መዝሙር 37:1-40
ናይ ዳዊት።
א [ኣሌፍ]
37 ብእኩያት ኣይትሕረቕ፡*ወይ ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ።+
2 ንሳቶምሲ ኸም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪጽምልዉ፡+ከም ልምሉም ለቕሚ ኪቕምስሉ እዮም።
ב [ቤት]
3 ብየሆዋ ተኣመን፡* ሰናይ ከኣ ግበር፣+ኣብ ምድሪ* ንበር፡ ብተኣማንነት ድማ ተመላለስ።+
4 ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣*ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ።
ג [ጊሜል]
5 መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።+
6 ንጽድቅኻ ኸም ወጋሕታ፡ንፍትሕኻ እውን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኼብርሆ እዩ።
ד [ዳሌጥ]
7 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡+ብሃንቀውታ* ተጸበዮ።
ተንኰሉ ኺፍጽም ብዚሰልጦ ሰብኣይትሕረቕ።+
ה [ሄ]
8 ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣+ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር።*
9 እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣+እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።+
ו [ዋው]
10 ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣+ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+
11 ዓቃላት* ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣+ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።+
ז [ዛይን]
12 እኩይ ንጻድቕ ውዲት ይኣልመሉ፣+ኣስናኑ እውን ይሕርቅመሉ።
13 የሆዋ ግና ይስሕቆ፣ስለምንታይሲ፡ መዓልቱ ኸም እትመጽእ ይፈልጥ እዩ።+
ח [ሔት]
14 እኩያት ንጭቁንን ንድኻን ኬውድቕዎ፡ነቶም ቅኑዕ ዝመገዶም ኪሓርድዎም፡ኣስያፎም ይመልሑ፡ ቀስቶም እውን ይግትሩ።
15 ሰይፎም ግና ንገዛእ ልቦም ኪወግኦ፡+ቀስትታቶም ከኣ ኪስበር እዩ።
ט [ጤት]
16 ካብ ናይ ብዙሓት እኩያት ሃብትስ፡ናይ ጻድቕ ሒደት ይበልጽ።+
17 ቀላጽም እኩያትሲ ኺስበር እዩ፣የሆዋ ግና ንጻድቃን ኪድግፎም እዩ።
י [ዮድ]
18 የሆዋ ነቲ እቶም መንቅብ ዘይብሎም ዜሕልፍዎ ይፈልጦ፣*ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+
19 ብግዜ መዓት ኣይኪሓፍሩን እዮም፣ብግዜ ጥሜት ኪጸግቡ እዮም።
כ [ካፍ]
20 እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም፣+ጸላእቲ የሆዋ ድማ ከም ዕሙር መጓሰዪ ኺበርሱ፡ከም ትኪ ኸኣ ኪበንኑ እዮም።
ל [ላሜድ]
21 እኩይ ይልቃሕ፡ ኣይመልስን ድማ፣ጻድቕ ግና ለጋስ እዩ* እሞ፡ ይህብ።+
22 እቶም ዝባረኾም ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣እቶም ዝረገሞም ግና ኪጠፍኡ እዮም።+
מ [ሜም]
23 የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ+ንስጕምትታቱ ይመርሐን።*+
24 የሆዋ ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡+እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን።+
נ [ኑን]
25 ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።+
26 ወትሩ ብናጻ የለቅሕ፣+ዘርኡ ድማ ይባረኹ።
ס [ሳሜኽ]
27 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣+ንዘለኣለም ድማ ክትነብር ኢኻ።
28 የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ።+
ע [ዓይን]
ንሳቶም ወትሩ ኺሕለዉ እዮም፣+ዘርኢ እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም።+
29 ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡+ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።+
פ [ፌ]
30 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የካፍል፣*ልሳኑ ድማ ብዛዕባ ፍትሒ ይዛረብ።+
31 ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣+ስጕምትታቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።+
צ [ጻዴ]
32 ኪቐትሎ ኢሉስ፡እኩይ ንጻድቕ ይጸናተዎ።
33 የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይኪሓድጎን፡+ኪፍረድ ከሎ እውን ኣይኪዅንኖን እዩ።+
ק [ቆፍ]
34 ብየሆዋ ተስፋ ግበር፡ መገዱ እውን ስዓብ፣ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኽትርስተያ ልዕል ኬብለካ እዩ።
እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ+ ኽትርኢ ኢኻ።+
ר [ሬሽ]
35 ንጨካን፡ ንእኩይኣብ ቦታኣ ኸም ዝለምዐት ኦም ኣስፋሕፊሑ ርእየዮ።+
36 ብሃንደበት ግና ሓሊፉ ኸይዱ፣+እንተ ደለኽዎ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን።+
ש [ሺን]
37 መንቅብ ንዘይብሉ* ኣስተብህለሉ፡ንቕኑዕ+ ከኣ ርኣዮ፡መጻኢ እቲ ሰብ እትስ ሰላም ኪኸውን እዩ።+
38 ኵሎም ኣበስቲ ግና ኪጠፍኡ እዮም፣መጻኢ እኩያት ድማ ኪቝረጽ እዩ።+
ת [ታው]
39 ድሕነት ጻድቃን ካብ የሆዋ እዩ፣+ንሱ ብግዜ ጭንቂ ዕርዶም እዩ።+
40 የሆዋ ኺረድኦምን ኬናግፎምን እዩ።+
ኣብኡ ስለ እተማዕቈቡ፡ካብ እኩያት ኬናግፎምን ኬድሕኖምን እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣይትናደድ።”
^ ወይ፡ “ተወከል።”
^ ወይ፡ “ኣብታ ምድሪ።”
^ ወይ፡ “ኣዚኻ ተሓጐስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ናብ የሆዋ ኣንከባልሎ።”
^ ወይ፡ “ብትዕግስቲ።”
^ ወይ፡ “ናብ ክፉእ ጥራይ እዩ ኺመርሕ ዚኽእል እሞ፡ ኣይትሕረቕ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ትሑታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንመዓልትታት እቶም መንቅብ ዘይብሎም ይፈልጠን።”
^ ወይ፡ “ሞገስ የርኢ።”
^ ወይ፡ “የጽንዐን።”
^ ወይ፡ “ጥበብ ብትሕቲ መልሓሱ ይዛረብ።”
^ ወይ፡ “ንጽህናኡ ንዚሕሉ።”