ገላትያ 5:1-26
5 ክርስቶስ ነዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ ሓራ ኣውጺኡና። ስለዚ፡ ጽንዑ፣+ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።+
2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዚርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣለኹ።+
3 ዚግዘር ዘበለ ሰብ እውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺሕሉ ግዴታ ኸም ዘለዎ ደጊመ እምስክረሉ ኣለኹ።+
4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትፍትኑ ዘለኹም፡+ መን ምዃንኩም ብዘየገድስ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፣ ካብ ጸጋኡ ወዲቕኩም ኢኹም።
5 ንሕናስ ነቲ ሳላ እምነት ዚብጻሕ ተስፋ ዚግበረሉ ጽድቂ ብመንፈስ ክንረኽቦ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና።
6 ከመይሲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ዚሓብሩ፡ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን።+
7 ጽቡቕ ትጐይዩ ኔርኩም።+ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓጊቱኩም፧
8 እዚ ሕብለት እዚ፡ ካብቲ ዝጸውዓኩም ዝመጸ ኣይኰነን።
9 ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ እዩ።+
10 እቶም ምስ ጐይታ ሓድነት ዘሎኩም፡+ ካልእ ከም ዘይትሓስቡ እተኣማመን እየ፣ እቲ ዚርብሸኩም ግና፡+ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዚግብኦ ፍርዲ ኪቕበል እዩ።
11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ግና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ፡ ስለምንታይ ደኣ እስጐጕ ኣለኹ፧ ከምኡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ መዐንቀፊ ጕንዲ ስቅያት*+ ኣልጊሱ ኣሎ።
12 እቶም ዜዕገርግሩኹም፡ እንተ ዚስለቡ እባ ደኣ!*
13 ኣሕዋተየ፡ ንሓርነት ኢኹም እተጸዋዕኩም፣ ሓንትስ፡ በዚ ሓርነት እዚ ተጠቒምኩም ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣይትስዓቡ፣+ የግዳስ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ።+
14 ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኣብ እትብል ሓንቲ ትእዛዝ ተፈጺሙ* እዩ።+
15 ንሓድሕድኩም ትናኸሱን ትባልዑን እንተ ዄንኩም ግና፡+ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።+
16 ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡+ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+
17 ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ።+
18 ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ትምርሑ እንተ ኣሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን።
19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡*+ ርኽሰት፡ ንውርምና፡*+
20 ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡*+ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡
21 ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡+ ፈንጠዝያ፡* ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።+ ከምቲ ቐደም ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ኣቐዲመ አጠንቅቐኩም ኣለኹ።+
22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡*+ እምነት፡
23 ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።+ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።
24 እቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዘበሉ ድማ፡ ነቲ ስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።+
25 ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ብስርዓት ንመላለስ።+
26 ንሓድሕድና ብምትህልላኽን+ ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ+ ኣይንድለ።
እግረ ጽሑፍ
^ በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዚድግፍዎ ሕጊ ንምፍጻም ኣይበቕዑን።
^ ወይ፡ “ተጠቕሊሉ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣስማት፣ ምውሳድ ሓሽሽ (ዕጸ ፋርስ)።”
^ ወይ፡ “ቀይዲ በተኽ ድግስ።”
^ ወይ፡ “ሰናይ።”