ዘጸኣት 13:1-22

  • ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ናይ የሆዋ እዩ (1, 2)

  • በዓል ቅጫ (3-10)

  • ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ንኣምላኽ ይወፈ (11-16)

  • እስራኤላውያን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ተመርሑ (17-20)

  • ዓንዲ ደበናን ዓንዲ ሓውን (21, 22)

13  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2  “ካብ እስራኤላውያን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ* ንዓይ ቀድሶ።* ተባዕታይ በዅሪ ሰብን እንስሳን ናተይ እዩ።”+ 3  ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብኣ ስለ ዘውጽኣኩም፡ ነዛ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ ዘክርዋ።+ ብኹዕ ዘበለ ኸኣ ኣይበላዕ። 4  ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡* በዛ መዓልቲ እዚኣ ትወጹ ኣለኹም።+ 5  የሆዋ ናብታ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም+ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ+ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ በዓል እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ። 6  ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኪኸውን እዩ። 7  በተን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ፣+ ብኹዕ ዘበለ ድማ ኣባኻ ኣይረኸብ፡+ መባዅዕቲ እውን ኣብ ውሽጢ ዅሉ ዶባትካ ኣይረኸብ። 8  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ንወድኻ፡ ‘ስለቲ የሆዋ ኻብ ግብጺ ኽወጽእ ከለኹ ዝገበረለይ እዩ’ ኢልካ ንገሮ።+ 9  የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣፍካ ምእንቲ ኪኸውን፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም መዘከርታ ይኹንካ።+ 10  ነዚ ሕጊ እዚ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዓመት ንዓመት ሓልዎ።+ 11  “የሆዋ ናብታ ንዓኻን ንኣቦታትካን ዝመሓለልኩም+ ምድሪ ከነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ 12  ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ከምኡ እውን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ማልካ ንየሆዋ ወፊ። ተባዕታይ ዘበለ ናይ የሆዋ እዩ።+ 13  ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፣ እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ ተባዕታይ በዅሪ ተበጀዎ።+ 14  “ደሓር ወድኻ፡ ‘እዚ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሉ ምስ ዚሓትተካ፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና።+ 15  ፈርኦን ተሪሩ ምስዳድና ምስ ኣበየ፡+ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዝነበረ ዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ።+ ስለዚ ኸኣ እየ ንየሆዋ ዅሉ ተባዕታይ በዅሪ* ዝስውእ፡ ካብ ደቀይ ድማ ኵሉ በዅሪ ዝብጀዎ ዘለኹ’ በሎ። 16  የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም ክታብ ይኹንካ።”+ 17  ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሰደዶም፡ ኣምላኽ፡ “እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ኣጋጠሞም፡ ሓሳቦም ለዊጦም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ቀረባ ኽነሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን። 18  ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ኣዞሮ።+ እስራኤላውያን ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ። 19  ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ እሞ፡ ንኣዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ንኣዕጽምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።+ 20  ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን እቲ በረኻ ሰፈሩ። 21  የሆዋ ኸኣ መዓልትን ለይትን ምእንቲ ኺጕዓዙ፡+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኬብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።+ 22  እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ፡ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይተፈልየን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፍለዮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ በዅሪ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ።”
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ ዅሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ።”