረ. 4:17) ስለዚ፡ ንሳቶም እውን ሰማያዊ ትንሳኤ ንምርካብ፡ ኪሞቱ ኣለዎም።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ብልክዕ ተተርጒሙ ኣሎ፦ “እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ምእንቲ ኺሞቱ ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸምኡ ኪዀኑ ኢሎም ዚጥመቑ፧”