ኣንባቆም 3:1-19
3 ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብቝዝማ፦
2 ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባኻ ሰሚዐ።
ኦ የሆዋ፡ ብተግባርካ ኣስተንኪረ።
ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ነዚ ህያው ግበሮ!
ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ኣፍልጦ።
ብግዜ ህውከት፡ ምሕረት ምግባር ዘክር።+
3 ኣምላኽ ካብ ቴማን፡እቲ ቕዱስ ካብ ከረን ጳራን መጺኡ።+ (ሴላ)*
ግርማኡ ንሰማያት ከዲንዎ፣+ብውዳሰኡ ምድሪ መሊኣ።
4 ድምቀቱ ኸም ብርሃን ነይሩ።+
ካብቲ ብርታዐኡ እተሓብኣሉ ኢዱ፡ክልተ ጩራ ወጺኡ።
5 ቀቅድሚኡ ለበዳ ኸይዱ፣+ረስኒ ኸኣ እግረ እግሩ ስዒብዎ።
6 ደው ኢሉስ፡ ንምድሪ ኣናዊጽዋ።+
ጠሚቱ ንኣህዛብ ብራዕዲ ኣዝሊልዎም።+
እቲ ዘለኣለማዊ ኣኽራን ተሰባቢሩ፣እቲ ናይ ጥንቲ ዅርባታት ከኣ ሰጊዱ።+
መገድታት ጥንቲ ናቱ እዩ።
7 ኣብ ድንኳናት ኩሽ ሽግር ርእየ።
ዓለባታት ድንኳን ምድሪ ሚድያን ራዕራዕ ኢሉ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ፡ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ድዩ ዚነድድ ዘሎ፧
ወይስ ነድርኻ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ፧+
ንስኻስ ኣብ ኣፍራስካ ተወጢሕካ፣+ሰረገላታትካ ድማ ዕዉት* ነይሩ።+
9 ቀስትኻ ተቐሊዓን ተዳልያን ኣላ።
ኣባትር* ከኣ ብማሕላ ተመዲቡ ኣሎ።* (ሴላ)
ንምድሪ ብኣፍላግ ትስንጥቓ።
10 ኣኽራን ምስ ረኣዩኻ፡ ብቓንዛ ተፋሒሶም።+
ዝናም ማያት ሓሊፉ።
መዓሙቝ ድምጹ ኣስሚዑ።+
ኣእዳዉ ናብ ላዕሊ ኣልዒሉ።
11 ጸሓይን ወርሕን ኣብ ልዑል ስፍራአን ቈይመን።+
ፍላጻታትካ ኸም ብርሃን ወጺኡ።+
በርቂ ዂናትካ ድሙቕ ነይሩ።
12 ብቝጥዓ ብመንጎ ምድሪ ኼድካ።
ንኣህዛብ ብዅራ ረጊጽካዮም።*
13 ንድሕነት ህዝብኻ፡ ንቕቡእካ ንምድሓን ወጺእካ።
ንመራሒ* ቤት እከይ ጨፍሊቕካ።
ንሳ ኻብ መሰረት ክሳብ ላዕሊ* ተቐሊዓ። (ሴላ)
14 ፋሕ ኬብሉኒ ኸም ህቦብላ ምስ ተሃንደዱ፡ርእሲ ተዋጋእቱ ብኣጽዋሩ* ወጊእካ።
ንውጹዕ ብሕቡእ ምውሓጥ የሐጕሶም ነይሩ።
15 ብኣፍራስካ ንባሕሪ፡ንቡሕቡሕታ ሰፊሕ ማያት ረጊጽካዮ ሓሊፍካ።
16 ሰሚዐስ ብውሽጠይ ራዕራዕ ኢለ፣*ከናፍረይ በቲ ደሃይ ኣንቀጥቂጡ፣ቍንቍነ ናብ ኣዕጽምተይ ኣትዩ፣+ኣእጋረይ ኣብ ትሕተይ ተናዊጹ።
ኣነ ግና ንመዓልቲ ጭንቂ ስቕ ኢለ እየ ዝጽበ፣+ንሳስ ኣብቶም ዜጥቅዑና ህዝቢ ትመጽእ ኣላ።
17 ኦም በለስ እኳ እንተ ዘይዓምበበ፡ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ፍረ እንተ ዘይሃለወ፡ፍረ ኣውልዕ እኳ እንተ ጠለመ፡ግራውቲ* እውን ምግቢ እንተ ዘየፍረየ፡መጓሰ እኳ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፡ኣብ ቀጽሪ እውን ከብቲ እንተ ዘይሃለዋ፡
18 ኣነ ግና ብየሆዋ ኽፍሳህ፡ብኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክሕጐስ እየ።+
19 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ሓይለይ እዩ፣+ንሱ ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ኣብ በረኽቲ እውን የርግጸኒ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ብግዜና” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብግዜና” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ድሕነት።”
^ ወይ፡ “ፍላጻታት።”
^ ወይ፡ “ማሕላ ነገዳት ተገሊጹ ኣሎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣኺድካዮም፡” ማለት፡ ከም እኽሊ ኸም ዚኽየዱ ገይርዎም።
^ ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ክሳድ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብኣባትሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከብደይ ራዕራዕ ኢሉ።”
^ ወይ፡ “ዛላታት።”