እዮብ 31:1-40
31 “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታትየ እየ።+
ከመይ ኢለ እሞ ንድንግል ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽገብረላ፧+
2 ሽዑስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽ ግደይ እንታይ ምዀነ፧
ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅሉ ዚኽእልከ ርስተይ እንታይ ምዀነ፧
3 ንገባር ክፉእሲ ጥፍኣት፡ጕድኣት ንዚገብሩ ኸኣ መዓት ደይኰነን ዚጽበዮም፧+
4 ንሱስ ንመገድታተይ ኣይርእዮንዶ፧+
ንዅሉ ስጕምትታተይከ ኣይቈጽሮንዶ፧
5 ብሓሶትዶ* ተመላሊሰ እፈልጥ እየ፧
እግረይከ ናብ ምትላልዶ ቐልጢፋ እያ፧+
6 ኣምላኽ ኣብ ልክዕ ሚዛን ይምዘነኒ፣+ሽዑ ንጽህናይ ኪፈልጥ እዩ።+
7 ስጕምትታተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡+ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ እንተ ስዒቡ፡+ኣእዳወይ ረኺሰን እንተ ዀይነን፡
8 ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡+እቲ ዝተኸልክዎ* እውን ይምሖ።
9 ልበይ ብሰበይቲ ተሓቢሉ እንተ ዀይኑ፡+ኣብ ኣፍ ደገ ብጻየይ ተጸናትየ እንተ ዀይነ፡+
10 ሰበይተይ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሓን፣ካልኦት ሰብኡት ድማ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ይግበሩ።*+
11 እዝስ ዜሕፍር ምዀነ፣ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ከኣ ምዀነ።+
12 ሰራውር ኵሉ ፍርያተይ እኳ ዚውድእ፡*ዚበልዕን ዜጥፍእን* ሓዊ ምዀነ።+
13 ግዙአይ ወይ ግዝእተይ ብኣይ ምስ ኣማረሩ፡*ፍትሒ ኸሊአዮም እንተ ዀይነስ፡
14 ኣምላኽ ምስ ሓተተኒ* ደኣ እንታይ ክገብር እየ፧
ምስ ተጸባጸበኒኸ እንታይ ኢለ ኽምልሰሉ እየ፧+
15 እቲ ንዓይ ኣብ ማሕጸን ዝገበረስ ንዓታቶምዶ ኣይገበረን፧+
እቲ ኸይተወለድና* ዝደኰነናስ ሓደ ደይኰነን፧+
16 ንድኻታት ዚምነይዎ ኸሊአዮም እንተ ዀይነ፡+ኣዒንቲ መበለት ከኣ ኣጕህየ* እንተ ዀይነ፡+
17 ዚብጽሓኒ ምግቢ በይነይ በሊዐ እንተ ዀይነ፡ንዘኽታም* እውን ካብኡ እንተ ዘይመቒለዮ፡+
18 (ዘኽታምሲ* ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ከም ምስ ኣቦ ምሳይ እዩ ዓብዩ፣ካብ ቍልዕነተይ* ኣትሒዘ ኸኣ፡ ንመበለት* እመርሓ ነይረ እየ።)
19 ሓደ እኳ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ወይ ድኻ ብዘይ ዚኽደኖ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡+
20 ንሱ* ብጸምሪ ኣባጊዐይ ምስ ሞቐ፡እንተ ዘይመሪቑኒ፣+
21 ዘኽታም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ+ ሓገዘይ ምስ ደለየ፡ኢደይ ኣወጣዊጠሉ እንተ ዀይነ፡*+
22 ኢደይ* ካብ መንኵበይ ትምለቝ፣ቅልጽመይ ከኣ ኣብ ኵርናዕ ኢደይ* ይሰበር።
23 ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መዓትሲ ኣርዒዱኒ፣ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ድማ ክቐውም ኣይከኣልኩን።
24 እምንቶይ ኣብ ወርቂ እንተ ገይረ፡ንጽሩይ ወርቂ፡ ‘ውሕስነተይ ኢኻ!’ እንተ ኢለዮ፡+
25 ብዙሕ ጥሪት ስለ ዘጥረኹ፡+ብብዝሒ ሃብተይ ተሓጒሰ እንተ ዀይነ፡+
26 ድምቀት ጸሓይ፡*ወይ ግርማ ምንቅስቓስ ወርሒ ርእየ እንተ ዀይነ፡+
27 ልበይ ከኣ ብሕቡእ እንተ ተሓቢሉ፡ኣፈይ ድማ ከተምልኸን ኢላ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡+
28 በዚ ኸምዚ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምኸሓድክዎ እሞ፡እዚ ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ምዀነ።
29 ብጥፍኣት ጸላእየይ ተሓጒሰ ድየ፧+
ክፉእ ምስ ወረዶኸ ባህ ኢሉኒ ድዩ፧
30 እናረገምኩ ህይወቱ* ኽትጠፍእ ብምልማን፡ንኣፈይ ክትሓጥእ ኣይፈቐድኩላን።+
31 ሰብ ድንኳነይ፡‘ብምግቡ* ዘይጸገበ መን ኪረክብ ይኽእል፧’ ኣይበሉን ድዮም፧+
32 ኣብ ወጻኢ ዚሓድር ጋሻ* ኣይነበረን፣+ንተጓዓዛይ ማዕጾይ ከፊተ እየ።
33 ኣበሳይ ኣብ ሕሽኩል ክዳነይ ብምሕባእ፡ከም ካልኦት ጥሕሰተይ ክሽፍንዶ ፈቲነ እየ፧+
34 ሰባት ከይብሉኒ ኢለዶ ፈሪሀ እየ፧
ብንዕቀት ካልእ ዓሌታት ተሸቢረኸስቕ ኢለን ናብ ወጻኢ ኸይወጽእ ፈሪሀን ድየ፧
35 ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ መን ምሃበ!+
ኣብቲ ዝበልክዎ፡ ስመይ ምኸተምኩ ነይረ።*
እቲ ዅሉ ዚኽእል ይመልሰለይ!+
እቲ ኸሳስየይ፡ ነቲ ኽስታት ኣብ ሰነድ እባ እንተ ዝጽሕፎ!
36 ሽዑ፡ ኣብ መንኵበይ ምጾርክዎ፣ከም ዘውዲ እውን ኣብ ርእሰይ ምኣሰርክዎ።
37 ንዅሉ ስጕምተይ ጸብጻብ ምሃብክዎ፣ከም መስፍን፡ ተኣማሚነ ምቐረብክዎ።
38 ምድረይ ብሰረይ እንተ ኣእውያ፡ነግሕታታ ኸኣ እንተ በኽዩ፡
39 ከይከፈልኩስ ፍሪኣ በሊዐ እንተ ዀይነ፡+ንዋናታታ* ድማ ተስፋ ኣቕቢጸዮም እንተ ዀይነ፡+
40 ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይሲ እሾዅ፡ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ጨናዊ ጻህያይ ተብቍለለይ።”
ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተወድአ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ምስ ሓሰውቲዶ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዘርአይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካልኦት ሰብኡት ኣብ ልዕሊኣ ይምበርከኹ።”
^ ወይ፡ “ዚምሑ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ክሳዕ ጥፍኣት ዚበልዕ።”
^ ወይ፡ “ኣንጻረይ ጕዳይ ምስ ዚህልዎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ተንስአ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እቲ ኣብ ማሕጸን (ከርሲ)።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣሕሚቐ።”
^ ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ማሕጸን (ከርሲ) ኣደይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዓኣ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሕቘኡ።”
^ ወይ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ደገፍ ከም ዘሎኒ ምስ ረኣኹ፡ ንዘኽታም ኢደይ ኣወጣዊጠሉ እንተ ዀይነ።”
^ ወይ፡ “መሓግሓጋይ።”
^ ወይ፡ “ካብ መላግቦኡ፣ ካብ ምናተይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብርሃን።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብስጋኡ።”
^ ወይ፡ “ጓና።”
^ ወይ፡ “እንሆ ኽታመይ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሲ ዋናታታ።”