መጽናዕቲ 16
ሃናጽን ኣወንታውን
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
-
ብዛዕባ ሰማዕትኻ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዀስኵስ። ክርስትያናት ብጾትካ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ኸም ዚደልዩ ጌርካ ሕሰብ። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ እውን እንተ ዀነ፡ ብእተኻእለ መጠን ፈለማ ኻብ ልቢ ንኣድ።
-
ኣሉታዊ ነገራት ኣይተብዝሕ። ኣሉታዊ መዳይ ክትጠቅስ ከለኻ፡ ነቲ ጠቓሚ ዕላማ ዘለዎ ጥራይ ጥቐሶ። ሓፈሻዊ ኣቀራርባኻ ኣወንታዊ ኪኸውን ኣለዎ።
-
ንቓል ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ናብቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣቐዲሙ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ከም ዜተኵሩ ግበሮም። ንሰማዕትኻ ተስፋን ትብዓትን ኣስንቆም።