ምሳሌ 21:1-31
21 ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ።+
ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ።+
2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ልቢ* ይምርምር።+
3 ቅንዕናን ፍትሕን ምግባር፡ንየሆዋ ኻብ መስዋእቲ ብዝያዳ ባህ የብሎ።+
4 ዕቡያት ኣዒንትን ትዕቢተኛ ልብን፡—እታ ንእኩያት እትመርሕ መብራህቲ፡ ሓጢኣት እያ።+
5 ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ* ይመርሕ፣+ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።+
6 ብሓሳዊት ልሳን መዛግብቲ ምእካብ፡ከም ዚበንን ግመ፡ ናብ ሞት ከም ዜብጽሕ መፈንጠራ እዩ።*+
7 ፍትሒ ምግባር ይኣብዩ እዮም እሞ፡እኩያት ብዓመጻኦም ይዅስተሩ።+
8 መገዲ በደለኛ ቔናን እያ፣ተግባር ንጹህ ሰብ ግና ቅኑዕ እዩ።+
9 ካብ ምስ ነግራም* ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+
10 እኩይ ሰብ* ክፍኣት ይሃርፍ፣+ንብጻዩ ኸኣ ሞገስ ኣየርእዮን።+
11 መላገጺ ምስ ተቐጽዐ፡ ዘይለበመ ይጠብብ፣ንጥበበኛ ልቦና ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ፍልጠት ይረክብ።*+
12 እቲ ጻድቕ* ንቤት እኩይ ይዕዘባ፣ንእኩያት ከኣ ናብ ጥፍኣት ይድርብዮም።+
13 ኣውያት ትሑት ከይሰምዕ እዝኑ ዚደፍን፡ንሱ እውን ይጽውዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።+
14 ብምስጢር እተዋህበ ህያብ፡ ቍጥዓ፡ብሕቡእ እተዋህበ ጉቦ* ድማ፡ ብርቱዕ ነድሪ የህድእ።+
15 ንጻድቕሲ ፍትሒ ምግባር ሓጐሱ እዩ፣+ንገበርቲ እከይ ግና ኣዝዩ ሕማቕ እዩ።
16 እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዜልግስ፡ኣብ ኣኼባ እቶም ብሞት እተሰነፉ ይዓርፍ።+
17 ጸወታ* ዚፈቱ ይደኪ፣+ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
18 እኩይ በጃ ጻድቕ እዩ፣ጠላም ድማ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ይኸውን።+
19 ካብ ምስ ነግራምን* ተበሳጫዊትን ሰበይትስ፡ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ።+
20 ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣብ ቤት ጥበበኛ ይርከብ፣+ዓሻ ሰብ ግና ዘለዎ ዘበለ ይዘሩ።*+
21 ንጽድቅን ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕርን ዚስዕብ፡ህይወትን ጽድቅን ክብርን ይረክብ።+
22 ጥበበኛ ናብ ከተማ ጀጋኑ ኺሓኵር፡*ንዚእመኑሉ ብርታዐ ድማ ኬፍርሶ ይኽእል።+
23 ኣፉን ልሳኑን ዚሕሉ፡ንርእሱ* ኻብ ጭንቂ ይሕልዋ።+
24 ግዲ ኸይገበረ ዚዳፈር፡ተዳፋርን ዕቡይን ተጃሃርን ይብሃል።+
25 ኣእዳዉ ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ንሃካይሲ ህርፋኑ ይቐትሎ።+
26 ምሉእ መዓልቲ ብስስዐ ይሃርፍ፣ጻድቕ ግና ሓንቲ እኳ ኸይከልአ ይህብ።+
27 መስዋእቲ እኩያት ፍንፉን እዩ።+
ብእኩይ ሃቐና* እንተ ኣቕሪብዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!
28 ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፣+ዚሰምዕ ሰብ ግና፡ ብዓወት ይምስክር።*
29 እኩይ ይዳፈር፣+ቅኑዕ ግና መገዱ የረጋግጽ።+
30 ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ ኰነ፡ ምስትውዓል ኰነ፡ ወይ ምኽሪ የልቦን።+
31 ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፣+ድሕነት ግና ናይ የሆዋ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ውሽጣዊ ድራኸታት።”
^ ወይ፡ “ረብሓ።”
^ ወይ፡ “ነቶም ሞት ዚደልዩ፡ ከም ዚበንን ግመ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “መኛካ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ እኩይ።”
^ ወይ፡ “ዚገብሮ ይፈልጥ።”
^ ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣምላኽ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፊ [እተዋህበ] ጉቦ።”
^ ወይ፡ “ተድላ።”
^ ወይ፡ “መኛካን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይውሕጥ።”
^ ወይ፡ “ንኸተማ ጀጋኑ ኺስዕር።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ምስ ዜሕፍር ተግባር።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዘለኣለም ይዛረብ።”