መዝሙር 13:1-6

  • ትጽቢት ድሕነት የሆዋ

    • “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (1, 2)

    • የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ይህብ (6)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 13  ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትርስዓኒ፧ ንዘለኣለምዶ፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ገጽካ ኻባይ ክትሓብእ፧+  2  ክሳዕ መዓስ እየ ኽጭነቕ፡*መዓልቲ መዓልትስ ልበይ ኪጕሂ፧ ክሳዕ መዓስከ እዩ ጸላእየይ ኣብ ልዕለይ ኪዕወት፧+  3  ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ጠምተኒ እሞ መልሰለይ። ድቃስ ሞት ከይድቅስሲ፡ ንኣዒንተይ ኣብርሃየን፣  4  ጸላእየይ ከኣ፡ “ስዒረዮ!” ከይብል። ተጻረርተይ ብውድቀተይ ኣይተሓጐሱ።+  5  ኣነስ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ እእመን ኣለኹ፣+ልበይ ብግብርታት ድሕነትካ ኽትሕጐስ እያ።+  6  የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ሂቡኒ* እዩ እሞ፡ ክዝምረሉ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክሳዕ መዓስ እያ ነፍሰይ ክትጭነቕ።”
ወይ፡ “ኺሒሱኒ።”