ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 17

መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤትካ ኺሕግዛ ዚኽእል ከመይ ገይሩ እዩ፧

ሰብኡት/ኣቦታት

“ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ . . . ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ።”

ኤፌሶን 5:28, 29, 33

“ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም።”

ኤፌሶን 6:4

ኣንስቲ

“እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”

ኤፌሶን 5:33

“ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።”

ቈሎሴ 3:18

ውሉዳት

“ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣብታ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’ እትብል ተስፋ ዘለዋ ቐዳመይቲ ትእዛዝሲ፡ ‘ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ’ ይብል እዩ።”

ኤፌሶን 6:1-3

“ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።”

ቈሎሴ 3:20