ዘዳግም 1:1-46

  • ንቕሎ ኻብ ከረን ሆሬብ (1-8)

  • ኣሕሉቕን ፈራዶን ተሸሙ (9-18)

  • ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣይተኣዘዙን (19-46)

    • እስራኤል ናብታ ምድሪ ምእታው ኣበየ (26-33)

    • ንከነኣን ንምውራር እተገብረ ፈተነ ፈሸለ (41-46)

1  እቲ ሙሴ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣብ በረኻ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ሱፍ ዘሎ ጐላጕል ምድረ በዳ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲዛሃብን ንዅሉ እስራኤል እተዛረቦ ቓላት እዚ እዩ። 2  ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳብ ቃዴስ-ባርኔዓ፡+ መገዲ 11 መዓልቲ እዩ። 3  ኣብ መበል 40 ዓመት፡+ ኣብ መበል 11 ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን* ከምቲ የሆዋ ንዓታቶም ኪነግሮም ዝኣዘዞ ዅሉ ተዛረቦም። 4  እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ዓሽታሮት ኣብ ኤድረይ+ ዚቕመጥ ዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ኰነ። 5  ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ሙሴ ኸምዚ ኢሉ ነዚ ሕጊ እዚ ኺገልጾ ጀመረ፦+ 6  “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፦ ‘ኣብዚ ኣኽራን እዚ እተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም።+ 7  ተመሊስኩም ናብ ኣኽራን ኣሞራውያንን+ ናብ ኵሉ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዘሎ ዓራባን+ ናብ ኣኽራንን ናብ ሼፈላን ናብ ነጌብን ናብ ገምገም ባሕርን+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን*+ ክሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ተጐዓዙ። 8  ርአኹም፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ። እታ የሆዋ ንኣቦታትኩም፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን+ ንያእቆብን፡+ ንዓታቶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ተረስተይዋ ኸኣ።’+ 9  “በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ ‘ኣነ በይነይ ክጾረኩም ኣይክእልን እየ።+ 10  የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም እዩ፣ እንሆ ሎሚ ኸኣ፡ ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ኢኹም።+ 11  የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ካብቲ ዘለኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡+ ከምቲ ዘተስፈወኩም ድማ ይባርኽኩም።+ 12  ሰኸምኩምን ጾርኩምን ቈየቛኹምን ከመይ ገይረ በይነይ ክጾሮ እኽእል፧+ 13  ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ምኩራትን ሰባት ካብ ነገዳትኩም ሕረዩ፣ ኣነ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ርእስታት ገይረ ኽሸሞም እየ።’+ 14  ንስኻትኩም ከኣ፡ ‘እቲ ኽንገብሮ እተዛረብካና ነገር ጽቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ። 15  ሽዑ፡ ርእስታት ነገዳትኩም ዝዀኑ ጥበበኛታትን ምኩራትን ሰባት ወሲደ፡ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ገይረ ሸምክዎም።+ 16  “በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ነገር ምስ እትሰምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን ወይ ጓናን+ ብጽድቂ ፍረዱ።+ 17  ኣብ ፍርዲ ኣይተዳልዉ።+ ንንእሽቶ፡ ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ።+ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ ንሰብ ኣይትፍርሁ።+ ኣጸጋሚ ነገር እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣነ እውን ክሰምዖ እየ።’+ 18  በታ ግዜ እቲኣ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኽትገብርዎ ዚግባእ ኣዘዝኩኹም። 19  “ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘና፡ ብዅሉ እቲ ኣብ መገዲ ኣኽራን ኣሞራውያን+ ዝረኣኹምዎ ዓብይን ዜፍርህን በረኻ ኸድና፣+ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኸኣ መጻእና።+ 20  ኣነ ድማ ከምዚ በልኩኹም፦ ‘ናብቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ኣኽራን ኣሞራውያን መጺእኩም ኣለኹም። 21  ርአኻ፡ የሆዋ ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሂቡካ ኣሎ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደዪብካ ተረስተያ።+ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር እውን።’ 22  “ግናኸ፡ ኵላትኩም ናባይ ቀሪብኩም፡ ‘በየናይ መገዲ ኸም እንድይብን እንታይ ዓይነት ከተማታት ከም ዜጋጥማናን ተመሊሶም ምእንቲ ኺነግሩና፡ ነታ ምድሪ ዚድህስስዋ ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ።+ 23  እቲ ሓሳብ ጽቡቕ ስለ ዝመሰለኒ፡ ካባኻትኩም 12 ሰባት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሓረኹ።+ 24  ከይዶም ድማ ናብ ኣኽራን ደየቡ፡+ ክሳብ ስንጭሮ* ኤሽኮል በጺሖም ከኣ ሰለይዋ። 25  ካብ ፍረ እታ ምድሪ ወሲዶም ድማ ተሰኪሞምዎ ናባና ተመልሱ፣ ‘እታ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ ምላሽ ኣምጽኡልና።+ 26  ንስኻትኩም ግና ምድያብ ኣበኹም፣ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ዓሎኹም።+ 27  ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ከምዚ ኢልኩም ተዕዘምዝሙ ነበርኩም፦ ‘የሆዋ ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኼጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኺህበና ኢሉ እዩ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና። 28  ናበይ እሞ ኢና ኽንድይብ፧ ኣሕዋትና፡ “ንሳቶም ካባና ዚዓብዩን ዚነውሑን ህዝቢ እዮም፣ ከተማታቶም ከኣ ዓበይትን ክሳብ ሰማያት እተዓርዳን* እየን፣+ ደቂ ዓናቂም+ እውን ኣብኡ ርኢና” ኢሎም ንልብና ኣምኪኾምዎ።’+ 29  “ኣነ ድማ ከምዚ በልኩኹም፦ ‘ኣይትሸበሩ፡ ኣይትፍርህዎም እውን።+ 30  የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበረልኩም፡+ ቀቅድሜኹም ኪኸይድን ኪዋግኣልኩምን እዩ።+ 31  ኣብ በረኻ ኸኣ፡ ከምቲ ሰብ ንወዱ ዚጾሮ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ ዝኸድኩምዎ ዘበለ መገዲ ኸመይ ከም ዝጾረካ ርኢኻ ኢኻ።’ 32  እዚ ዅሉ ተባሂሉ ኽነሱ፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።+ 33  ንሱ ግና እትሰፍሩሉ ቦታ ኺስልየልኩም ቀቅድሜኹም ይኸይድ ነበረ። እትኸዱላ መገዲ ኼርእየኩም ድማ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸኣ ብደበና ተራእየ።+ 34  “የሆዋ ድማ ነቲ እትብልዎ ዝነበርኩም ይሰምዖ ነበረ፣ ተቘጢዑ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ 35  ‘ካብዚ እኩይ ወለዶ እዚ ሓደ እኳ ነታ ንኣቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩላ ጽብቕቲ ምድሪ ኣይኪርእያን እዩ፣+ 36  ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነ ሓደ እኳ ኣይኪርእያን እዩ። ንሱ ኺርእያ እዩ፣ ብምሉእ ልቡ* ንየሆዋ ስለ ዝሰዓቦ ኸኣ፡ ነታ ዝረገጻ ምድሪ ንዕኡን ንደቁን ክህቦም እየ።+ 37  (የሆዋ ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፣ “ንስኻ እውን ኣይክትኣትዋን ኢኻ።+ 38  እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል እያሱ ወዲ ነዌ፡+ ንሱ እዩ ናብታ ምድሪ ዚኣቱ።+ ንሱ ንእስራኤል ኬውርሶ እዩ እሞ፡ ኣበርትዓዮ”*+ ኸኣ በለኒ።) 39  እቶም ኪማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹምን+ እቶም ሎሚ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ዘይፈልጡ ደቅኹምን፡ ንሳቶም ኪኣትውዋ እዮም፡ ንዓታቶም ድማ ክህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪርስተይዋ እዮም።+ 40  ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዓዙ።’+ 41  “ሽዑ፡ ‘ንየሆዋ በዲልናዮ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘና፡ ደዪብና ንዋጋእ!’ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ነናቱ ኣጽዋር ውግእ ተዓጥቀ፡ ናብቲ ኸረን ምድያብ ቀሊል ከም ዝዀነ ኸኣ መሰለኩም።+ 42  የሆዋ ግና፡ ‘“ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትሰዓሩስ፡ ኣይትደይቡ፡ ኣይትዋግኡ እውን”+ በሎም’ በለኒ። 43  ኣነ ድማ ነገርኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን። የግዳስ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ዓሎኹም፡ ብድፍረት እውን ናብቲ ኸረን ክትድይቡ ፈተንኩም። 44  እቶም ኣብቲ ኸረን ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኪቀባበሉኹም ወጺኦም ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ሰጐጉኹም፡ ኣብ ሰዒር ድማ ክሳብ ሖርማ ፋሕ ኣበሉኹም። 45  ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በኸኹም፣ የሆዋ ግና ኣይሰምዓኩምን፡ ናባኻትኩም እውን ኣየድሃበን። 46  ስለዚ ኢኹም ክሳዕ ክንድዚ ኣብ ቃዴስ እተቐመጥኩም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ እስራኤል።”
ንሰንሰለት ኣኽራን ሊባኖስ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ርባ።”
ማለት፡ ዓበይቲ መካበብያ ዘለወን።
ቃ.ቃ.፡ “ምሉእ ብምሉእ፣ ፈጺሙ።”
ወይ፡ “ኣምላኽ ኣበርቲዕዎ ኣሎ” ኪኸውን ይኽእል።